ክታበት መንእሰያት

እቲ ትሕዝቶ ንመወዳእታ ግዜ ብ9 ታሕሳስ 2022 ተሓዲሱ

Decorative

ድሕነትን ኣድማዕነትን ክታበት

ውላድካ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ምውሳዱ የኽእሎ፡

  • ብ ኮቪድ-19 ክተሓዙ ዘሎዎም ዕድል ከጉድል ይሕግዝ
  • ብኮቪድ-19 እንተ ተለኺፎም ብጽኑዕ ናይ ምሕማም ዕድሎም ይንኪ
  • ሕክምና ናይ ምኻድ ዕድሎም ይንኪ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ኮቪድ-19 ናይ ሙማት ዕድሎም ይንኪ
  • ብካልኦት ዓይነታት ኮቪድ-19 ከይልከፉ ይሕግዞም
  • ይድመሩ ናብ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ኮቪድ-19 ክልከላ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ፡ እዚ ድማ እቲ ሕማም ብዝኸፍአ ደረጃ ንከይላባዕ ይሕግዝ
  • ኮቪድ-19 ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፉ ብምዕጋት ናይ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲን ንጥፈታት ምዝንባል ይንኪ
Decorative

ፍቓድ ክታበት

ክታበት Pfizer ድሉው ኢዩ ንህጻናት ዕድመ 6 ኣዋርሕ-11 ኣብ ግዜ Emergency Use Authorization (EUA፡ ህጹጽ ፍቓድ ምጥቃም) ከምኡ'ውን ምሉእ ብምሉእ ዝጸደቐ ኢዩ ንዕድሜኦም 12+። ክታበት Moderna ንቆልዑ ዕድሜኦም 6 ኣዋርሕ - 17 ዓመታት ቅሩብ እዩ ኣብ ትሕቲ Emergency Use Authorization (EUA, ተጠቃምነት ንኣብ ግዜ ህጹጽ ሓደጋ)። ክታበት Novavax ዕድሚኦም 12+ ንዝኮኑ ብመሰረት EUA ኣሎ እዩ።

EUA የፍቅደሉ ን Food and Drug Administration (FDA፡ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን) ፍርያት ከቕርብ ኣብ ግዜ ህጹጽ ኩነታት ዋላ ቅድሚ ፍቓድ ምርካቡ። ዕላማ ህጹጽ ፍቓድ ምጥቃም፡ ሰባት ህይወት ዘድሕን ክታበታት ክረኽቡ ቅድሚ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ትንተና ሓበሬታ እዩ። EUA ግና ነቲ ክሊኒካዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ምምርማሩ ከድልዮ እዩ።

The referenced media source is missing and needs to be re-embedded.

ዝኾነ EUA ዝተፈቕደ ብ FDA ዝያዳ ይምርመር ብናይ Centers for Disease Control and Prevention (ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማም) Advisory Committee on Immunization Practices (ኮሚቴ ምኽሪ ልምድታት ክታበት) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ከምኡ'ውን Western States Scientific Safety Review Workgroup (ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ገምጋማዊ ጉጅለ ስራሕ ስነ-ፍልጠታዊ ድሕነት)።

ብተደጋጋሚ ዝሕተት ሕቶታት ንወለድን ሞግዚትን

ስለምንታይ እዩ ውሉደይ ኮቪድ-19 ምሕማሙ ከተሓሳስበኒ ዘለዎ፧

እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ልዕሊ 15 ሚልዮን ቈልዑ ኣብ ኣሜሪካ COVID-19 ተረኺብዎም እዩ። እዞም ሓደሽቲ ዓይነታት COVID-19 ካብቶም ናይ መጀመርያ ዓይነት ንቆልዑ ኣዝዮም ሓደገኛታትን ተላባዕትን እዮም ከምአ እውን ኣብ መንጎ መናእሰያት ድማ ብ COVID-19 ዝለዓለ ኣብ ሆስፒታል ንምድቃስ አስዒቦም እዮም።

ኮቪድ-19 መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓበይቲ ኣብ ህጻናት ፈኲስ እኳ እንተዀነ፡ ህጻናት ግን ገና ብብርቱዕ ሓሚሞም ናብ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ብምዝርጋሕ ነቶም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘይብሎም ወይ ብኻልእ መገዲ ዝተቓልዑ ከጥቅዕዎም ይኽእሉ እዮም።

ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ህጻናት "ነዊሕ ኮቪድ-19" ወይ ድማ ቀጻሊ ምልክታት ከማዕብሉ ይኽእሉ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓንጎል ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ሕማም ርእሲ፡ ምድዝዛዝን ሕጽረት ምስትንፋስን የጠቓልል። ክታበት እዩ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንህጻናት ጥዑያትን ውሑሳትን ክትገብሮም።

ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ህጻናት ብዝለዓለ ሓደጋ ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም ን ማልታይ ሲስተም ኢንፍላማቶሪ ሲንድሮም (MIS-C) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)። MIS-C ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ሰውነት ከም ልቢ፡ ሳንቡእ፡ ኩሊት፡ ሓንጎል፡ ቆርበት፡ ዓይኒ ወይ ናይ ማህጸን ክፍሊ ኣካላት ናብ ሓደጋ ዘቃልዑሉ ኩነት እዩ። ጠንቂ MIS-C እንታይ ምዃኑ ገና እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብዙሓት MIS-C ዝሓመሙ ህጻናት ኮቪድ-19 ነይርዎም ወይ ድማ ምስ ኮቪድ-19 ዝሓመመ ሰብ ኔሮም። MIS-C ከቢድ ወይ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ መብዛሕትኦም በዚ ሕማም እዚ እተታሕዙ ህጻናት ግን ኣብ ሕክምና ዝሓሸ ውጽኢት ረኺቦም እዮም።

እዚ ክታበት ናብ ቤት-ትምህርቲ K-12 ንኽኣቱ ይጠልብ ድዩ፧

መዐቀኒታት ክታበት ንቆልዑ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ K-12 RCW 28A.210.140 ናይ ምዉፃእ ስልጣን ዘለዎ Department of Health (ክፍሊ ጥዕና) ዘይኮነስ ናይ Washington State Board of Health (ቦርድ ጥዕና ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን) እዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ዝኾነ ናይ ቤት-ትምህርቲ ወይ መውዓል ህጻናት መዐቀኒ ክታበት COVID-19 የለን።

ነዚ ክታበት ግድን ክኸፍል ኣለኒዶ፧

ኣይፋልን። ውላድካ ነቲ ክታበት ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክረኽቦ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ነቲ ሙሉእ ዋጋ ናይቲ ክታበት ይኸፍሎ።

ግላዊ ወይ ናይ መንግስቲ ኢንሹራንስ እንተድኣ ኣለኩም ኮይኑ፡ ኣዳላዊ ክታበትኩም ድማ ነቲ ክፍሊት ናይ ምሃብ ክታበት ክኽፈል ምእንቲ ቢል ክገብሮ ይኽእል። ኢንሹራንስ እንተዘይብልካ፡ ፌደራል መንግስቲ ነቲ ኣቕራቢ ክፍሊት ዝኸፍሎ ፕሮግራም ክታበት ይህብ እዩ።

ካብ ጁባ ዝክፈል ክትከፍሉ የብልኩምን ወይ ድማ ካብቲ ኣዳላዊ ድማ ነቲ ክፊሊት ናይ ምሃብ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ቢል ክትቅበሉ የብልኩምን። እዚ ድማ ይምልከት ውልቃዊ መድሕን ንዘለዎም ሰባት፡ ዘለዎም Apple Health (Medicaid)፡ ዘለዎም Medicare፡ ወይ መድሕን ዘይብሎም።

እቲ ኣብ ህጻናት ዝወሃብ ክታበት ኮቪድ-19 ልሙዳት ጎድናዊ ሳዕቤናቱ እንታይ እዮም፧

እቶም ጥዕናዊ ስግኣታት ህጻናት ብኮቪድ-19 ምስ ዝተሓዙ ኣዚዩም ይልዕሉ ካብቲ ናይ ክታበት ጎድናዊ ሳዕቤን።

ልክዕ ከም ካልኦት ክታበታት፡ እቶም ቀንዲ ልሙዳት ጎድናዊ ሳዕቤናት ቃንዛ ኣእዳው፡ ድኻም፡ ሕማም ርእሲ ከምኡ'ውን ቃንዛ ጭዋዳታት እዮም። እዞም ምልክታት እዚኦም መብዛሕቶም ግዜ ፈኮስቲ እዮም።

ኣብ ክሊኒካዊ ፈተነታት (እንግሊዝ ጥራይ) ድሕሪ እቲ ካልኣይ ዶዝ ካብቲ ናይ መጀመርያ ዶዝ ንላዕሊ ብዙሓት ህጻናት ጎድናዊ ሳዕቤን ሓቢሮም። ብሓፈሻኡ ጐድናዊ ሳዕቤናት ካብ ፈኮስቲ ክሳብ ማእኸላይ መጠን ኔሮም ከምኡ'ውን ክታበት ምስ ተዋህበ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ይርኣዩ ኔሮም፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ይጠፍኡ ኔሮም።

ኣብቲ ናይ mRNA ክታበት እንታይ ቀመማት ኣሎ፧

እቶም ቀመማት ዝርከቡ ኣብ ክታበት mRNA እቶም ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ክታበት ዝርከቡ ኢዮም። እዚ ክታበት እዚ ንጡፍ ቀመም ናይ mRNA ምስ ከም ስብሕን ጨውን ሽኮርን ዝኣመሰሉ ንጡፍ ቀመማት ዝከላኸሉሉ ከምኡ'ውን ኣብ ኣካላትና ጽቡቕ ንኽሰርሕ ዝሕግዙ ከምኡ ድማ ኣብ ግዜ ምኽዛንን ምጕዕዓዝን ነቲ ክታበት ዝከላኸሉዮም።

ክታበት mRNA ኣየጠቓልልን ኢዩ ናይ ሰብ ዋህዮታት (ናይ ዕሸል ዋህዮታት ሓዊስካ)፡ ናይ ኮቪድ-19 ቫይረስ፡ ላቴክስ፡ መዕቀቢታት ወይ ዝኾነ ናይ እንስሳ ውጽኢት ዘጠቓልል ከም ውጽኢት ስጋ ሓሰማ ወይ ጌላቲን። እዞም ክታበታት ኣብ እንቋቖሖ ዝቦቖሉ ኣይኮኑን፡ ከምኡድማ ዝኾነ ፍርያት ናይ እንቃቆሖ ድማ የብሎምን

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ቀመማት ኣብ ሕቶን መልስን፡ መርበብ ገጽ ካብ Children's Hospital of Philadelphia (ፊላደልፊያ ሕክምና ህጻናት) (እንግሊዝኛ ጥራይ) ርአ።

ውላደይ ኣየናይ ዓይነት ክታበት ክረክብ ይኽእል፧

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾኑ Pfizer-BioNtech (Pfizer) ከምኡ’ውን Moderna ንቆልዑ ዕድሜኦም 6 ኣዋርሕን ልዕሊኡን እዮም ዝፍቀዱ። ክታበት Novavax ዕድሚኦም 12+ ንዝኮኑ ብመሰረት EUA ኣሎ እዩ።

ዉላደይ ቡስተር ዓቐን መድሃኒት የድልዮ ድዩ?

እወ፡ ዝተመሓየሸ ባይቫለንት mRNA ቡስተር ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ዶዝ ነቶም 6 ኣዋርሕ ከምኡዉን ልዕሊኡ ዝኾኑ ድሕሪ 2 ኣዋርሕ ክወስዱ ይምከር። እቲ Pfizer ክታበት COVID-19 ን6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጂ ክልተ ሞኖቫለንት Pfizer ዶዛት ከምኡዉን ሓደ ባይቫለንት Pfizer መድሃኒት የጠቓልል። ቖልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም 3ይ-መድሃኒት Pfizer ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒት ዘይጀመሩ ወይ ሳልሳይ ዶዝ ናቶም ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ዘይወሰዱ ሕጂ ነቲ እተመሓየሸ Pfizer ተኸታተሊ መድሃኒቶም ክወስዱ እዮም። ቖልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም 3ይ-መድሃኒት Pfizer ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ዝወሰዱ ኣብዚ ግዜ እዚ ንተወሳኺ ዶዛት ወይ ቡስተራት ብቑዓት ኣይኮኑን

ውላደይ ክንደይ ዶዝ እዩ ዘድልዮ?

ኩሎም ቈልዑ እንተንኣስ 2 ዶዝ ክታበት ንክወስዱ ይምከር።

  • ኣብ ዕድመታት 6 ኣዋርሕ- 4 ዓመትን ዝርከቡ ቆልዑ 3 ዶዛት ናይ Pfizer ቀዳሞት ተኸታተልቲ ወይ 2 ናይ Moderna ቀዳሞት ተኸታተልቲ ይወስዱ
  • ኣብ ዕድመታት 5-11 ዝርከቡ ቆልዑ 2 ዶዛት ቀዳሞት ተኸታተልቲ ይወስዱ
  • ኣብ ዕድመታት 12-17 ዝርከቡ ቆልዑ 2 ዶዛት ቀዳሞት ተኸታተልቲ ይወስዱ

2 ተኸታተልቲ መጠን ክታበት ብማእከላይ ወይ ብኸቢድ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝጎደሎም ህጻናት ድሕሪ 28 መዓልታት ድሕሪ 2ይ ክታበት ተወሳኺ ቀዳማይ ዶዝ ክወስዱን ልዕሊ 6 ወርሒ ዝዕድሚኦም ድማ ቡስተር ዶዝ ክወስዱን ኣለዎም።

ንናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝቐነሰ ሰባት ብኽብረትኩም ንናይ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) መምርሒታት ተመልከቱ ወይ ድማ ንናይ DOH መረበብ ሓበሬታ ይብጽሑ።

ብዛዕባ ክታበት ሕቶ እንተለኒ ንመን ክዛረብ ኣለኒ፧

ተዘራረብ ምስ ናይ ውላድካ ሓኪም ወይ ምስ ካልእ እትኣምኖ ናይ ሕክምና ኣቕራቢ፡ ምስ ናይ ማሕበረሰብ ሓለዋ ጥዕና ሰራሕተኛ ወይ ከኣ ሓበሬታ ኣንብብ ኣብ www.CovidVaccineWA.org

ውላደይ ክታበት ንኽወስድ ኣበይ ክወስዶ እኽእል፧

ዋሽንግተን ስቴት ክሳብ 18 ዕድመ ንዝኾኮኑ ቈልዑ አድለይቲ ዝኾኑ ክታበታት ብነጻ የቕርብ። ናይ COVID-19 ክታበት እንድሕር ኣለዎም ንናይ ህጻንካ ሓኪም ወይ ንስሩዕ ክሊኒክ ይሕተቱ።

እቶም ድሮ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ዘይብሎም ስድራ-ቤታት ናብ ህጹጽ-መስመር ሓገዝ ዋሽንግተን (Help Me Grow WA) ብ 1-800-322-2588 ክድውሉ ይኽእሉ እዮም ወይ መቅረቢ ክንክን ጥዕና፣ ክሊኒክ ወይ ካሊእ ናይ ጥዕና መረዳእታታት ንምርካብ ናብ ParentHelp123.org ይኪዱ። እቲ ኣገልግሎት ነጻ እዩ ከምኡ’ዉን ናይ ቋንቋ ሓገዝ ዝርከበሉ እዩ።

ብተወሳኺ፣ VaccineLocator.doh.wa.gov ክትጉብንዩ ትኽእሉ ኢኹም ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ከባቢኩም ዘለዉ ናይ ህጻናት ክታበት ዘለዎም ቦታታት ንክትረኽቡ ነቲ መጻረዪ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ውላደይ ካልኦት ክታበታት ከም ናይ ሰዓል ክወስድ ከሎ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክቕበል ይኽእል ድዩ፧

እወ። ውላድካ ካልኦት ክታበታት ኣብ ዝወስደሉ እዋን ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክረክብ ይኽእል እዩ።

ናይ ውላድኩም ዝድለ ናይ ቤት ትምህርቲ ክታበታት (ኢንግሊሽ ጥራይ) ወይ ካልእ ተመራጺ ክታበታት ብፍሉይ ካብ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መደብ ክትሰርዕዎ ኣየድልየኩምን እዩ። ቆጸራ ክታበት ኮቪድ-19 ድማ ውላድኩም ካልኦት ኩሎም ተመረጽቲ ክታበታት ክረክብ ካልእ ዕድል እዩ።

ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ግድን የድሊ ድዩ ውላደይ ኣብ መውዓል ህጻናት ወይ ኣብ ናይ መዓልቲ ካምፕ ንኽካፈል፧

Washington State Board of Health (እንግሊዝኛ ጥራይ) ኢዩ ዝውስን ኣየኖት ክታበታት ከምዘድልዩ ንኣብያተ-ትምህርቲ ከምኡ'ውን መውዓል ህጻናት። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ዝኾነ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ጠለብ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ መውዓል ህጻናት የለን።

ንመዓልታዊ ካምፕታት፡ ነቶም ዝወደብዎ ትካል እቲ ክማላእ ዝደልይዎ ነገራት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ተወከስዎም።

ብኸመይ ንፈልጥ ክታበታት ውሑሳትን ኣድማዕትን ሙዃኖም ንቆልዑ፧

ናይ COVID-19 ክታበታት ዉሑሳት ምዃኖም ንምርግጋጽ፣ Centers for Disease Control & Prevention (CDC, ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) ናይታ ሃገር ናይ ምቁጽጻር ዉሕስነት ክታበት ክእለት ኣስፊሕዎን ኣበርቲዕዎን ይርከብ። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ክኢላታት ናይ ክታበት ዉሕስነት ኣብ እዋን ናይ COVID-19 ክሊኒካዊ ናይ ክታበት መፈተኒታት ዘይተራኣዩ ዝነበሩ ጉዳያት ክቆጻጸሩን ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም።

Pfizer:

ቆልዑ ዕድሜኦም 6 ኣዋርሕ - 4 ዓመትን

  • ብገምጋም 4,500 ቆልዑ ዕድሚኦም 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ተሳቲፎም ኣብቲ ክሊኒካዊ ፈተና ናይ ክታበት ኮቪድ-19 Pfizer። ምላሽ ስርዓተ ምክልኻል ናይዚ ጉጅለ ዕድመ ነቲ ናይ ተኸታተልቲ 3 ዶዛት ተመሳሳሊ ኔሩ ንናይቶም እኹላት ሰባት ምላሽ ስርዓተ ምክልኻል። ኣብቲ መጽናዕቲ ዋላሓንቲ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይተረኽበን፡ እዚ ከኣ ቀጻሊ እዩ።

ህጻናት ክሊ ዕድመ 5-11

  • ብገምጋም ኣስታት 3,100 ህጻናት ዕድሚኦም 5 ክሳብ 11 ኣብ ሕክምናዊ ፈተናታትናይ Pfizer ክታበት COVID-19 ወሲዶም። ኣብቲ ዝቅፅል ዘሎ መጽናዕቲ ዋላሓንቲ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይተረኽበን።
  • እቶም ካብ 5 ክሳዕ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዎም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምስቲ ካብ 16 ክሳዕ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዝመሳሰል እዩ።
  • እቲ ክታበት ካብ 5 ክሳብ 11 ኣብ ዝዕድሚኦም ህጻናት COVID-19 ኣብ ምክልኻል ዳርጋ 91% ውጽኢታዊ ኔሩ።

ህጻናት ክሊ ዕድመ 12-15

  • 2,260 ተሳተፍቲ ካብ 12 ክሳብ 15 ዝዕድሜኦምተመዝጊቦም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግምታዊ፣ ብናይ ሓሶት መድሃኒት ቁጽጽር ዝግበረሉ ክሊኒካዊ ፈተነታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ተመዝጊቦም ኣለዉ።
  • ካብዚኣቶም እቶም 1,131 ኣባጽሕ ነቲ ክታበት ወሲዶም ከምኡ ድማ 1,129 ናይ ሓሶት ጨዋም መድሃኒት ወሲዶም። ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ተሳተፍቲ እንተወሓደ ድሕሪ እቲ ካልኣይ ዶዝ ንኽልተ ኣዋርሕ ንድሕንነቶም ክትትል ተገይርሎም።

Moderna

ቆልዑ ዕድሜኦም 6 ኣዋርሕ - 5 ዓመትን

  • ብገምጋም 6,300 ተሳተፍቲ ዕድሚኦም 6 ኣዋርሕ ክሳብ 6 ዓመት ኔሮም ኣብቲ ክሊኒካዊ ፈተና ናይ Moderna ክታበት ኮቪድ-19። እቲ ክታበት 50% ውጽኢታዊ ኔሩ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብዚ ጉጅለ ዕድመ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዋላሓንቲ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይተረኽበን፡ እዚ ከኣ ቀጻሊ እዩ።

ህጻናት ዕድመ 6-11

  • ብገምጋም 4,000 ተሳተፍቲ ዕድሚኦም 6-11 ዓመት ኔሮም ኣብቲ ክሊኒካዊ ፈተና ናይ Moderna ክታበት ኮቪድ-19። ምላሽ እቲ ስርዓተ ምክልኻል ናይዚ ጉጅለ ዕድመ ነቲ ክታበት ዳርጋ ምስቲ ምላሽ ስርዓተ ምክልኻል ናይ እኹላት ሰባት ዝወዳደር ኔሩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዋላሓንቲ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይተረኽበን፡ እዚ ከኣ ቀጻሊ እዩ።

ህጻናት ዕድመ 12-17

  • ብገምጋም 3,700 ተሳተፍቲ ዕድሚኦም 12-17 ዓመት ኣብቲ ክሊኒካዊ ፈተና ናይ Moderna ክታበት ኮቪድ-19። እቲ ክታበት 93% ውጽኢታዊ ኔሩ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብዚ ጉጅለ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዋላሓንቲ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይተረኽበን፡ እዚ ከኣ ቀጻሊ እዩ።

Novavax

ህጻናት ዕድመ 12-17

  • ብገምጋም 2,200 ተሳተፍቲ ዕድሚኦም 12-17 ዓመት ኣብቲ ክሊኒካዊ ፈተና ናይ Novavax ክታበት ኮቪድ-19። እቲ ክታበት 78% ውጽኢታዊ ኔሩ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብዚ ጉጅለ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዋላሓንቲ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይተረኽበን፡ እዚ ከኣ ቀጻሊ እዩ።