ን COVID-19 ፖዘቲቭ መርመራ ጌርኩም

ን COVID-19 ፖዘቲቭ ናይ መርመራ ውጽኢት እንተ ኣልይኩም፣ እቲ ዜሐጕስ ዜና ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ።

ናይ ፖዘቲቭ መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ከምትገብር ኣሎካ

ካብ ካልኦት ተፈሊኻ ኣብ ገዛኻ ጽናሕ። ናይ እዋናዊ መምርሕታት ምግላል (ዌብሳይት ብእንግሊዘኛ ጥራሕ) ካብ Centers for Disease Control and Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) ከምኡ'ውን ካብ Washington State Department of Health (DOH፣ ክፍሊ ጥዕና) ተኸተል። ርእስኻ ኽትፈሊ ከለኻ ደገፍ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፣ ደገፍ ካብ Care Connect Washington (ብእንግሊዘኛ) ክትረክብ ትክእል ኢኻ።

  • ንርእስኻ ካብ ኣብ ገዛኻ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ፍለይ። ትኽእል እንተ ዄንካ፣ ካብቶም ምሳኻ ዚነብሩ ሰባት ርሒቕካ ኣብ ካልእ ክፍሊ ተቐመጥ ከምኡ'ውን እተፈልየ ሽቓቕ ተጠቐም።

ምልክታትካ ተኸታተል። ምልክታትካ እንተገዲዱ፣ ወይ ዘጨነቐካ ሓደሽቲ ምልክታት እንተኣማዕቢልካ፣ ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኽእ ተማኸር። እዚኦም ዚስዕቡ ህጹጽ ናይ COVID-19 መጠንቀቕታ ኵነታት እንተ አስተውኢልኩም ናብ 9–1–1 ደወሉ፦

  • ሽግር ምስትንፋስ
  • ናይ ኣፍ ልቢ ቃንዛ ወይ ጽቕጠት
  • ድንገታዊ ምድንጋር
  • ምልሲ ንምሃብ ምችጋር
  • ኣብ ቃና/ሕብሪ ቆርበት እተመርኮሰ ፋሕሻው፣ ሓሙኽሽታይ ወይ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ቆርበት፣ ከናፍር፣ ወይ ናይ ጽፍሪ ታሕተዋይ ስጋ

ማስኬራ ግበር ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን፣ ኣብ ደገ፣ ኣብ ጥቓ ካልኦት ሰባት ክትከውን እንተደሊኻ ንኣፍንጫኻን ኣፍካን ዝሽፍን ማስክ ግበር። ኣብ ገዛኻ ዚነብሩ ካልኦት ሰባትውን፣ ማስክ ኪገብሩ ኣለዎም።

  • ዚካኣል እንተኾይኑ፣ ናይ KN95 ወይ 3-ply ናይ መጥባሕቲ ማስኬራ ተጠቐም።
  • ማስኬራኻ ዋላ ሓንቲ ጋግ ዘይብሉ፣ ብግቡእ ከም ዚተገበረ ኣረጋግጽ። ልክእካ ምእንቲ ኪኸውን፣ ናይ ኣብ ገጾካ ዚጽምበሩሉ ዓንቃሪቦታት ኣብ እዝንኻ ቛጽሮ። ጋግ ምእንቲ ኸይፍጠር እውን ድርብ ማስኬራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ማስኬራ ብኸመይ ብዝሓሸ መንገዲ ኸም እተተዓራርዮ እትገልጽ ሓጻር ቪድዮ ርአ (ብእንግሊዘኛ)።

ምዝርጋሕ ደው ንምባል ንኻልኦት ሰባት ሓብር። ነቲኦም ናይ ቀረባ ርክብካ ምዕንቲ ክትሓብሮም (ብእንግሊዘኛ) ከምኡ’ውን ን COVID-19 ተቓሊኦም ክዀኑ ኸም ዚኽእሉ ምዕንቲ ኽትነግሮም ብጽሓዮም። ሓደ በዚ ሕማም እዚ እተታሕዘ ሰብ ምልክታት ሕማም ቅድሚ ምርኣዩ እውን ከይተረፈ ን COVID-19 ክዝርግሕ ይኽእል ኢዩ። ነቶም ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሰባት ክትነግሮም ከለኻ፣ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ምእንቲ ኸይዝርጋሕ ክምርመሩ ወይ ከኣ በይኖም ኪፍለዩ ይኽእሉ እዮም።

  • ኣብ ቤትካ መርመራ እንተ ወሲድካ፣ ነቲ ፖዘቲቭ ውጽኢትካ ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ዚርከብ ናይ COVID-19 ውዕይ መስመር ኣብ 1-800–525-0127 ጸብጽቦ። እዚ ን ናይ ርክባት ምክትታል ጻዕሪ (ብእንግሊዘኛ) ከምኡ'ውን እቲ ሕማም ኣብ ማሕበረሰብና ንኸይላባዕ ክዓግቶ ይድግፍ እዩ። እቲ ናይ ተለፎን መስመር ኣብ ሶኑይ ካብ ሰዓት 6 a.m. ክሳብ 10 p.m. ክፉት ኢዩ፣ ከምኡ’ውን ካብ ሶሉስ ክሳብ ሰንበት (ከምኡ’ውን ኣብ በዓላት) ካብ ሰዓት 6 a.m. ክሳብ 6 p.m. ሓገዝ ቋንቋ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።
  • ናይ ኣብ-ገዛ መርመራ እንተ ተጠቒምካ፣ ሽምካ ከይተልለጸ ንካልኦት ናይ WA Notify (WA ሓባሪ) ተጠቐምትታት ተቃሊኦም ክኾኑ ዚክዕሉ ንምጥንቃቕ ብ WA Notify ጌርካ ናይ መረጋገጺ ኮድ ሕተት (ብእንግሊዘኛ)።

ምስ ኣላዪ ኽንክን ጥዕናኻ ተራኸብ — ሓደ እንተ ኣልዩካ — ወይ ንምኽሪ ሕክምና ኣብ ጥቃኻ ዘሎ ናይ ጥዕና ክሊኒክ። ክትሓዊ ኸለኻ ብኸመይ ፍዅስ ከም ይብለካ ዚሕብር ምኽሪ ኺህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ምልክታት ከቢድ ሕማም እውን ኪነግሩኻ እዮም፣ ስለዚ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ተወሳኺ ኽንክን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብከኣልካዮ መጸን ንቦታኻ ኣየር ኪረክብ ግበሮ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፣ መሳዅቲ ኽፈት፣ ነቲ መንኰርኰር ኣብ ላዕሊ ኣብ ዚርከብ ተርሞስታትካ ኣንቀሳቕስ፣ ነቲ ናይ HVAC መጽረዪኻ ቀይሮ፣ ወይ ናይ HEPA ናይ ኣየር መጻረዪ ተጠቐም።

ካብ COVID-19 እንምተ ሓወኻ እውን ነቲ ተገሊልካሉ ዝነበርካ እዋን ክተቋርጾ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ ንርእስኻን ንኻልኦትን ምዕቃብ ግን ኣገዳሲ እዩ። ናይ COVID-19 ክታበትካ ከምኡ'ውን ኣበራታኢ ብምውሳድ፣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ማስኬራኻ ምግባር፣ ካብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምርሓቕ፣ ኣእዳውካ ምሕጻብ፣ ከምኡ'ውን ን WA Notify ኣብ ስማርት ስልክኻ ብምውላዕ ነዚ ክትገብሮ ትክእል ኢኻ።