ንምንታይ ኢዩ መርመራ፧
መርመራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ኣብ K-12 ቤት-ትምህርትና፡ ብዙሓት ተመሃሮ ስለ ንክታበት ብቑዓት ዘይኮኑ። ልክዕ ኣብ ጎኒ ስጉምታት ከም ክታበት፡ መሸፈኒ ገጽ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ መርመራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ከምኡ’ውን ዝተረጋገጸ ኣገባብ መዕገቲ ምትሕልላፍ ናይ ኮቪድ-19 ኢዩ።
ሽርክነታት ጾር ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ የፋኹስ
Washington State Department of Health (ክፍሊ ጥዕና ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን) ምስ መሻርኽቱ ይሰርሕ ኣሎ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ኣከባቢ ምፍጣር ንብኣካል ቀሪብካ ዝውሰድ ትምህርቲ Learn to Return program (ፕሮግራም ተመሃር ንክትምለስ)። Learn to Return (ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ንኣብያተ-ትምህርቲ ቀሊል ኣብቲ ቦታ ሽዑ ውጽኢት ትንገረሉ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኣብ ምሃብ ይሕግዘን።
DOH ሽርክነት ይገብር ኣሎ ምስ Washington Office of the Superintendent of Public Instruction (OSPI, ቤት-ጽሕፈት ኣካያዲ ህዝባዊ ሓበሬታ ክፍለ-ሃገር ዋሽንግተን) ከምኡ’ውን እቲ ዘይመኽሰባውያን ትካል Health Commons Project ንከምጽእ Learn to Return ናብ ልዕሊ 300 ኣብያተ-ትምህርቲ ወረዳ፡ ናይ ግሊ፡ ቻርተር ከምኡ’ውን ብሄራውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይታ ስቴይት ዝርከቡ ዘጠቓልል።
ንኣብያተ-ትምህርቲ
Learn to Return:
- ኣብያተ-ትምህርቲ ዝኾነ ወጻኢ ንከይገብራ ዝተነድፈ
- ኣብያተ-ትምህርቲ ብወለንትአን ክሳተፋ ይኽእላ
- ንወረዳታት ቤት-ትምህርቲ ብዓቐኖምን ምስ ናቶም ናይ ምምርማር ድርጅታትን ዝኸይድ ስትራቴጂ መርመራ ኮቪድ -19 ነዲፎም ንከተግብሩ የኽእል
- ንወረዳታት ክመርጹ የፍቅደሎም ካብ ዝርዝር ምርጫታት መርመራ (ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)። እዚ ድማ መርመራ ምማይ እቲ ሕማም ብኣግኡ ከሎ ቀልጢፍካ ንምልላይ ዝሕግዙን ምስፍሕፋሕ ዝከላኸሉን የጠቓልል
- ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝበጽሕ ደገፍ የቕርብ፡ እዚ ድማ የጠቓልል ናይ መርመራ ሓንጻጺ-ስትራተጂ ንዝበለጹ ስትራተጂታትን ናውትን ዝቕርብ
ዝያዳ ንክትፈልጡ፡ ምምሕዳር ቤት-ትምህርቲ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም ናብ Learn to Return ገጽ ናይ ምምሕዳርን ሰራሕተኛታትን (ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)።
ንናይ ወረዳኹም ቤት-ምህርቲ ምዝገባ ይጀምሩ (ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)
ምውካስ ንኩሎምኦም ደረጃታት ናይ ፕሮግራም Learn to Return ዋና ኢዩ ንናይ ቤት-ትምህርቲ መርመራ ዝገብሮ ዕዉት ክኾውን ኣብ ምውሓስ። ተሳታፍነት ንምዕዛዝ፡ ፈደራላዊ Public Readiness and Emergency Preparedness Act (ኣዋጅ ቅሩብነት ህዝቢ ከምኡ’ውን ቅሩብነት ንህጹጽ ሓደጋ) ኣዋጅ (PREP - ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ንኣብያተ-ትምህርቲ ስልጣን ናይ መርመራ ምግባር ሂቡ ኣሎ ብዘይ ዝኾነ ናይ ምቁጽጻር ተጻብኦታት ከም ኣብ ናይ ክንክን ጥዕና ፍቓድ ወረቐት ዝኣመሰሉ። ብተወሳኺ፡ ኣዋጅ PREP ንኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ርግጸኛ ዘይሙዃን ብዛዕባ ሕጊ ከምኡ’ውን ስግኣታት ይከላኸለሎም፡ ብመገዲ ሰፋሕቲ ናይ ብዩንነት መከላኸሊታት ድማ ካብ ተሓታትነት ይከላኸለሎም።
ንወለዲ/ንሞግዚት ከምኡ’ውን ተምሃሮ
Learn to Return:
- ንስድራ-ቤታት ዝኾነ ወጻኢ ንከይገብራ ዝተነድፈ
- ብወለንታ ኢዩ
- ንቆልዓኹም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ይከላኸለሉ
- ንኣብያተ-ትምህርቲ ክፉታት ይገብረን ንብኣካል ቀሪብካ ዝውሃብ ትምህርቲ
- ቀጻሊ ተሳታፍነት ኣብ ስፖርት ከምኡ’ውን ካብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾኑ ንጥፈታት የፍቀድ
- ንናይ ቆልዓኹም መንነት ብስቱር ይሕዝ
- ንናይ ቆልዓኹም ምቾት ኣብ ግምት ብምእታው ቀሊልን ዓሚቕ ዘይኮነን ናይ ምሕሳስ መርመራ ይጥቀም
ዝያዳ ንክፈልጡ ወለዲ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ክበጽሑ ይኽእሉ ኢዮም ናብ Learn to Return ናይ ወለዲ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ገጽ (ብቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)።