WA Notify ናይ ብሕታውነት ፖሊሲ

እዚ ናይ ብሕታውነት ፖሊሲ ን WA Notify (ዋሽንግተን ዝሕብር) ይምልከት፡ እዚ ከኣ እቲ ወግዓዊ ናይ ምቅላዕ ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ናይ ግዝኣት ዋሽንግተን እዩ። WA Notify ከኣ ብናይ ግዛኣት ዋሽንግተን Department of Health (DOH፡ ክፍሊ ጥዕና)ምክትታልን ፍቓድን እዩ ተጌሩ።

እንታይ ሓበሬታ ንእክብን ንጥቀምን?

ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ፍጻሜታት ኣብ WA Notify ሕቡእ ሓበሬታ ክእከብ ይኽእል እዩ።

  • ምውራድ ወይ ምስራሕ WA Notify
  • ምቕባል ናይ ተቓላዕነት ሓበሬታ።
  • ምእታው መረጋገጺ ኮድ ወይ ናይ መረጋገጺ ሊንክ።
  • ምጽዓን እቲ ናይ ወዝቢ ኮድ ንካልኦት ክሕብሩ ዝመረጹ ዝተለኽፉ ወይ ፖዝቲቭ ዝኾኑ ተጠቀምቲ።
  • በቲ ኣፕሊኬሽን ተጠቒምካ ናይ ተኪንካዊ ጸገማት ምልላይ (ናይ ምርምር ሓበሬታ ፣ እንተላይ ናይ ኣፕሊኬሽን እስታስቲካዊ ደረጃ ዕዩ)።

DOH ከኣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ኣጋጣሚ ሓበሬታ ድማ WA Notify ብከመይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ ንምርዳእ ይጥቀመሉ። እዚ ዳታ ከኣ ምስ DOH፡ ህዝባውያን ናይ ጥዕና ትካላት፡ ወይ ከኣ ዝተፈቕደሎም ናይ ጥዕና ሰብ መዚ ክካፈል ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ ብጥቕልል ዝበለ ኣገባብ ን ስታትስቲካዊ ወይ ስነፍልጠታዊ ናይ ምርምር ዕላማታት ክውዕል ይኽእል እዩ። እዚ ሓበሬታ ከኣ ዝኾነ ግላዊ ሓበሬታ ወይ ናይ ቦታ ሓበሬታ ኣየጠቓልልን ከምኡ’ውን ንዝኾነ ተጠቃሚ WA Notify ንምፍላይ’ውን ኣይዉዕልን እዩ።

WA Notify ከኣ ንናይ ተጠቃማይ ብሕታውነት ንምሕላው ከኣ ልዑል ቀዳምነት፣ ምስ ጎጉል ከምዉን ዕላማታት ናይ ኣፕል ዝሓብር ተዋሂብዎ ኣዩ ተሃንዲሱ። WA Notify ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ዳታ ባእታታት የበግሶም፡ እዚ ከኣ ንዝኾነ ነቲ መሳርሒ ዝጥቐመሉ ሰብ ከለልዮ ዝኽእል ዳታ/ሓበሬታ ኣይሕዝን እዩ።

ናይ ወዝቢ ኮዳት

  • ናይ ወዝቢ ኮዳት ከኣ ኣብ ሞንጎ ስማርት ቴለፎናት ናይ WA Notify ተጠቀምቲ ኣብ ጥቓ-ጥቓ ክኾኑ ከለው ብብሉቱዝ እዮም ዝሰግሩ።
  • ናይ ወዝቢ ኮዳት ከኣ ኣብ ስማርት ተለፎንኩም እዮም ዝብገሱን ዝትሓዙን እምበር ብ WA Notify ኣይኮኑን።
  • ናይ ወዝቢ ኮዳት ን WA Notify ከምኡ'ውን ናትኩም ምዕቡላት ቴለፎናትን ንተኽእሎ ተቓላዕነት ናብ ኮቪድ-19 ንምፍታሽ ንምፍቃድ ጥራይ እዮም ዘገልግሉ።
  • ናይ ወዝቢ ኮዳት እንተልዓለ ን14 መዓልትታት ጥራይ እዮም ዝዕቀቡ።

ናይ መረጋገጺ ኮዳትን ሊንክታትን

  • ንተጠቐምቲ WA Notify ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ብቕልጡፍን ብስቱርን ንምሕባር ፣ DOH ናብ ኩለን ናይ ተሌፎን ቑጽርታት ምስ ናብ DOH ጸብጻብ ዝቐረበ ፖዘቲቭ ዉጺኢት ምርመራ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ መልእኽቲ ከምኡዉን/ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስ ናይ መረጋገጺ ሊንክ ይሰድድ እዩ።
    • ኣብቲ ሓበሬታ ምትንካፍ ወይ ኣብቲ ናይ መረጋገጺ ሊንክ ምጥዋቕ ከኣ እቲ ናይ ወዝቢ ኮዳት ክካፈል የፍቅድን፡ ብሚስጢራዊ ኣገባብ ንካልኦት WA ተጠቀምቲ ጥቓኦም ዝነበርካ ተቓሊዖነይሮም ከይኮኑ ይሕበሩን።
    • DOH ከኣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስ ናይ መረጋገጺ ሊንክ ናብ ነፍሲ-ወከፍ ተመርሚሩ ኮቪድ-19 ዝተረኽቦ ሰብ ይሰድድ፡ ምኽንያቱ ከኣ መን WA Notify ከም ዝጥቐም ስለ ዘይነፍልጥ። እንተድኣ WA Notify ዘይትጥቀሙ ሃሊኹም፡ናብ ተሌፎንካ ናይ WA Notify ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ ወይ ንስኹም ነቲ ጽሑፍ ሸለል ክትብልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
    • ነቲ ካልእ ናይ WA Notify ተጠቃሚ ሰብ ስም ከይሓበርኩም ንስኹም ከኣ ነቲ ሓበሬታ ክትትንክፍዎ እንተኾንኩም ወይ ነቲ መረጋገጺ ሊንክ ክትጥውቕዎ እንተኾንኩም ባዕልኹም ኢኹም ትውስኑ።
  • ንኮቪድ-19 ኣወንታዊ ዉጺኢት ምርመራ ምስ ዝህልወኩም ፣ ሓደ ሰብ ካብ ናይ ከባቢኹም ናይ ጥዕና ሰበ-ስልጣን ረኺቡ ፣ ከምኡዉን WA Notify ትጥቐመሉ ምህላዉካ ክሓተካ እዩ። ትጥቐመሉ ምስ ትህሉ እሞ ኸኣ ናይ መረጋግጺ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዘይተቐበልካ ምስ እትኸዉን ፣ መረጋገጺ ኮድ ወይ ሊንክ ናብ WA Notify ተእትዎ ክህቡኻ እዮም።

ናይ ተጠቃምነት ሎጋት

  • ዳርጋ ምስ ዝኾነ ኣፕ ወይ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ነቲ ኣገልግሎት ክትጥቀሙ ከለኹም WA Notify ቀጥታ ሎጋት የበግስ። እዞም ሎጋት ብዛዕባ ናትኩም ምዕቡላት ቴለፎናት ገለ ሓበሬታ የጠቓልሉ። ነዚ ሓበሬታ ምስ WA Notify ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ንጥቀመሉ።
  • እዞም ሎጋት ከኣ ናይ ወዝቢ ኮዳት ወይ መረጋገጺ ሊንክታት ወይ ኮዳት ኣየጠቓሉሉን እዮም፡ ከምኡድማ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ኮድ ናባኹም ወይ ናብ ስማርት ሞባይልኩም ተመሊሱ ክተሓዝ ኣይክእልን እዩ።
  • እዞም ሎጋት ቀጥታ እዮም 14 መዓልትታት ድሕሪ ምጅማሮም ዝድምሰሱ።

ትንታኔ ዳታ

  • እንተድኣ ነቲ ተወሳኺ መተንተኒ ከተስርሕዎ ደሊኹም ከኣ፡ ውሱን ጥቕሉል ሓበሬታ ከኣ ነታ ኣፕ ንምምሕያሽ ከኣ ምስ DOH ክካፈል እዩ።
  • እዚ ዳታ ብዛዕባ እቲ ኣፕ ከመይ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ንጸብጻብ ወይ ስታትስቲክስ የጠቓልል። ንዓኹም ከለሊ ከገልግል ዝኽእል ዝኾነ ሓበሬታ ኣየጠቓልልን እዩ።
  • ኣብ'ቲ ኣፕ ነቲ ናይ ትንታኔ ምሃብ ብምጥፋእ ነዚ ዳታ ንከይትህቡ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
  • WA Notify ብምህንድስናኡ ካብ ናትኩም ምዕብልቲ ቴለፎን ናይ ቦታ ዳታ ኣይእክብን እዩ ከምኡ ድማ ንዓኹም ወይ ንምዕብልቲ ቴለፎንኩም ምስ ናይ ወዝቢ ኮዳት ወይ ናይ መረጋገጺ ኮዳት ብምትእስሳር ሓበሬታ ኣይእክብን ወይ ኣይህብን እዩ።

ናይ ምርመራ ሓበሬታ

  • ከም ዝኾነ ኣፕሊኼሽን ወይ ናይ ኢንተርነት ኣገልጉሎታት ፣ WA Notify ነቲ ኣገልጉሎት ኣብ እትጥቐመሉ ግዜ ብቐጥታ ናይ ምርመራ ሓበሬታ የማዕብል እዩ።
  • እቲ ኣንድሮይድ WA Notify ኣፕሊኼሽን ብጎግል ዝማዕበል እዩ ፣ ልክዕ ከም ካልኦት ናይ ምቕላዕ ሓበሬታ ዝህቡ ኣፕሊኼሽናት ተመሳሰሊ ቴክሎኖሎጂ ናይ ኣፕፕል/ጎግል ዝጥቐሙ።
  • ጎልጋል ነዚ ሓበሬታ እዚ ተጠቒሙ ነቲ ምስ WA Notify ዚተሓሓዝ ጸገማት ናይ ምርመራ ከምኡዉን ካልእ ናይ ምቕላዕ ሓበሬታ ዝህቡ ኣፕሊኬሽናት ተመሳሰሊ ቴክሎኖሎጂ ናይ ኣፕፕል/ጎግል ዝጥቐሙ ንምርምርማር ይጥቐመሉ።
  • እዚ ሓበሬታ እዚ ዝዀነ ይኹን ናይ ብሕቲ ወይ ናይ ቦታ ሓበሬታ ኣየጠቓልልን ኢዩ ከምኡዉን ንዝዀነ ይኹን ናይ ተጠቓማይ ናይ WA Notify ንምልላይ እውን ክውዕል ኣይክእልን ኢዩ።

መረጋገጺ ኮድ ክትሓቱ ከለኹም እንታይ የጋጥም፡

ተጠቀምቲ ናይ WA Notify ካብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ዝተገብረ ምርምራ ናይ ኮቪድ-19 ፖዝቲቭ ዉጺኢት ምርመራ ዘለዎም ኣብWA Notify ናይ መረጋገጺ ኮድ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ከኣ ስም ከይሓበሩ ንካልኦት ተጠቀምቲ WA Notify ተቓሊዖም ከይኮኑ ንምሕባር እዩ። መረጋገጺ ኮድ ንምርካብ ፡ ተጠቀምቲ ናይ WA Notify ንዕለት ናይ ፖዝቲቭ ዝኾነ ውጺኢት መርመራን ከምኡከኣ ናቶም ቁጽሪ ናይ ሞባይል ከእትዉ ኣለዎም። ነቲ ኮድ ንምሕታት ዝውዓለ ተመሳሳሊ መሳርሒ ከኣ ካልኦት ተጠቀምቲ WA Notify ስም ከይሓበርካ ተቓሊዖም ከይኮኑ ንምሕባር ነቲ መረጋገጺ ኮድ ንምእታው ወይ ከኣ ነቲ መረጋገጺ ሊንክ ንምጥዋቕ ክውዕል ኣለዎ፡

ናይ ተመሳሳሊ ውጺኢት መርመራ ድርብ ዝኾነ ሓበሬታ ንምክልኻል ከኣ፡ ንግዚኡ ብ WA Notify ዝተዓቀበ ክሳብ 30 መዓልትታት ነቲ ኮድ ንምሕታትታ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ቁጽሪ ቴለፎናት ይሕዝ። እዚ ሓበሬታ ከኣ ዝኾነ ግላዊ ሓበሬታ ወይ ናይ ቦታ ሓበሬታ ኣየጠቓልልን ከምኡ ከኣ ንዝኾነ ተጠቃሚ WA Notify ንምልላይ ከኣ ኣብ ጥቕሚ ኣይዉዕልን እዩ።

ናትኩም ሓበሬታ መዓስ ነካፍሎ?

ንሕና ከኣ ንዝኾነ ካብ ሓበሬታኹም ብወለንታና ኣይክንእክቦን ኢና ወይ ከኣ ምስ ዝኾነ ሰብ ኣይክንካፈሎን ኢና፡ እዚ ከኣ ንስኹም እንተድኣ መረጋገጺ ኮድ ወይ ከኣ ናይ መረጋገጺ ሊንክ እንተዘየእቲኹም እዩ። ከምዚ እንተድኣ ጌርኩም WA Notify ናትኩም ናይ ወዝቢ ኮዳት ምስ ካልኦት ኣብ ጥቓ ናትኩም ምዕብልቲ ቴለፎን ዝጸንሑ ምዕቡላት ቴለፎናት ክትለዋወጥ እያ። እቲ ናይ መረጋገጺ ኮድ ወይ ሊንክ ከኣ ካብ ካልእ ናብ ሞባይልኩም ክኣትው ዘይክእል ሰብ ናባኹም ተመሊሱ ክተኣሳሰር ኣይክእልን እዩ። ን WA Notify ንምሕባር ብዛዕባ እንታይ ሓበሬታ እዩ ዝእከብ ንምፍላጥ ብኽብረትኩም ኣብ’ዚ ክፍሊ "እንታይ ሓበሬታ ከምንእክብን ንጥቀምን” ጠውቑ።

ናትኩም ሓበሬታ ከመይ ጌርና ንሕልዎ?

WA Notify ከኣ ናይ ጉግልን ናይ ኣፕልን ናይ ተቓላዕነት መሐበሪ መቓን ስራሕ ብምጥቃም ንናይ ወዝቢ ኮዳት ይከላኸል፡ እዚ ከኣ ከመይ ጌርካ ንዖኦም ትጽሕፎምን ተመሓላልፎምን ንጹር ዝኾነ ጠለባት ዘጠቓልል እዩ። WA Notify ንናትኩም ናይ ወዝቢ ኮዳት ኣይሕዞምን ከምኡ'ውን ኣየበግሶምን- ናትኩም ምዕብልቲ ቴለፎን ግን ከምዚ ትገብር እያ።

ዘለኩም መሰል ኣብ ልዕሊ ናትኩም ሓበሬታ

ናይ መረጋገጺ ኮዳትን ናይ ኣፕሊኬሽን ሎጋትን ከኣ ናብ ስማርት ቴለፎንኩም ከይኣተወ ምሳኹም ክተኣሳሰር ኣይክእልን እዩ DOH ነዚ ሓበሬታ ክረኽበሉ ዝኽእል መገዲ የልቦን። በዚ ምኽንያት ድማ ፡ DOH እንተሓቲትኩም ከኣ ብውሑስ መገዲ ክህበኩም ወይ ነዚ ሓበሬታ ክድምስሶ ኣይክእልን እዩ። ንስኹም ኢኹም ንምጥቃም ናይ WA Notify ትቆጻጸርዎ። ናትኩም ምዕብልቲ ቴለፎን ን ናይ ተቓላዕነት መሐበሪ ከተጥፍእዎ ወይ ድማ ኣብ ምዕብልቲ ቴለፎንኩም ተዓቂቡ ዝርከብ ናይ ምቅላዕ ሎግስ ክትድምስስዎ ከተፍቅደልኩም ኣሎዋ። ብተወሳኺ፡ ንስኹም ን WA Notify ኣብ ዝኾነ እዋን ከተውጽእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ እንተዳኣ ጌርኩም፡ ኩሎም ተዓቂቦም ዘለው ናይ ወዝቢ ኮዳት ክድምሰሱ እዮም።