ምህናጽ ምትእምማንን ጽውጽዋያት ምፍሻልን

ኣብ ክታበት ኮቪድ-19 ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም!

ኔጉዝ ርክብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ሲያትል እዩ። ኔጉዝ እንግሊዝኛ፣ ኣምሓርኛ ከምኡ ውን ትግርኛ ይዛረብ እዩ ንብዙሓት ሰጋእ መጋእ ዝበሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሆስፒታል ሲያትል ቆልዑ ንክኽተቡ ኣብ ምሕጋዝ ድማ ቀንዲ ረቛሒ ኮይኑ ኣሎ።

ኔጉዝ ማሕበረሰቦም ነቲ ኣብ ባህሎም ዝጥቀሙሉ ክትባት ስለ ዘይፈልጥዎ ሰጋእ መጋእ ከም ዝብሉ ገለፀ እንተኾነ ግን ሓደ እሙን ኣባል ማሕበረሰብ ግዜ ወሲዱ ንኽምህሮምን ናብቲ ክርከብ ዝከኣል ክትባት ዝግበረሉ ቦታታት መጓዓዝያ ንኽህቦምን እንተድኣ ወሲዱ እቲ ክትባት ክረክብ እዩ።

 

 

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝበዝሑ ሰባት ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ክወስዱ መዲቦም ኣለዉ፡ ግን ገለ ቅድሚ ምኽታቦም ዝያዳ ሓበሬታ ይደልዩ ይዀኑ እዮም። እዚ ፍጹም ንቡር እዩ። ኩላትና ንህይወትና ዝጸሉ ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ኣብ እንወስደሉ ኽንተኣማመን ንደሊ ኢና።

ንክንተኣማመን ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ የድልየና እዩ። ንኣዕሩኽትኻን ቤተሰብካን ወረታትን ጭብጥታትን ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብዝምልከት ንምፍላይ ሓግዞም።

ሰባት ንክኽተቡ ኣብ ዝገብርዎ ውሳኔ ተኣማሚኖም ንክኽተቡ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ንሱ ድማ በዚ መገዲ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፥

ብቓልካን ብግብርኻን ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ናይ ምጽላው ክእለት ኣለካ። ነዞም ምኽርታት ርኣዮም ኣብ ብኸመይ ትዛረብ ብዛዕባ ክታበታት ኮቪድ-19 ምስ ኣዕርኽቱኻን ስድራ-ቤትካን። (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)

ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ናይ ክታበት ጭብጥታት ፈትሾም ከምኡ'ውን ነቶም ትፈልጦም ሰባት ኣካፍሎም። ኣብ ህቡባት ዓውደ ኣርእስትታት መዲብናዮም ኣለና።

ድሕነትን ኣድማዕነትን

ስለምንታይ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት እንተወሲደ ወይ እንተዘይወሲደ ኣገዳሲ ዝኸውን፧

ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክትወስድ ብፍጹም ናትካ ምርጫ እዩ፡ እንተኾነ ግን ነዚ ለበዳ ንምጥፋእ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክታበት ክወስዱ የድልዩና። ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝያዳ ይኸብዶ ንክመሓላለፍ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ካብ'ቲ ሕማም ክከላኸሉ ምስ ዝኽእሉ - ብኽታበት ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝፍጠር ረኽሲ። መጠን ክታበትና እንተዛይዱ፡ መጠን መልከፍትና ይንኪ።

ዘይተኸተቡ ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ቫይረስ ሒዞም ናብ ካልኦት ከመሓላልፍዎ ይኽእሉ እዮም። ገለ ሰባት፡ ነቲ ክታበት ብሕክምናዊ ምኽንያታት ክረኽቡዎ ኣይክእሉን እዮም፡ እዚ ድማ ብፍሉይ ናብ ኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ይገብሮም። እንተ ዘይተኸቲብኩም፡ ኣብ ሆስፒታል ናይ ምእታውኩም ወይ ናይ ምሟትኩም ተኽእሎ ብሰንኪ ዝተፈልየ ዓይነት ኮቪድ-19 ስግኣት ዝለዓለ እዩ (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)። ክታበት ምውሳድ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ ዝከላኸለልካ፡ እንተላይ ንስድራ-ቤትካ፡ ጎረባብትኻ ከምኡ'ውን ማሕበረሰብካ ይከላኸለሎም እዩ።

መብዛሕትኦም ሰባት ብህይወት ይድሕኑ እንተኾይኖም፡ ስለምንታይ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስድ ኣሎኒ፧

ብዙሓት ኮቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት ፍኹስ ዝበሉ ምልክታት ሕማም ጥራይ እዮም ዘለውዎም። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ክትግምቶ ዘይክኣል እዩ፡ ገለ ዝተፈልዩ ዓይነታት ኮቪድ-19 ኣዚኻ ከም እትሓምም ክገብሩኻ ከምዝኽእሉ ፈሊጥና ኣለና። ገለ ሰባት ብኮቪድ-19 ኣዝዮም ክሓሙ ወይ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም፡ ዋላ ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገም ዘይብሎም መንእሰያት'ውን። ገሊኦም "ነዊሕ ጓረትቲ ኮቪድ" ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰባት ከኣ፡ ንኣዋርሕ ዝቕጽሉ ምልክታትን ክሕዝዎም ከምኡ'ውን ንትሕዝቶ ህይወቶም ዝጸልዉን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ናይ ነዊሕ ግዜ ሳዕቤን ናይ ኮቪድ-19 ኣይፈለጥናዮን ዘለና፡ ምኽንያቱ ሓድሽ ቫይረስ ብሙዃኑ። ክታበት ምውሳድ እዩ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊና ካብቲ ቫይረስ።

እቶም ክታበታት ውሑሳት ወይ ኣድማዕቲ ዲዮም፧

እወ፡ እቶም ክታበታት ኮቪድ-19 ውሑሳትን ኣድማዕትን እዮም። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ነቶም ክታበታት ኣብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተሳተፍቲ ክሊኒካዊ ፈተናታት ነቲ ክታበት ፈቲኖምዎ እዮም። እቶም ክታበታት ንናይ U.S. Food and Drug Administration's (FDA, ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ) መለክዒታት ድሕንነት፡ ውጽኢታውነት ከምኡ'ውን ናይ ምፍራይ ብሉጽነት ናይ ህጹጽ ፍቓድ ምርካብ የድልዮ ኔሩ። ኩሎም ሰባት ኮቪድ-19 ንኸይሓሙ ኣብ ምክልኻል ግርም ኰይኖም እዮም ተረኺቦም። ካብቲ ግዜ'ቲ ኣትሒዙ፡ እዞም ክታበታት እዚኦም ንሚልዮናት ሰባት ብዘይ ገለ ጸገም ተዋሂቦም እዮም።

ዝያዳ ብዛዕባ ክታበታት ኮቪድ-19 ብኸመይ ከምዝስርሑ ንምፍላጥ ንዘን ቪድዮታት ተዓዘቡ፡

እዚ ክታበት ንውላደይ ውሑስ ድዩ፧

እወ። ክታበት Pfizer ኣብ ኣሽሓት መንእሰያት ተፈቲኑን ውሑስ ሙዃኑን ተረጋጊጹ። ብተወሳኺ፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ ኔሩ – ካብቶም ነቲ ክታበት ዝረኸቡ ወለንተኛታት መንእሰያት ወላ ሓደ ሰብ ኮቪድ-19 ኣይሓመመን። Centers for Disease Control and Prevention (CDC, ማእከላት ቁጽጽርን ምክልኻልን ሕማማት) ክታበት COVID-19 ንነፍሲ-ወከፍ 6 ኣዋርሕ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ክውሃብ ይምሕጸን። (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)

እቶም ክታበታት ደሓን ምዃኖም ብኸመይ ክኣምን እኽእል፧

ናይ COVID-19 ክታበታት ዉሑሳት ምዃኖም ንምርግጋጽ፣ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) ናይታ ሃገር ናይ ምቁጽጻር ዉሕስነት ክታበት ክእለት ኣስፊሕዎን ኣበርቲዕዎን ይረከብ። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ክኢላታት ናይ ክታበት ዉሕስነት ኣብ እዋን ናይ COVID-19 ክሊኒካዊ ናይ ክታበት መፈተኒታት ዘይተራኣዩ ዝነበሩ ጉዳያት ክቆጻጸሩን ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም።

ኮቪድ-19 ክሕዘኒ ይኽእል ድዩ ካብ ክታበት ኮቪድ-19፧

ኣይፋል፡ ኮቪድ-19 ካብቲ ክታበት ክሕዘካ ኣይክእልን እዩ። እቶም ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት ኮቪድ-19 ዘስዕቡ ቫይረስ ኣይሓዙን።

እዛ ቪድዮ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ኣካላትካ ብኸመይ ይሰርሕ ዝያዳ ትገልጽ፡

ድሮ ኮቪድ-19 ሒዝኒ እንተ ኔሩ ክታበት ምውሳድ የድልየኒ ድዩ፧

እወ፡ ዋላ ኮቪድ-19 ድሮ ሒዙካ እንተኔሩ ክታበት ክትወስድ ኣለካ። ዳታታት ከምዝሕብርዎ ኣብ 90 መዓልታት ድሕሪ እቲ መጀመርታ ብኮቪድ-19 ዝተተሓዝካላ፡ ዳግማይ ምልባዕ ልሙድ ኣይኮነን። እዚ ማለት ንቑሩብ ግዜ ካብ ኮቪድ-19 (ባህርያዊ ምክልኻል ተባሂሉ ዝፍለጥ) ገለ መከላኸሊ ክህልወካ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ ተፈጥሮኣዊ ተጻዋርነት ንክንደይ ግዜ ከም ዝኾነ ክንርኢ ኣይንክልን ኢና። ዝያዳ ፍለጡ ብዛዕባ ስለምንታይ ሕጂ'ውን ክትክተቡ ከምዘለኩም ክታበት ኮቪድ-19። (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)

ኣብ መንጎ ክታበትን ምክልካል ሕማምን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ እዩ?

ካብ ረኽሲ ዝርከብ ተፈጥራዊ ምክልካል ሕማም ካብ ዳግማይ ረኽስ ዝተወሰነ ናይ ምክልካል ዓቅሚ ይህብ እዩ ይኩን እምበር ክታበት ናይ ዘይወሰዱ ሰባት ናይ መጀመርያ ረኽሲ ንከቢድ ሕማም፣ ኣብ ሆስፒታል ናይ ምድቃስን ናይ ሞት ሓደጋን ከምዝዉስኩ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ሓደሓደ ሰባት ድሕሪ ረኽሲ COVID-19፣ ጸረ-ታህዋስያን ከማዕብሉ እኳ እንተከኣሉ ካልኦት ግን ዘይከማዕብሉ ይከእሉ። ድሕሪ ኢንፌክሽን ሕማም ናይ ምክልካል ዓቅሚ ዘማዕብሉ ሰባት እቲ ዓቅሚ ምክልካል እቱይ ክንደየናይ ምኳኑ፣ ክሳብ መዓዝ ከምዝፀንሕ ወይ እቲ ዓቅሚ ምክልካል ነየናይ ዓይነት ተለዋዋጢ ከምዝኮነ ንምፍላይ ዘክእል መንገዲ የለን።

ዳግመ ኢንፌክሽን ወይ ብ COVID-19 ዝመፅእ ከቢድ ሕማም ንምክልካል ኣብ ተፈጥሯዊ ዓቅሚ ምክልካል ክንተኣማመን ስለዘይንክእል ኣብ ክታበት ወቅታዊ ምኳን SARS-COV-2፣ ተተሓሓዝቲ ሽግራትን ክመፅእ ዝክእል ምዝማትን ንምክልካል እቲ ዝበለፀን ቀዳማይ ስትራቴጂን ኮይኑ ይቅፅል።

ናይ ምፍራይ ጥዕና

ክታበት ኮቪድ-19 እንተወሲደ፡ ቆልዑ ክወልድ እኽእል ድየ፧

እወ። ብዛዕባ ኣብ ናይ ምፍራይ ጥዕናን ክታበትን ዘለኩም ስክፍታታት ርዱእ እዩ። እነሆ እቲ ንፈልጦ፡ እቶም ክታበታት መኻን ከምዝገብሩኻ ዝኾነ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ የለን። እቲ ክታበት ናብ ኣካልካ ምስኣተወ፡ ምስ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትካ ብምትሕብባር ንኮሮና ቫይረስ ንምቅላስ ጸረ-ኣካል ይሰርሕ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኣካላት መፍረኻ ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ።

American College of Obstetricians and Gynecologists (ACOG, ኮለጅ ሕክምና ሕርሲን ማህጸንን ኣሜርካን) ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መጻኢ ክትጥነስ ንእትደሊ ወይ ኣብዚ እዋን'ዚ ነፍሰ-ጾር ወይ ጡብ ንእተጥውብ ዘላ ሰብ ክወሃባ ይምሕጸን። ብዙሓት ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዳ ሰባት፡ ብድሕሪኡ ጠኒሰን ወይ ጥዕንኦም ዝሓለዉ ህጻናት ወሊደን ኢየን።

ብዛዕባ ኣብ ጥንሲን ኣብ እዋን ምጥባዉ እንዳሃለኻ ናይ COVID-19 ክታበት ብዛዕባ ምውሳድ ዝምልከቱ ምንጭታት ንምርካብ፣ ብኽብረትኩም እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ መረበብ ሓበሬታ ሓደ ቫክስ፣ ክልተ ሂወት (One Vax, Two Lives) ይርኣዩ።

እቲ ክታበት ውሑስ ድዩ ንነፈሰ ጾራት፧

እወ፡ ነፍሰ-ጾር እንተኾይንኪ ክታበት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ ከምኡ'ውን American College of Obstetricians and Gynecologists (ACOG) (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) እቲ ክታበት ንነፍሰ-ጾር እንተላይ ክወስድኦ እዩ ዝምሕጸን። ኮቪድ-19 ዝኾነ ዓይነት ጸገማት ጥንሲ፡ ምዕባለ ናይ ዕሸል ወይ ፍርያምነት ከምዘስዕብ መርትዖ የለን።

ብዛዕባ ኣብ ጥንሲን ኣብ እዋን ምጥባዉ እንዳሃለኻ ናይ COVID-19 ክታበት ብዛዕባ ምውሳድ ዝምልከቱ ምንጭታት ንምርካብ፣ ብኽብረትኩም እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ መረበብ ሓበሬታ ሓደ ቫክስ፣ ክልተ ሂወት (One Vax, Two Lives) ይርኣዩ።

እዚ ክታበት'ዚ፡ ጡብ ንዘጥቡዋ ሰባት ውሑስ ድዩ፧

እወ፡ እንድሕር ተጥብዊ ኣለኺ ክታበት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ክታበት ክትወስዲ እንተደሊኺ፡ ምጥባው ከተቋርጺ የብልክን። ናይ መጀመርታ ጸብጻባት፡ እቲ ክታበት ኣካላትኪ ብመንገዲ ጸባ ጡብ ኣቢሉ ጸረ-ኣካል ናብ ዕሸልኪ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ዝያዳ መጽናዕቲታት የድልዩ እዮም፡ እዚ ምስ ዝረጋገጽ ግን ንዕሸልኪ ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸለሉ ይኽእል።

ዝያዳ ኣንብብ ብዛዕባ ብኸመይ ክታበት ኮቪድ-19 ንኣዴታትን ሓደሽቲ ዕሸላተንን ከም ዝከላኸለሎም (ቋንቋ ንግሊዝ ጥራይ)።

እቲ ክታበት ናይ ጽግያት ዑደት ይቕይር ድዩ፧

ገለ ሰባት ክታበት ድሕሪ ምርካበን ኣብ ናይ ወርሓዊ ጽግያተን ምቅይያራት ከምዝገበራ ሓቢረን ኣለዋ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን'ዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ምዃኑ ዝሕብር ሓበሬታ የለን። ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዑደታት ብምኽንያት ከም ውጥረት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ነገራት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም።

ጥረ ነገራት

እንታይ ዓይነት ጥረ ነገራት እዮም ኣብቶም ክታበታት ዝርከቡ፧

ኣብ ኢንተርነት ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተዘርዚሩ ዘሎ ወረታትን ዘይተኣደነ ሓቂ ዘይኮነ ነገራትን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። እዚኦም ብሓፈሻ ጽውጽዋይ እዮም። እቶም ጥረ-ነገራት ናይ ክታበታት ኮቪድ-19 (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ኣዝዮም ኣብ ክታበታት ልሙዳት ዝኾኑ እዮም። ንጡፍ ጥረ ነገር ናይ mRNA ወይ ዝተመሓየሸ ኣዴኖቫይረስ ምስ ከም ስብሒ፡ ጨዋት ከምኡ'ውን ሽኮራት ዝኣመሰሉ ነቲ ንጡፍ ጥረ ነገር ዝከላኸሉ፡ ኣብ ኣካላትና ዝያዳ ጽቡቕ ንኽሰርሕ ዝሕግዙ ከምኡ'ውን ኣብ ግዜ ምኽዛንን ምጕዕዓዝን ድማ ነቲ ክታበት ዝከላኸሉ ነገራት ይሕዝ።

Novavax COVID-19 ክታበት ብናይ ፕሮቲን ንኡስ ክፍሊ ዝብለጸገ ኮይኑ መውሰክታት ዘለዎን ኣብቲ ሰውነት ኣትዩ ብኣግባቡ ክሰርሕ ዘክእሎ ስብሕን ስኳርን ዝሓወሰን እዩ። እቲ ክታበት mRNA ዝጥቐም ኣይኮነን።

ርአ ምሉእ ዝርዝር ጥረ ነገራት ኣብ ወረቓቕቲ ሓቅነት Pfizer፣ (ቋንቋ ንግሊዝ ጥራይ)፡ Moderna፣ (ቋንቋ ንግሊዝ ጥራይ)፡ Novavax ፣ (ቋንቋ ንግሊዝ ጥራይ)፡ ከምኡ'ውን Johnson & Johnson (ቋንቋ ንግሊዝ ጥራይ)።

ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ናይ ዕሸል ዋህዮታት ኣለዎ ድዩ፧

Johnson & Johnson ክታበት ኮቪድ-19 ልክዕ ከም ናይ ብዙሓት ካልኦት ክታበታት ዝጥቀምሉ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም እዩ ተፈጢሩ። ናይ ዕሸል ወይ ናይ ዕሸላት ዋህዮታት ኣካላት ዝሓዘ ኣይኮነን። ሓደ ክፋል ናይቲ ክታበት ኣብ ላባራቶሪ ዝዓበዩ ቅዳሓት ናይ ቅድሚ 35 ዓመታት ብዝተኻየደ ናይ መረጻ ምንጻል ጥንሲ ዋህዮ እዩ ዝስራሕ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እቶም ነዞም ክታበታት እዚኦም ዘገልግል መስመራት ዋህዮ ኣብቲ ላባራቶሪ ክዕቀቡ ጸኒሖም እዮም። ነዞም ክታበታት ንምስራሕ ምንጪ ናይ ዕሸል ዋህዮታት የለን። እዚ ንገለ ሰባት ሓድሽ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር፡ ክታበት ንፍዮ፡ ሩቤላን ሄፓታይተስን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዝስራሕ።

እቶም ክታበታት ማይክሮቺፕስ ኣለዎም ድዩ፧

ኣይፋል፡ እቶም ክታበታት ማይክሮቺፕ ወይ መከታተሊ መሳርሒ የብሎምን። ንኣካላትካ ኣንጻር ኮቪድ-19 ንምቅላስ ዝሕግዝ ጸረ-ኣካል ንምስራሕ ይሕግዝ፡ንጡፍ ጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ፡ ስብሒ፡ ጨዋት፡ ሽኮራዊ ነገራት ጥራይ ከኣ የጠቓልል።

ክታበት ኮቪድ-19 ማግኔታዊ ይገብረኒ ድዩ፧

ኣይፋል፡ ክታበት ናይ ኮቪድ-19 እንተ ወሲድካ ማግኔታዊ ኣይክትከውንን ኢኻ። እቶም ክታበታት ኤለክትሮማግነቲካዊ ክሊ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ጥረ ነገራት ኣይሕዙን እዮም፡ ካብ ሜታላት ድማ ናጻ እዮም። ምሉእ ዝርዝር ናይቶም ጥረ ነገራት ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ ኣብ ናይ Pfizer (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)፣ Moderna (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)፣ ከምኡ'ውን Johnson & Johnson (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ወረቓቕቲ ሓቅነት ንዚያዳ ሓበሬታ፡

ካልኦት ስክፍታታት ጥዕና

ካብ'ዚ ክታበት ምርጋእ ደም ክመጸኒ ይኽእል ድዩ?

ሓደጋ ናይ ምርጋእ ደም ኣዝዩ ትሑት እዩ... ድሕሪ ክታበት Johnson & Johnson ምውሳዶም ቁጽሪ ናይ ደም ምርጋእ ዝገበረሎም ሰባት ምስቶም ዝተኸትቡን ምርጋእ ደም ዘይገበረሎምን ሚሊዮናት ሰባት ብምውድዳር ኣዝዩ ትሑት እዩ፡። ንምንጽጻር ድማ፡ እቲ ሪስክ ከኣ ካብ ምውሳድ ምቁጽጻር ወሊድ/በርዝ ኮንትሮል፡ ማለት ሚሊዮናት ደቀንስትዮ መዓልታዊ ዝጥቀማሉ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ንዘለኩም ሕቶታት ብዛዕባ ምዉጽጻር ወሊድን እቲ ክታበት ኮቪድ-19 Johnson & Johnson ከምኡ'ውን ካልእ (እንግሊዝኛ ጥራይ)

ብዛዕባ ናትኩም ሪስክ ንኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኹም ከተዛርብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪ ክታበት Johnson & Johnson ዝበዝሕ ሪፖርት ምርጋእ ደም ኣብ ትሕ 50 ዝዕድሚኤን እኹላት ደቀንስትዮ እዩ ኔሩ። እንተድኣ ኣብ ሞንጎ 18 ከምኡ'ውን 50 ዓመት ዕድመ ዘለኽን ደቀንስትዮ ኮንክን፡ ዝለዓለ ሪስክ ናይ ምርጋእ ደም ከም ዝረኽበክን ተገንዘባ ኢኽን፡ እዚ ድማ ናብ ሞት ከምርሕ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ምርጋእ ደም ስክፍታ ድማ ምስ ክታበት ኮቪድ-19 Johnson & Johnson ጥራይ እዩ ተታሓሒዙ ኔሩ እምበር ምስ Pfizer ወይ Moderna ኣይኮነን። እንተድኣ ብዛዕባ ምውሳድ ክታበት the Johnson & Johnson ተሰኪፍኩም ኮንኩም፡ ስለዚ ንኣቕራቢኹም ኣክንዱኡ ንክታበት Moderna ወይ Pfizer ሕተትዎ ኢኹም።

ብዛዕባ ነድሪ ኣፍንጫ ወይ ፍኑው ነድሪ ከሻቕለኒ ይግባእዶ፧

ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣዝዩ ሳሕቲ እዮም ነድሪ መላግቦ (ነድሪ ጭዋዳታት ልቢ) ከምኡ'ውን ነድሪ ሳንቡእ (ነድሪ ሽፋን ልቢ) ዘስዕቡ ሕማማት ዝርከቡ። ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ድሕሪ ክታበት ከምኡ ከጋጥሞም ዝኽእል። ከምኡ ዝገብሮም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕድመ ኰተቴን መንእሰያትን ኮይኑ፡ እቶም ዝርኣዩ ምልክታት ሕማም ድማ ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት ቅልል ዝበሉ እዮም፡ ሰባት ድማ ባዕሎም ይሓውዩ ወይ ከኣ ብውሑድ ሓገዝ ሕክምና። ሕማም ኮቪድ-19 እንተሓሚምካ፡ ብዝያዳ ሚዮካርዳይቲስ ከምኡ'ውን ፐሪካርዲትስ ብብዝሒ ይርኣዩ።

ካብ ሓምለ 30, 2021 ካብ ትሕቲ 1500 ጸብጻባት ናብ Vaccine Adverse Event Reporting System (VAERS፡ ስርዓተ ጸብጻብ ኣጋጣሚታት ኣንጻር ክታበት)፡ 699 ለበዳታት ጥራይ ኣለዉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)፡ ግን ልዕሊ 177 ሚልዮን ሰባት ብውሑዱ ሓደ ዶዝ ክታበት COVID-19 ወሲዶም እዮም።

ብዛዕባ ስግኣታትካ ምስ ሓኪምካ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። እንድሕር ዝኾነ ምልክታት ሕማም ኣለዉኻ ድሕሪ ክታበት፡ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ ናብ VAERS (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)።

ብዝያዳ ፍለጡ ብዛዕባ ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19 ዝስዕብ ሚዮካርዳይቲስ ከምኡ'ውን ፐሪካርዲትስ ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)።

ናይ ጥዕና ሕዱር ጸገም እንተሃልዩኒ፡ ነዚ ክታበት ክረኽቦ እኽእል ድየ፧

መብዛሕትኦም ሕዱር ናይ ጥዕና ወይ ናይ ሕክምና ጸገም ዘለዎም ሰባት ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ቁጥዐኻን ኩነታት ጥዕናኻን ንወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕናኻ ሓብሮ። ግደ ሓቂ፡ ብዙሓት ሕዱራት ኩነታት ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ናይ ኮቪድ-19 ምሕማም ሓደጋ ከእትዉኻ ስለ ዝኽእሉ፡ ስለዚ መታን ከይትሓምም እቲ ክታበት ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።

እዞም ፍሉያት ጕጅለታት ሰባት ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፥

  • ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ሰባትን ናይ ምክልኻል ስርዓተ ዓቕሞም ዝደኸመ ሰባትን።
  • ጸገማት ዘለዎ ባዕለ-ብዩናዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ዘለዎም ሰባት።
  • ኣቐዲሞም Guillain-Barré syndrome (GBS, ምልክታት ሕማም ጉሌን ባሬ) ዝነበሮም ሰባት።
  • ኣቐዲሞም ቤል ፓልዚ ዝነበሮም ሰባት።

ከቢድ ናይ ቁጥዐ ግብረመልሲ ታሪኽ እንተለካ ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥረ ነገር ናይ ክታበት ከቢድ ናይ ቁጠዐ ግብረመልሲ ክህልወኒ ይኽእል እዩ ኢልካ ትሓስብ እንተኾይንካ ኣንብብ ብዛዕባ ክታበታት ኮቪድ-19 ንቑጥዐታት ዘለዎም ሰባት (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ)። ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19 ኣናፍላክሲስ (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ሳሕቲ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝኽተቡ ሰባት ካብ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብገምጋም ካብ 2 ክሳብ 5 ሰባት ኣጋጢሙ ኣሎ።

ዕላማ እዚ ሓበሬታ (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ነቶም ኣብ ላዕሊ ኣብ ተጠቒሶም ዘለዉ ጕጅለታት ዝርከቡ ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ብዛዕባ ምውሳድ ኣብ ምሉእ ፍልጠት ተመርኲሶም ውሳነ ክገብሩ ንምሕጋዝ እዩ።

እቶም ክታበታት ንናተይ DNA ክቕይርዎ ድዮም፧

ኣይፋሉን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንናትካ DNA ኣይቅይርን ወይ ኣይልውጥን እዩ። እቶም ክታበታት ነቲ ኮቪድ-19 ዘምጽእ ቫይረስ ንምክልኻል ናብ ዋህዮታትና መምርሒ የቕርቡ። እቲ ክታበት ናብቲ ናትና DNA ዝቕመጠሉ ክፍሊ ናይቲ ዋህዮ ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ክንድኡ፡ እቶም ክታበታት ምስ ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ኣካላትና ኮይኖም ኣብ ምክልኻል ሕማም ይሰርሑ። ዝይዳ ፍለጡ ብዛዕባ mRNA (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ከምኡ'ውን​ ቫይረሳዊ ቬክተር (ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ) ናይ ክታበታት ኮቪድ-19።

እቲ ክታበት ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን የኸትል ድዩ፧

ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19ን ካልኦት ሕማማትን ብዙሕ ሳይንሳዊ ሓበሬታ ኣለና። ብመሰረት እዞም ሓበሬታታት እዚኦም፡ እዞም ክታበታት ኣዝዮም ውሑሳት ምዃኖም ክኢላታት እምንቶ ኣለዎም። ዳርጋ ኩሉ ግብረመልሲ ኮቪድ-19 ከም ድኻም ወይ ከም ናይ ቁስሊ ቅልጽም ፈኲስ እዩ፡ ንክልተ መዓልታት ጥራይ እዩ ዝቕጽል። ከበድቲ ወይ ናይ ነዊሕ ግዜ ግብረ-መልሲ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።

ዝኾነ ናይ ነዊሕ ግዜ ጎድናዊ ሳዕቤን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ክታበት ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰሙን እዩ ዘጋጥም። ስለዚ ከኣ እዮም እቶም ኣፍረይቲ ክታበት ህጹጽ ኣጠቓቕማ ፍቓድ ንኽወሃቦም፡ እንተ ወሓደ ሸሞንተ ሰሙናት ድሕሪ ክልኒካውያን ፈተነታት ክጽበዩ ዝግደዱ ዝነበሩ ብ Food and Drug Administration (FDA, ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን) ሕ.መ.ኣ.። ብተወሳኺ፡ ክኢላታት ንድሕነት ብዝምልከት ክታበታት ኮቪድ-19 ብቐጻሊ ይከታተሉዎም ኣለዉ። FDA ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤን ወይ መልሰ-ግብሪ ዝገልጽ ጸብጻብ ይምርምር።