ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ WA Notify

ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ምልክታ ተሌፎን በጺሕኩም ዲዩ ካብ Washington state Department of Health (DOH, ክፍሊ ጥዕና ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን)፧

ብተሌፎን ክልተ ዓይነት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ/ሓበሬታ ክትቅበል ትኽእል።

ሓበሬታ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19፡

DOH ናብ ኩለን ናይ ተሌፎን ቑጽርታት ምስ ናብ DOH ጸብጻብ ዝቐረበ ፖዘቲቭ ዉጺኢት ምርመራ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ መልእኽቲ ከምኡዉን/ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስ ናይ መረጋገጺ ሊንክ ይሰድድ እዩ። እዚ ሓበሬታ ንካልኦት ተጠቀምቲ WA Notify (ሓበሬታ ዋሽንግተን) ብኸመይ ስም ብዘይ ምጥቃስ ብስቱር ኣገባብ ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ትሕብር ሓበሬታ የቕርብ።

እንድሕር ተጠቀምቲ WA Notify ኮይንኩም፡ ነቲ ናይ ሓበሬታ ወይ መላግቦ ናይ መልእኽቲ ጽሑፍ ጥራይ እዩ ክትጥውቑ ዘለኩም ከምኡ’ውን ተኸተሉዎም ንኩሎም ስጉምታት ናይ WA Notify መታን ስምኩም ብዘይ ምጥቃስ ብስቱር ንካልኦት ተጠቀምቲ ብዛዕባ ተኽእሎ ተቓልዖ ንምሕባር።

ናይ WA Notify ተጠቓማይ ምስ ዘይትኸዉን፣ ነዚ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዕሽሽ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ WA Notify ዝያዳ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ፣ እንተላይ ናብ ተሌፎንካ ብኸመይ ከም እትጽንብሮ፣ ናብ WANotify.org ብጻሕ።

ናይ ነብሰ-መርመራ (ናይ ገዛ መመርመሪ ተባሂሎም’ውን ዝፍለጡ) ዝጥቀሙ ተጠቀምቲ WA Notify ከምኡ’ውን ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ዘመዝገቡ መረጋገጺ ኮድ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም መታን ስሞም ብዘይ ምጥቃስ ብስቱር ኣገባብ ንካልኦት ተጠቀምቲ WA Notify ክሕብሩ ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ። ብጽሑ ናብ ክፋል “ብኸመይ ንካልኦት ተፍልጦም እንድሕሪ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ” ኣብ WANotify.org

ሓበሬታ ናይ ተኽእሎ ምቅላዕ ናብ ኮቪድ-19፡

ተጠቀምቲ WA Notify (ሓበሬታ ዋሽንግተን) ተቓሊዖም ዝነበሩ ክኾኑ ዝኽእሉ ናይ ምቅላዕ ሓበሬታ ክልኣኾም ኢዩ።

እቶም ናይ ጽሑፍ መልእኽታትን ሓበሬታታትን እንታይ ይመስሉ፧

ሓበሬታ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

pop up notification screenshot

 

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

ናይ ኮቪድ-19 መርመራኹም ኣካፍሉ

ኣብዚ ጽቐጡ መታን መንነትኩም ከይተፈለጠ ንካልኦት ክትሕብሩ ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ከምዘለዉ። ነቶም ንማሕበረሰብኩም ውሑስ ዝገብሩ ስጉምታት ተኸተሉ። ውልቃዊ ሓበሬታኹም ኣይክካፈልን ኢዩ።

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

text message screenshot

 

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Message from (Mensaje del) WA Dept. of Health:

This number was given for a recent COVID-19 test. If this phone uses WANotify AND belongs to the person tested, please click the link within 24 hours. Follow the steps to anonymously alert others who may have been exposed.

https://us-wa.en.expressly/v?c=8w5io5c38ipo24fc

Se dio este numéro para una prueba reciente de COVID-19. Si este teléfono usa WANotify Y es de quien se hizo la prueba, haga clic en el enlace en las próximas 24 horas. Siga los pasos para alertar anónimamente a quienes tal vez hayan sido expuestos.

NOT the person tested? Need more information? Visit wanotify.org/text

¿NO es quien se hizo la prueba? ¿Desea más información? Visite notificawa.org/texto

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

text message screenshot

 

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Message from WA Dept. of Health:

If this phone uses WANotify AND belongs to the person tested, please click the link within 24 hours. Follow the steps to anonymously alert others who may have been exposed.

https://us-wa.en.expressly/v?c=5b56h13n80q9onll

NOT the person tested? Need more information? Visit wanotify.org/text.

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

text message screenshot

 

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

Mensaje del Departamento de Salud del Estado de Washington:

Si este teléfono usa WANotify Y es de quien se hizo la prueba, haga clic en el enlace en las próximas 24 horas. Siga los pasos alertar anónimamente a quienes tal vez hayan sido expuestos.

https://us-wa.en.expressly/v?c=dvo8iije3v33saoj

¿NO es quien se hizo la prueba? ¿Desea más información? Visite notificawa.org/texto.

ሓበሬታ ናይ ተኽእሎ ምቅላዕ ናብ ኮቪድ-19

ምስሊ ናይ ጽሑፍ መልእክትን ሓበሬታን

exposure notification screenshot

ትሕዝቶ ሓበሬታን ናይ መልእኽቲ ጽሑፍን

ናብ COVID-19 ተቓሊዕኩም ጸኒሕኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ጥቓ ሓደ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ COVID-19 ዘመዝገበ ኔርኩም። ቀጺልኩም ትገብርዎ ኣገዳሲ እዩ ከምኡ`ውን ክንሕግዘኩም ኢና። ዝያዳ ንኽትምሃሩ ጠውቑ።

እንድሕር ናይ መልእኽቲ ጽሑፍ ወይ ምልክታ መጺኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ተጠቀምቲ WA Notify ነቲ መላግቦ ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዝርከብ ክጥውቕዎ ኣለዎም ወይ ነቲ ሓበሬታ ብምጥዋቕ ኩሉ ስጉምታት ክኽተሉ ኣለዎም መታን ሽም ብዘይ ምጥቃስ ብስቱር መገዲ ናቶም ውጽኢት ኣብቲ መዘውተር (app) ከጽድቑ። እዚ ሽም ብዘይ ምጥቃስ ብስቱር መገዲ ንካልኦት ተጥቀምቲ WA Notify የጠንቅቕ ኣብ ቀረባ ግዜ ተኽእሎ ኣብ ጥቓ ናይ ኮቪድ-19 ተቓልዖ ከም ዝነበሩ ብምሕባር። ንተጠቀምቲ WA Notify መንነቶም ብዘይ ምግላጽ ነቲ ውጽኢት ክሰማምዑ ምግባር ቀልጢፍካ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ። ህዝባዊ ጥዕና ጌና እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ መርመራ እንከሎ፡ ናይ መረጋገጺ መላገቢ ወይ ኮድ ብምልኣኽ ርክብ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

ብኽብረትኩም ንሓኪምኩም ወይ ከኣ ንኣቕራቢ መርመራኹም ተወከሱ እንድሕር፡

  • ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ'ውን/ወይ ሓበሬታ ተቐቢልኩም፡ ግን እቲ ወግዓዊ ውጽኢት መርመራ እንድሕር ዘይተቐበልኩም፡ ወይ
  • ሕቶታት ኣለኩም ብዛዕባ ናይ መርመራኹም ውጽኢት

ሓባራዊ ሕቶታት

እንድሕር WA Notify ዘይፈልጥ ኮይኑ መን ሙዃነይ፡ ብኸመይ ደኣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ'ውን/ወይ ሓበሬታ ይበጽሓኒ፧

እቶም ናይ ጽሑፍ መልእኽታትን ሓበሬታታትን ብ DOH ኢዮም ዝልኣኹ፡ ብ WA Notify ኣይኮኑን። DOH ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ'ውን/ወይ ሓበሬታ ይልእኽ ናብ ኩሉ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ዘመዝገበ ሰብ፡ ምኽንያቱ መን WA Notify ከምዝጥቀም ስለ ዘይንፈልጥ። እንድሕር WA Notify ዘይትጥቀም ኣለኻ ኮይንካ፡ ነዚ ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ሓበሬታን ኣይትገደሰሉ።

ብኸመይ DOH ይፈልጥ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ክሰደልኩም ከምዘለዎ፧

ብሕጊ መሰረት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝርከብ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ግድን ክሕበር ኣለዎ ነቲ መንግስቲ ምስ ናይ መራኸቢ ሓበሬታ ተተሓሒዙ። DOH ነዚ ሓበሬታ ይጥቀመሉ ኣብ ምስልሳል ጉዳያት ምጽራይን ዝሓመሙ ሰባት ኣሰር እናተኸተሉ ኣብ ምድላይን (ብእንግልዚኛ ጥራይ) መታን ምስፍሕፋሕ ናይቲ ሕማም ደው ከብሎ። ንኩሉ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ዘመዝገበ ሰብ ምሕባር ንተጠቀምቲ WA Notify ቀልጢፎምን መንነቶም ከይተፈልጡን ንካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ቃልዕ ንከጠንቅቑ የኽእሎም።

WA Notify ኣይጥቀምን ኢየ። ስለምንታይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኽኩምለይ፧

DOH ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ'ውን/ወይ ብላዕሊ ዝመጽእ (ፖፕ ኣፕ ዝገብር) ሓበሬታ ይልእኽ ናብ ቁጽርታት ቴሌፎን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ በቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19።

DOH መን ኣወንታዊ ውጽኢት ከም ዘመዝገበ ጥራይ ኢና ንፈልጥ፡ መን WA Notify ከም ዝጥቀም ኣይንፈልጥን ኢና። ናብ ኩሉ ሰብ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምስዳድ፡ መንነትና ከይተፈለጥና ንተጠቀምቲ WA Notify ንካልኦት ሰባት ካብ ምቅላዕ ንኸነጠንቅቕ ከምኡ'ውን ህይወታት ኣብ ምድሓን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።

እንድሕር WA Notify ትጥቀም ኣለኻ፡ ዝኾነ ነገር ምግባር ኣየድልየካን ኢዩ። እንድሕር ዝያዳ ክትመሃር ደሊኻ ብዛዕባ WA Notify፡ ናብ ተሌፎንካ ብኸመይ ከምትጽዕኖ እውን ዘጠቓልል፡ ብጻሕ ናብ WANotify.org

ካብ ኣየናይ ቁጽሪ ቴሌፎን ኢዩ እቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዝመጽእ፧

እታ DOH ዝልእኩላ ቁጽሪ 1-844-986-3040 ኢያ።

ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ'ውን/ወይ ሓበሬታ በጺሕኒ ግን እቲ ዝተመርመረ ሰብ ቤተ-ሰብ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት ኢዩ ኔሩ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ዘመዝገቡ ተጠቀምቲ WA Notify ነቶም ስጉምታት ናይ መንነትካ ከይተፈልጠ ንተቓሊዖም ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ምጥንቃቕ ክኽተሉ ኣለዎም፣ ስለዚ ዝኾነ ናባኹም ዘይኮነ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ክትግደስሉ የብልኩምን።

እንድሕር ኣባል ስድራ-ቤትኩም ወይ ምሳኹም ዝነብር ሰብ ተጠቃሚ WA Notify ኮይኑን ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ምስ ዘመዝግብ፡ ግን ውጽኢቱ ኣብ WA Notify ከጽድቖ እንተለዎ፡ ክኽተል ኣለዎ ነቶም ስጉምታት ዝርከቡ ኣብ ክፋል “ብኸመይ ንካልኦት ተፍልጦም እንድሕሪ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ” ኣብ WANotify.org

ክንደይ ግዜ ኣለኒ ክጥውቕ ኣብታ ሓበሬታ ወይ ከበራብሮ ነቲ ናይ መረጋገጺ መላገቢ (ሊንክ)፧

ድሕሪ ሓበሬታ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምቕባልካ ነቶም ንካልኦት ሰባት ንምሕባር ክትክተሎም ዘለካ ስጉምታት ኣብ WA Notify ንምውሳድ 24 ሰዓታት ኣለካ። እንድሕር ነቲ ሓበሬታ ወይ መረጋገጺ መላገቢ ክትጥውቕዎ ዘይክኢልኩም ኣብ ውሽጢ’ቲ ግዜ፡ መረጋገጺ ኮድ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ኣብ WA Notify ብምኽታል ስጉምታት ዝርከቡ ኣብ ክፋል “ብኸመይ ንካልኦት ተፍልጦም እንድሕሪ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ” ኣብ WANotify.org

ልዕሊ ሓደ ሰብ ነታ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ሓበሬታ ንምብርባር ነታ መላገቢ (ሊንክ) ክጥቀሙላ ይኽእሉ'ዶ ኣብ WA Notify፧

ኣይፋል። እንድሕር ኣባል ስድራ-ቤትኩም ወይ ምሳኹም ነበርቲ ተጠቀምቲ WA Notify ኮይኖምን ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ምስ ዘመዝግቡ ግን ድማ ውጽኢቶም ኣብ WA Notify ከጽድቑ ምስ ዝደልዩ፡ ክኽተሉ ኣለዎም ንስጉምታት ዝርከቡ ኣብ ክፋል “ብኸመይ ንካልኦት ተፍልጦም እንድሕሪ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ” ኣብ WANotify.org

ነቲ ዝተቃለዕኩሉ ማኣልቲ ኣብ WA Notifyከመይ ገይረ ምርካብ ይኽእል?

ኣብ iPhone:-

  1. ናብ Settings (አቀራርባ) ኪድ
  2. ን Exposure Notifications (ምልክታታት ምቅላዕ) ምረጽ ወይ ን Exposure Notifications ኣብ ምንዳይ ባር ኣእትው
  3. ናትኩም ገምጋም ዕለተ ተቓልዖ ክርአ እዩ ኣብ ትሕቲ “You may have been exposed to COVID-19”(ተቓሊዕኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም ናብ ኮቪድ-19)

ኣብ Android:-

  1. ናይ WA Notify ኣፕሊኬሽን ክፈ
  2. ኣብ ትህቲ “Possible exposure reported (ኽሕበር ዝከኣል ምቅላዕ)” ን See Details (ዝርዝራት ተመልከት) ምረጽ
  3. ገምጋም ዕለት ናይ ዝተቓላዕክምሉ ክርአ እዩ ኣብ ትሕቲ “Possible Exposure Date”, (ተኽእሎ ዕለት ተቓልዖ)