ምግላል ከምኡ'ውን ምውሻብ ምሕሳብ

This page is being reviewed for updates. The Washington State Department of Health has updated its guidance for what to do if you are sick with COVID-19 or were exposed to COVID-19. This page may have content that is inconsistent with the new guidance.

ን COVID-19 ምግላል ከምኡ'ውን ምውሻብ :: ናይ ዋሺንግተን ስቴት ክፍሊ ጥዕና (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)

እትግለለሉ ግዜ ወይ እትዉሸበሉ ግዜ ብኸመይ ከም እትጽብጽቦ . ብኽብረትካ ኣብ ታሕቲ ርአ። ኣብ ግዜ ምግላል እንታይ ከም እትገብር ብተወሳኺ ሓበሬታ፣ ብኽብረትካ ኣብ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዉጺኢት መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) ርአ። ምስ ሓደ ብ COVID-19 እተለኽፈ ሰብ ጥብቂ ርክብ እንተ ኣልዩካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፣ ብኽብረትካ ኣብዚ ርአ ንሓደ COVID-19 ዘለዎ ሰብ ናብኡ ቐሪብካ እንተነይረካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)።

ትሑት ናይ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ ወይ ናይ ብ COVID-19 ከቢድ ሕማም ሓሚምካ እንተ ኔርካ፣ እዞም ሕሳብ ንኩነታትካ ኣይመልክቱን እዮም። ብኽብረትካ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዉጺኢት መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ (PDF) ተመልከት።

ኣብ ሓደገኛ-ስግኣት ዘለዎም ኩነታት ትነብር ወይ ትሰርሕ እንተ ኣለኻ እዚ ቐመር እዚ ኣብ ኵነታትካ ኣይውዕልን ይኸውን እዩ። ሓደገኛ-ስግኣት ዘለዎም ኩነታት ነዚኦም ዝስዕቡ የጠቓልል፦ መሳለጥያታት ክንክን ጥዕና፣ መኣረምታ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ መዕቈቢ ዘይብሎም ሰባት መንበሪ፣ መሰጋገሪ ቦታታት፣ ንግዳዊ ቦታታት ባሕሪ (ንኣብነነት፣ ንግዳዊ መራኽብ ምግቢ፣ ባሕሪ መርከብ፣ ጽዕነት መርከብ ጕዕዞ)፣ ግዝያዊ መንበሪ ሰራሕተኛታት ወይ ብምኽንያት ባህርይ እቲ ዕዮ ኣካላዊ ርሓቕ ኪህሉ ኣብ ዘይክእለሉ ብሰባት እተጨቓጨቐ ቦታታት (ንኣብነነት፣ መኽዘናትን ፋብሪካታትን፣ መዐሸጊ ምግብን መስርሕ ስጋን)። ንሓበሬታ ንናይ ምግላልካ ግዜ ኣብ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዉጺኢት መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ (PDF) ከምኡ'ውን ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምውሻብ ግዜ ኣብ ንሓደ COVID-19 ዘለዎ ሰብ ናብኡ ቐሪብካ እንተነይረካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) ተመልከት።

ምልክታት ሕማም ነይሩኒ ከምኡ'ውን ውጽኢት መርመራይ ፖዘቲቭ ነይሩ፦ ነቲ ናተይ ምፍላይ ግዘ ስርሓለይ

ናይ 5 መዓልቲ ምግላል

ናይ 5 መዓልታት ምግላል ግብዕ ዝኸውን፦

  • ምልክታትካ ተመሓይሾም፣ ከምኡ'ውን
  • ረስኒ ካብ ዝገድፈካ ወይ ከኣ ናይ ረስኒ ዘጉድል መድሃኒት ካብ እትጥቐም 24 ሰዓታት ሓሊፉ፣ ከምኡ'ውን
  • ምስ ካልኦት ሰባት ከባቢ ክትከውን እንተለኻ ግቡእ ማስኬራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

እዞም መለክዒ ምስ ዝትግበሩ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ርእስኻ እትግልለሉ፦
ምግላልካ ኣብ፦ ይውዳእ

ን ተወሳኺ 5 መዓልታት (ክሳብ ) ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እትራኸብሉ እዋን ማስኬራ ግበር ከምኡ'ውን ማስኬራ ክትገብር ኣብ ዘይትኽእለሉ ንጥፈታት ኣይትካፈል። ክሳብ ናብ ጕዕዞ ምኻድ ከምኡዉን ምስቶም ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ዘለዉ ሰባት ምርኻብ ኣወግድ። ብዛዕባ ጉዕዞ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ግዑዞ| CDC (ኢንግሊሽ ጥራሕ) ረኣይ።

ናይ ኣንቲጅን መርመራ ክትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ፣ ኣብ ናይ 5 ይ መዓልቲ ናይ ምግላል መርመራ ብምውሳድ ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ኣጋጣሚ ክትንክዮ ትኽእል ኢኻ። ውጽኢትካ ኔጋቲቭ እንተኮይኑ፣ ምግላልካ ድሕሪ 5 መዓልታት ደው ክተብሎ ትኽእል ኢኻ፣ ይኹን እምበር ንተወሳኺ 5 መዓልታት (ክሳብ ) ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እትራኸብሉ እዋን ማስኬራ ግበር። ውጽኢት መርመራኻ ፖዘቲቭ እንተ ዀይኑ፣ ክሳብ ርእስኻ ምግላል ቐጽል።

ናይ 10 መዓልቲ ምግላል

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መለክዒታት ንዓኻ ዘይምልከተካ እንተ ዀይኑ፣ ን 10 መዓልታት ክትግለል ኣሎካ።

ን 10 መዓልታት ተገሊልካ እንድሕር ኣለኻ፣ ናይ መወዳእታ ናይ ምሉእ መዓልቲ ምግላልካ፦ እያ።
ምግላልካ ኣብ፦ ይውዳእ ።

ኣብ ምልክታት ሕማምካ እንተ ዘይተመሓየሸ ወይ ረስኒ እንተ ዘየቋሪጽካ (ወይ ረስኒ ዚንኪ መድሃኒት የድልየካ እንተ ኾይኑ)፣ ረስኒ ዚንኪ መድሃኒት ከይተጠቐምካ ምልክታት ሕማምካ ክሳብ ዝመሓየሽን ን 24 ሰዓታት ረስኒ ክሳብ ዘይህልወካን ምግላልካ ክትዉድእ ተጸበ።

ምልክታት ሕማም የብለይን ግና ውጽኢት መርመራይ ፖዘቲቭ እዩ፦ ነቲ ዝግለለሉ ግዜ ሕሰበለይ

ናይ 5 መዓልቲ ምግላል

ናይ 5 መዓልታት ምግላል ግብዕ ዝኸውን፦

  • ምስ ካልኦት ሰባት ከባቢ ክትከውን እንተለኻ ግቡእ ማስኬራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

ምልክታት ሕማም እንተ ዘይነይርካ ከምኡዉን ኣብ ከባቢ ካልኦት ሰባት ክትከውን ከለኻ ግቡእ ማስኬራ ክትገብር ትኽእል ምስ ትኸዉን፣ ናትካ ናይ መወዳእታ እትግለለሉ ዕለት፦ እያ።
ምግላልካ ኣብ፦ ይውዳእ

ን ተወሳኺ 5 መዓልታት (ክሳብ ) ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እትራኸብሉ እዋን ማስኬራ ግበር ከምኡ'ውን ማስኬራ ክትገብር ኣብ ዘይትኽእለሉ ንጥፈታት ኣይትካፈል። ክሳብ ናብ ጕዕዞ ምኻድ ከምኡዉን ምስቶም ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ዘለዉ ሰባት ምርኻብ ኣወግድ። ብዛዕባ ጉዕዞ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ግዑዞ| CDC (ኢንግሊሽ ጥራሕ) ረኣይ።

ናይ ኣንቲጅን መርመራ ክትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ፣ ኣብ ናይ 5 ይ መዓልቲ ናይ ምግላል መርመራ ብምውሳድ ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ኣጋጣሚ ክትንክዮ ትኽእል ኢኻ። ውጽኢትካ ኔጋቲቭ እንተኮይኑ፣ ምግላልካ ድሕሪ 5 መዓልታት ደው ክተብሎ ትኽእል ኢኻ፣ ይኹን እምበር ንተወሳኺ 5 መዓልታት (ክሳብ ) ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ እትራኸብሉ እዋን ማስኬራ ግበር። ውጽኢት መርመራኻ ፖዘቲቭ እንተ ዀይኑ፣ ክሳብ ርእስኻ ምግላል ቐጽል።

ናይ 10 መዓልቲ ምግላል

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መለክዒታት ንዓኻ ዘይምልከተካ እንተ ዀይኑ፣ ን 10 መዓልታት ክትግለል ኣሎካ።

ን 10 መዓልታት ተገሊልካ እንድሕር ኣለኻ፣ ናይ መወዳእታ ናይ ምሉእ መዓልቲ ምግላልካ፦ እያ።
ምግላልካ ኣብ፦ ይውዳእ ።

ን COVID-19 ተቓሊዐ ኔይረ (ከም ናይ ቐረባ ርክብ ተገሊጸ)፦ ክውሸቦ ዘለኒ ግዜ ስርሓለይ

ምስ ን COVID-19 ፖዘቲቭ ዝኾነ ሰብ ናይ ቐረባ ርክብ ነይሩካ፣ ይኹን እምበር ዝኾነ ምልክታት ሕማም የብልካን።.

ምስ ናይ COVID-19 ክታበታት እዋናዊ ምኻንካ ኣብ ናይ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) መምርሒ (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ኣረጋግጽ። ምስ ናይ COVID-19 ክታበታት እዋናዊ እንተ ዘይኾንካ፣ ኣብ ገዛ ክትጸንሕን ክትውሸብ ኣለካ።

ናይ 5 መዓልቲ ዉሸባ

ናይ 5 መዓልታት ምዉሻብ ግቡእ ዝኾነሉ እዚኦም ዝስዕቡ እንተ ኾይኖም እዩ፦

  • ምስ ናይ COVID-19 ክታበታት እዋናዊ ምስ ዘይትኸዉን፣ ከምኡ'ውን
  • ምስ ካልኦት ሰባት ከባቢ ክትከውን እንተለኻ ግቡእ ማስኬራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

እንተ ወሓደ ን5 ምሉእ መዓልታት ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ከምኡዉን ክትውሸብ ኣለካ (ዋላ እዉን ኣብዚ እዋን ነጋቲቭ ናይ መርመራ ውጽኢት እተሃለወካ)። ናይ ምውሻብ ናይ መወዳእታ መዓልትኻ፦ እያ
ምውሻብካ ኣብ፦ ይውዳእ።

ኣብ ከባቢ ካልኦት ሰባት ክትከውን ከለኻ ግቡእ ማስኬራ ግበር፣ ማስኬራ ኽትገብር ኣብ ዘይትኽእለሉ ንጥፈታት ኣይትካፈል፣ ከምኡ'ውን ን ተወሳኺ 5 መዓልታት (ክሳብ ) ምስቶም ኸቢድ ሕማም ኬጋጥሞም ክኽእል ዝለዓለ ስግኣት ዘለዎም ሰባት ኣይትራኸብ። ብዛዕባ ጉዕዞ ሓበሬታ ንምርካብ ን ግዑዞ | CDC (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ርአ።

ዋላ እውን ምልክታት ሕማም እንተ ዘየማዕበልካ፣ ክትምርመር ኣሎካ። ምስ ሓደ ብ COVID-19 እተተሓዘ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ እንተ ነይሩካ እንተ ወሓደ ድሕሪ 5 መዓልታት (ቅድሚ ውይ ድሕሪ ) ተመርመር። ዉጺኢትካ ፖዘቲቭ ምስ ዝኸዉን፣ ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ኣለካ ከምኡዉን ካብ ካልኦት ተገለል፣ (ብዛዕባ ምግላል ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፣ ብኽብረትካ ን COVID-19 ፖዘቲቭ መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ (PDF) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ርአ።)

ናይ 10 መዓልቲ ምውሻብ

ናይ 10 መዓልቲ ምውሻብ ግቡእ ዝኸውን እዞም ዝስዕቡ ምስ ዝኾኑ እዩ፥

  • ምስ ናይ COVID-19 ክታበታት እዋናዊ ምስ ዘይትኸዉን፣ ከምኡ'ውን
  • ኣብ ከባቢ ካልኦት ሰባት ክትከውን ከለኻ ግቡእ ማስኬራ ክትገብር ዘይትኽእል ምስ ትኸዉን

እንተ ወሓደ ን 10 ምሉኣት መዓልታት ኣብ ቤትካ ክትጸንሕን ክትውሸብን ኣለካ (ዋላ እዉን ነጋቲቭ ናይ መርመራ ውጽኢት እተሃለወካ)። ናይ ምውሻብ ናይ መወዳእታ መዓልትኻ፦ እያ
ምውሻብካ ኣብ፦ ይውዳእ

ኣብዚ ዕለት እዚ፣ እቶም ዝተለመዱ ንጥፈታትካ ምቕጻል ትኽእል ኢኻ ግን ድማ ሕጂ እውን ሓደጋ ንምንካይ ደረጃታት ክትወስድ ኣለካ (ንኣብነት፣ ኣብ ናይ COVID-19 ክታበታት እዋናዊ (ኢንግሊሽ ጥራሕ) ኮይንካ ጽናሕ፣ ከም ለበዋታትን ከምኡ እውን/ወይ ረቛሒታትን መሰረት ማስክ ግበር፣ ብዝግባእ ዘይናፈሱ ቦታታት ኣወግድ፣ ከምኡ እውን ኢድካ ብቐጻሊ ተሓጸብ፤ ንዝያዳ ንዓርስኻን ንኻልኦትን ከመይ ገይርካ ትከላኸል | CDC (ኢንግሊሽ ጥራሕ) ረአ)።

ኳራንቲን የለን

ምስ ናይ COVID-19 ክታበታት እዋናዊ (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) እንተ ኮንካ፣ ምልክታት ሕማም እንተዘያማዕቢልካ ኣብ ገዛ ክትጸንሕ የብልካን። ክሳብ ኣብ ከባቢ ካልኦት ሰባት ክትከውን ከለኻ ብግቡእ ዝሽፍን ምስኬራ ክትገብር ኣለካ ከምኡ'ውን ክትምርመር ኣለካ፣ ዋላ እውን ምልክታት ሕማም እንተ ዘየማዕበልካ። ምስ ሓደ ብ COVID-19 እተተሓዘ ሰብ (ቅድሚ ውይ ድሕሪ ) ናይ ቀረባ ርክብ እንተ ነይርካ እንተ ወሓደ ድሕሪ 5 መዓልታት ተመርመር።

ኣብዘን ዝሓለፋ 90 መዓልትታት COVID-19 እንተነይሩካ (ብናይ ቫይራል መርመራ (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ብምጥቓም ፖዘቲቭ መርመራ ነይርካ)፣ ምልክታት እንተ ዘይኣማዕቢልክ ኣብ ገዛ ክትቕመጥ ኣየድልየካን እዩ። ክሳብ ኣብ ከባቢ ካልኦት ሰባት ክትኸውን ከለኻ ግቡእ ማስኬራ ክትገብር ኣለካ ከምኡ'ውን COVID-19 ምስ ዘለዎ ሰብ (ቅድሚ ወይ ድሕሪ ) ናይ ቀረባ ርክብ ንዝነበረካ ድሕሪ 5 መዓልታት ናይ ኣንቲጀን መርመራ ብምጥቓም (ናይ PCR መርመራ ከይኾነ) መርመራ ክትገብር ኣሎካ።

COVID-19 ዘለዎ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ እንተ ነይሩርካ ከምኡ'ውን ምልትታት እንተ ሃልዩካ፣ ብኽብረትካ ን COVID-19 ፖዘቲቭ መርመራ ዘለዎ ሰብ ተቕሊዕካ እንተነይርካ እንታይ ክትገብር ኣለካ (PDF) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ርአ።