ን COVID-19 ምግላል ከምኡ'ውን ምውሻብ :: ናይ ዋሺንግተን ስቴት ክፍሊ ጥዕና (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)
እትግለለሉ ግዜ ወይ እትዉሸበሉ ግዜ ብኸመይ ከም እትጽብጽቦ . ብኽብረትካ ኣብ ታሕቲ ርአ። ኣብ ግዜ ምግላል እንታይ ከም እትገብር ብተወሳኺ ሓበሬታ፣ ብኽብረትካ ኣብ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዉጺኢት መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) ርአ። ምስ ሓደ ብ COVID-19 እተለኽፈ ሰብ ጥብቂ ርክብ እንተ ኣልዩካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፣ ብኽብረትካ ኣብዚ ርአ ንሓደ COVID-19 ዘለዎ ሰብ ናብኡ ቐሪብካ እንተነይረካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)።
ትሑት ናይ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ ወይ ናይ ብ COVID-19 ከቢድ ሕማም ሓሚምካ እንተ ኔርካ፣ እዞም ሕሳብ ንኩነታትካ ኣይመልክቱን እዮም። ብኽብረትካ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዉጺኢት መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ (PDF) ተመልከት።
ኣብ ሓደገኛ-ስግኣት ዘለዎም ኩነታት ትነብር ወይ ትሰርሕ እንተ ኣለኻ እዚ ቐመር እዚ ኣብ ኵነታትካ ኣይውዕልን ይኸውን እዩ። ሓደገኛ-ስግኣት ዘለዎም ኩነታት ነዚኦም ዝስዕቡ የጠቓልል፦ መሳለጥያታት ክንክን ጥዕና፣ መኣረምታ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ መዕቈቢ ዘይብሎም ሰባት መንበሪ፣ መሰጋገሪ ቦታታት፣ ንግዳዊ ቦታታት ባሕሪ (ንኣብነነት፣ ንግዳዊ መራኽብ ምግቢ፣ ባሕሪ መርከብ፣ ጽዕነት መርከብ ጕዕዞ)፣ ግዝያዊ መንበሪ ሰራሕተኛታት ወይ ብምኽንያት ባህርይ እቲ ዕዮ ኣካላዊ ርሓቕ ኪህሉ ኣብ ዘይክእለሉ ብሰባት እተጨቓጨቐ ቦታታት (ንኣብነነት፣ መኽዘናትን ፋብሪካታትን፣ መዐሸጊ ምግብን መስርሕ ስጋን)። ንሓበሬታ ንናይ ምግላልካ ግዜ ኣብ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዉጺኢት መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ (PDF) ከምኡ'ውን ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምውሻብ ግዜ ኣብ ንሓደ COVID-19 ዘለዎ ሰብ ናብኡ ቐሪብካ እንተነይረካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) ተመልከት።