ክታበት ኮቪድ-19

ክታበት ኮቪድ-19 ናጻን ከምኡድማ ንኹሉ 6 ኣዋርሕ ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዘሎ ሰብ ብዘየገድስ ናይ ኢሚግረሽን ኩነታትቱ ድሉው ዝኾነን ኣዩ።

ናብ ገዛኹም ክትወጹ ዘይትኽእሉን ከምኡ ድማ ናይ COVID-19 ክታበት ትደልዩ፧ ብኽብረትኩም ኣብዚ ርኣዩ

ትሕዝቶ ንመወዳእታ ግዜ 9 ታሕሳስ 2022 ተቐይሩ

Center for Disease Control and Prevention (CDC) ናይ ዝተምሓየሸ ናይ ቡስተር ክታበት ናይ ምውሳድ መምርሒ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣

  • ቖልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ - 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ነቲ ቐንዲ ሞኖቫለንት Moderna ክታበት COVID-19 ዝወሰዱ ሕጂ ነቲ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒት ምዉድኦም ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ እተማሓየሸ ባይቫለንት ቡስተር ንኽወስዱ ብቑዓት እዮም።
  • እቲ Pfizer ክታበት COVID-19 ን6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጂ ክልተ ሞኖቫለንት Pfizer ዶዛት ከምኡዉን ሓደ ባይቫለንት Pfizer መድሃኒት የጠቓልል።
    • ቖልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም 3ይ-መድሃኒት Pfizer ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒት ዘይጀመሩ ወይ ሳልሳይ ዶዝ ናቶም ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ዘይወሰዱ ሕጂ ነቲ እተመሓየሸ Pfizer ተኸታተሊ መድሃኒቶም ክወስዱ እዮም
    • ቖልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም 3ይ-መድሃኒት Pfizer ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ዝወሰዱ ኣብዚ ግዜ እዚ ንተወሳኺ ዶዛት ወይ ቡስተራት ብቑዓት ኣይኮኑን
  • እንድሕር ድኣ ቀዳማይ ክታበት ወሲዶም ኮይኖም ግናኸ ናይ COVID-19 መጠናኸሪ ዘይወሰዱ ኮይኖም-ከምኡውን ዝተመሓየሸ ናይ mRNA መጠናኸሪ ዘይወስዱ ወይ ክወስዱ ዘይክእሉ ኾይኖም Novavax ናይ COVID-19 ቡስተር ንዓበይቲ ሰባት ድሉው እዩ

ነቲ ዘድልየኩም ሓበሬታ ክንህበኩም ንደሊ። ንሕና ሓድሽ እንተሎ ክንሕብረኩም ኢና ስለዚ ከኣ ንጥዕናኹም ኣብ ሓበሬታ ተሞርኪስኩም ምርጫኹም ክትገብሩ ኢኹም።

ክታበት ኮቪድ-19 ንምውሳድ ክፈልጦ ዘሎኒ እንታይ እዩ?

ነቲ ክታበት ከመይ ጌረ እየ ዝወስዶ?

ቆጸራ ንምርካብን ንምስራዕን ኣብ ናይ ክታበት ሓባሪ ብጽሑ

ብተወሳኺ ድማ ን ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ናይ ክታበት ቦታ ንዚፕ ኮድኩም ናብ 438-829 (GET VAX) ክትጽሕፍዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ሕቶታት ኣለኩም ? ናይ ክታበት ቆጸራ ንምንዳይ ሓገዝ የድልየኩም ? ናይ ኮቪድ-19 ናይ ሓበሬታ ሆትላይን ኣብ 1-800-525-0127 ደውሉ፡ ካብኡ # ጽቐጡ ሓገዝ ቋንቋ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።

እንተዳኣ ንካልኣይ ዶዝ ናይ ክታበት ቆጸራ ትሰርዑ ኣለኹም ኮንኩም (Moderna/Spikevax ወይ Pfizer/Comirnaty)፡ንስኹም ከምቲ ናይ ቀዳማይ ዶዝኩም ሓደ ዓይነት ክታበት ክትወስዱ ኣለኩም።

ንስኹም ወይ ካልእ ትፈልጥዎ ሰብ ኣብ ገዛ አንተ ተዓጽዩ ኮይኑ፡ ነቲ ስቱር ናይ ኦንላይን ፎርም (ኢንግሊሽ) ምልእዎ ናትኩም መልሲ ድማ ንግለሰባት ናብ ዘሎ ናይ ካውንቲ ከምኡውን/ወይ ናይ ስተይት ተንቀሳቓሲ ናይ ክታበት ጉጅለታት ርክብ ክንገብር ከኽእለና እዩ።

ንካልእ ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ጉዳያት፡ ከም መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ንጥቀመሎም ኣገልግሎታት ሓገዝ፡ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ፡ ድማ ናብ 211 ደውሉ ወይ ኣብ' ብጽሑ wa211.org

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ነቲ ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት ተመልከቱ ፡ ክፍለጥ ዘለዎ እንታይ ኣሎ (ኢንግሊሽ) ፡ ናይ ጭብጢ ወረቐት.

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዜግነት ክህልወኒ ኣለዎ ዲዩ ነቲ ክታበት ክወስድ፧

ኣይፋል፡ ነቲ ክታበት ንምውሳድ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ምዃን ኣየድልየኩምን እዩ። እዚ ማለት ነቲ ክታበት ንምውሳድ ናይ ሶሻል ሰኲሪቲ ቊጽሪ ወይ ካልእ ናይ ኩነተ ኢመግሪሽን ሰነዳት ኣየድልየኩም እዩ ማለት'ዩ። ገለ ወሃብቲ ክታበት ናይ ሶሻል ሰኲሪቲ ቁጽሪ ክሓቱ ይኽእሉ፡ ግን ምሃብ ኣየድልየኩምን እዩ።

ውላድኩም ነቲ ክታበት ንምውሳድ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ምዃን ኣየድልዮን እዩ። ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ናይ ዝኾነ ሰብ ኲነተ ኤሚግረሽን ኣይክሓቱን እዮም። ኣብ መብዛሕትኦም ኣጋጣሚታት፡ ወለድን ኣለትይን ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ንምኽታብ ፍቓድ ክህቡ የድልዮም።

Washington State Department of Health (ክፍሊ ጥዕና ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን) 6 ኣዋርሕ ዓመትን ልዕሊኡን ዕድሜኦም ክኽተቡ ይመክር።

ናይቲ ክታበት ክኸፍል ዲየ?

ኣይፋል፡ ክታበት ክትወስዱ ከለኹም ዝኾነ ነግር ክትከፍሉ ኣይግባእን ፡ ወይ ድማ ካብ'ቲ ኣዳላዊ ወይ ካብቲ ናይ ክታበት መሳለጥያ ድማ ቢል ኣይትውሃቡን ኢኹም። እዚ ድማ ይምልከት ውልቃዊ መድሕን ንዘለዎም ሰባት፡ ዘለዎም Apple Health (Medicaid)፡ ዘለዎም Medicare ወይ መድሕን ዘይብሎም።

ናብ ወሃቢ ኣገልግሎት ሕክምናኹም ንክትክተቡ ምስ ከድኩም እንድሕር ካልኦት ኣገልግሎታት ረኺብኩም፡ ቅብሊት ዕዳ ናይቲ ምብጻሕ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ንምክልኻል፡ ንወሃቢ ኣገልግሎትካ ኣቐዲምካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ጥዕና መድሕን እንተዘይብልካ ኮይኑ፡ ኣቕረብቲ ናይቲ ክታበት ከኽፍሉኻ ኣይክእሉን እዮም፡ ከምኡ'ውን ምጥሓስ እቲ ጠለብ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ፕሮግራም እዩ። ብኽብረትኩም ኢመይል ጸሓፉ ናብ covid.vaccine@doh.wa.gov እንተደኣ ኣኽፊለምኹም።

እንተዳኣ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ኣለኩም ኮይኑ እሞ እንተድኣ ከፊልኩም ኮንኩም፡ መጀመርታ ነቲ ናይ ኢንሹራንስ ውጥንኩም ተወከሱ። እዚ ነቲ ጉዳይ እንተድኣ ዘይፈቲሕዎ፡ ብተውሳኺ ኣብ Office of the Insurance Commissioner (ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ኮምሽነር መድሕን) ጥርዓን ክተእትዉ (ኢንግሊሽ) ትኽእሉ ኢኹም።

  • ደውሉ ናብ 800-562-6900 ንኣገልግሎት ትርጉም ኣብ ቴሌፎን (ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ብልዕሊ 100 ቋንቋታት ዝርከብ)
  • TDD/TYY፡ 360-586-0241
  • TDD፡ 800-833-6384
ናይ ጥዕና ኢንሹራስን እንተዘይብለይ ከ?

ናይ ኢንሹራንስ ሸፈነ እንተድኣ ዘይብልኩም ኮይኑ፡ ንናትኩም ኣዳላዊ ሓብርዎ። ነቲ ክታበት ድማ ብዘይ ክፍሊት ክትረኽብዎ ኢኹም።

ነቲ ክታበት እንተድኣ ዘይከፍል ኮይነ፡ ንምንታይ እየ ኣነ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ሓበሬታ ዝሕተት?

ነቲ ክታበት ክትወስዱ ከለኹም፡ እቲ ኣዳላዊ ናትኩም ክታበት ናት ኢንሹራስን ካርድ ኣለኩም እንተኾይኑ ክሓትት ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ንሳቶም ነቲ ዝሃብኹም ክታበት ክኽፈሉ ምእንቲ እዩ (ክፍሊት ምሃብ ክታበት)። ናትኩም ኣዳላዊ ድማ ኢንሹራንስ እንተዘይብልኩም ኮይኑ ኣፍልጥዎ። ንስኹም ድማ ነቲ ክታበት ብዘይ ክፍሊት ክትወስድዎ ኢኹም።

እንታይ እዩ ክፍሊት ምሃብ ክታበት ከምኡ ድማ መን እዩ ነዚ ዝኸፍሎ?

ክፍሊት ምሃብ ክታበት ድማ ክፍሊት ኮይኑ እቲ ናይ ጥዕና ክንክ ወሃቢ ድማ ክታበት ክህበኩም ዘኽፍሎ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ዋጋ ናይ ክታበት ባዕሉ ፍሉይ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ነቲ ሙሉእ ዋጋ ናይቲ ክታበት ይኸፍሎ። ግላዊ ወይ ናይ መንግስቲ ኢንሹራንስ እንተድኣ ኣለኩም ኮይኑ፡ ኣዳላዊ ክታበትኩም ድማ ነቲ ክፍሊት ናይ ምሃብ ክታበት ክኽፈል ምእንቲ ቢል ክገብሮ ይኽእል።

ካብ ጁባ ዝክፈል ክትከፍሉ የብልኩምን ወይ ድማ ካብቲ ኣዳላዊ ድማ ነቲ ክፊሊት ናይ ምሃብ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ቢል ክትቅበሉ የብልኩምን። እዚ ድማ ይምልከት ውልቃዊ መድሕን ንዘለዎም ሰባት፡ ዘለዎም Apple Health (Medicaid)፡ ዘለዎም Medicare ወይ መድሕን ዘይብሎም።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣየኖት ናይ COVID-19 ክታበታት እዮም ድሉዋት ዘለው?

ሰለስተ ክታበታት ህጹጽ ኣጠቓቕማ ወይ ከኣ U.S. Food and Drug Administration (FDA፣ ምምሕዳር ምግብን መድሓኒትን ብ U.S.) ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ። እዞም ክታበታት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክፍለ ሃገር Washington ይወሃቡ ኣለዉ። እቲ Pfizer (Comirnaty) ከምኡውን Moderna (Spikevax) ክታበታት ኣብ ክንዲ ክታበት Johnson & Johnson ብሰንኪ ትሮምቦሲስ ዝብሃል ሕማም ናይ ምስዓብ ምስthrombocytopenia syndrome (TTS፣ ትሮምቦሳይቶፔንያ ሲንድሮም) ከምኡዉን Guillain-Barré Syndrome (GBS፣ ጊሊያን-ቤር ሲንድረም) ይምረጹ።

Pfizer-BioNTech ክታበት COVID-19 (Comirnaty)፦

ሰለስተ ዶዛት ይውሃቡ ንቆልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም። እቶም ቀዳሞት ክልተ ተኸታተልቲ ኣብ ናይ 21 መዓልታት ፍልልይ ክውሰዱ ኣለዎም ከምኡ’ውን እታ ሳልሰይቲ ዶዝ 8 ሰሙናት ድሕሪ’ታ ካልኣይቲ ዶዝ።

እዚ 21 መዓልቲ ኣብ መንጎ ፍልልይ ብምግባር፣ ዝወሃብ ኽልተ ዓቐን ዘለዎ ክታበት እዩ፦

  • ካልኦት ሰባት immunocompromised (ብኻልእ ሕማማት ዝደኸሙ) እሞ ኸኣ ናይ ክልተ-ዶዝ ናይ mRNA COVID-19 ዝተኸተቡ ተውሳኺ ፈለማዊ ዶዝ ክረኽቡ ኣለዎም።
  • ኩሎም ዕድሚኦም 5 ን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ሰባት ናይ መጀመርያ ተከታታሊ ክታበቶም ወይ ዝቀደመ መጠናከሪ መጠኖም ምስወድኡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ዝተመሓየሸ ባይቫለንት መጠናከሪ/ቡስተር ዓቀን ክወስዱ ኣለዎም። 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ Pfizer ዝወሰዱ ዝተመሓየሸ Pfizer ባይቫለንት ቡስተር ክወስዱ ኣለዎም። 6 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝኾኑ ሰባት ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ብዘየገድስ ዝተመሓየሸ ባይቫለንት Pfizer ወይ Moderna ቡስተር ክወስዱ ይምረጽ።

COVID-19 እንድሕር ድኣ ናይ COVID-19 ቀዳማይ ተኸታታሊ ክታበት ወሲድካ ከምኡውን ግዝያዊ ብ CDC ዝተኣዘዘልካ መጠናኸሪ ወሲድካ ንስኻ ኣብ ዝተምሓየሸ ኩነታት ኣለኻ።

እቲ ክታበት ኣብ ትሕቲ Comirnaty ዝፍለጥ ክታበት ን12 ከምኡ’ውን ልዕሊኡ ዕድሜኦም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ቕቡል ኢዩ። እዚ ክታበት ድማ ንህጹጽ ተጠቃምነት ነቶም ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ተፈቒዱ እዩ። እቲ ናይ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘርኣዮ ዓቢ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣሉታዊ ጸገማት ኣየጋጠመን።

ክታበት COVID-19Moderna (Spikevax)፦

28 መዓትታት ፈላሊኻ፣ ዝዉሰድ ክልተ-ዓቐን ክታበት እዩ፣ ተወሳኺ፦

  • ተወሳኺ (ሳልሳይ) ዓቐን መድሃኒት ነቶም ትሑት ናይ ሰዉነት ምጽዋር ሕማም ዘለዎም።
  • ዝተመሓየሸ ባይቫለንት mRNA ቡስተር ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ዶዝ ነቶም 6 ኣዋርሕ ከምኡዉን ልዕሊኡ ዝኾኑ ድሕሪ 2 ኣዋርሕ ክወስዱ ይምከር። ቖልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ - 4 ዓመት ዝዕድሚኦም እተመሓየሸ ዶዝ ባይቫለንት ምስቲ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ተመሳሳሊ ዓይነት ክወስዱ ኣለዎም። 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ Moderna ዝወሰዱ ዝተመሓየሸ Moderna ወይ Pfizer ባይቫለንት ቡስተር ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። 6 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝኾኑ ሰባት ናይ መባእታዊ ተኸታተሊ መድሃኒቶም ብዘየገድስ ዝተመሓየሸ ባይቫለንት Pfizer ወይ Moderna ቡስተር ክወስዱ ይምረጽ።

እዚ ክታበት ንዕድሚኦም 18ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ውልቀ-ሰባት ምሉእ ንምሉእ ተቐባልነት ዝረኸበ እዩ። ክታበት Moderna ንቆልዑ ዕድሜኦም 6 ኣዋርሕ - 17 ዓመታት ቅሩብ እዩ ኣብ ትሕቲ Emergency Use Authorization (EUA, ተጠቃምነት ንኣብ ግዜ ህጹጽ ሓደጋ)። COVID-19 እንድሕር ድኣ ናይ COVID-19 ቀዳማይ ተኸታታሊ ክታበት ወሲድካ ከምኡውን ግዝያዊ ብ CDC ዝተኣዘዘልካ መጠናኸሪ ወሲድካ ንስኻ ኣብ ዝተምሓየሸ ኩነታት ኣለኻ። እቲ ናይ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘርኣዮ ዓቢ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣሉታዊ ጸገማት ኣየጋጠመን።

ክታበት COVID-19Johnson & Johnson – Janssen፦

እዚ ክታበት እዚ ነቶም 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሚኦም ውልቀ-ሰባት ንህጹጽ ኣጠቓቕማ ተፈቒዱ ኢዩ። እዚ ናይ ሓንቲ ዓቐን (ሓደ መውጋእቲ) ክታበት ኢዩ። COVID-19 እንድሕር ድኣ ናይ COVID-19 ቀዳማይ ተኸታታሊ ክታበት ወሲድካ ከምኡውን ግዝያዊ ብ CDC ዝተኣዘዘልካ መጠናኸሪ ወሲድካ ንስኻ ኣብ ዝተምሓየሸ ኩነታት ኣለኻ።

ኩሎም ዕድሚኦም 18 ን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ሰባት ናይ መጀመርያ ተከታታሊ ክታበቶም ወይ ዝቀደመ መጠናከሪ መጠኖም ምስወድኡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ዝተመሓየሸ ባይቫለንት መጠናከሪ/ቡስተር ዓቀን ክወስዱ ኣለዎም።

እቲ ናይ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘርኣዮ ዓቢ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣሉታዊ ጸገማት ኣየጋጠመን። ክታበታት Pfizer ከምኡውን Moderna ኣብ ክንዲ እቲ Johnson & Johnson ክታበት

ክታበት COVID-19Novavax፦

  • ዕድሚኦም 12 ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 21 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ
  • ኩሎም ዕድሚኦም 12 ን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ሰባት ናይ መጀመርያ ተከታታሊ ክታበቶም ወይ ዝቀደመ መጠናከሪ መጠኖም ምስወድኡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ዝተመሓየሸ ባይቫለንት መጠናከሪ/ቡስተር ዓቀን ክወስዱ ኣለዎም።
  • እንተ ድኣ ዝተመሓየሸ ናይ mRNA መጠናኸሪ ዘይወስዱ ኮይኖም 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዘለዉ ሰባት Novavax ቡስተር ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ክታበት እዚ ነቶም 12 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሚኦም ውልቀ-ሰባት ንህጹጽ ኣጠቓቕማ ተፈቒዱ ኢዩ። COVID-19 እንድሕር ድኣ ናይ COVID-19 ቀዳማይ ተኸታታሊ ክታበት ወሲድካ ከምኡውን ግዝያዊ ብ CDC ዝተኣዘዘልካ መጠናኸሪ ወሲድካ ንስኻ ኣብ ዝተምሓየሸ ኩነታት ኣለኻ።

እቲ ናይ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘርኣዮ ዓቢ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣሉታዊ ጸገማት ኣየጋጠመን።

ኣነ እንተድኣ ናብቲ ካልኣይ ዶዝ ዶንግየ፡ ኣነ ነቲ ተኸታታሊ ክታበት ዳግም ክጅምሮ ድዩ ዘድልየኒ?

ኣይፋል፡ ናብቲ ካልኣይ ዶዝኩም እንተድኣ ዶንጊኹም ኮንኩም፡ ነቲ ተኸታታሊ ክታበት ካልኣይ ምጅማር ኣየድልየኩምን እዩ።

ካብቲ ቀዳማይ ዶዝኩም ድሕሪ እቲ ዝተነግረኩም መዓልትታት ምሕላፉ ነቲ ካልኣይ ዶዝኩም ብዝቐልጠፈ ውሰድዎ።

ነቲ ካልኣይ ዶዝ ኣብ ክንደይ ፍልልይ ትወስድዎ ብዘየገድስ፡ ክልቲኡ ክታበት ክትወስድዎ ኣገዳሲ እዩ።

እንተድኣ ናትኩም ናይ ምክልኻል ጸረ ነፍሳትኩም ዘይተቐባበለኩም ኮይኑ እሞ ተወሳኺ ዶዝ እንተድኣ ክትወስዱ ተደልዩ፡ ድሕሪ እቲ ካልኣይ ክታበት ንስኹም ብውሑዱ 28 መዓልትታት ጽንሑ።

ኣነ ነብሰ ጾር እንተኾይነ፡ ጸባ ጡብ ክገብር እንተጀሚረ ክጠንስ ወጢነ እንተድኣ ሃልየ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስድ ይኽእል ዶ?

እወ፡ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ እዋን ጥንሲ ውሑሳት እዮም። Centers for Disease Control and Prevention (CDC፡ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት), American College of Obstetricians and Gynecologists (ACOG፡ ኮለጅ መወለዳንን ማህጸንን ኣመሪካ), Society for Maternal-Fetal Medicine (SMFM፡ ማሕበረሰብ መድሃኒት ሕርስን ዕሸልን) (ኢንግሊሽ ጥራይ) ድማ ክታበት ኮቪድ-19 ንጥኑሳት፡ ንጸባ ጡብ ዘመንጭዋ ዘለዋ፡ ንመደብ ናይ ጥንሲ ዘለወን ክወስድኦ ይምከር። ገለ መጽናዕትታት ከኣ እንተተኸቲብክን እቶም ዕሸላት ድማ ኣንጻር ኮቪድ-19 ብጥንስን ጸባ ጥብን ኣቢሎም ጸረ ነፍሳት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ይብሉ። ኮቪድ-19 ዝሃዘን ዘይተኸትባ ጥኑሳት ድማኣብ ዝለዓለ ሪስክ ናይ ከቢድ ምትሕልላኻት ከም ናይ ቅድሚ ግዜኡ ሞት ወይ ሞት ዕሸል ከምጽእ ይኽእል እዩ ብተወሳኺ፡ ነብሰጾር ከለዋ ክታበት ናይ ኮቪድ-19 ዝወስዳ ድማ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ልዕል ዝበለ ናይ ሂወት ደገፍን ናይ ትንፋስ ትቦን ይደልያ።

ብዛዕባ ኣብ ጥንሲን ኣብ እዋን ምጥባዉ እንዳሃለኻ ናይ COVID-19 ክታበት ብዛዕባ ምውሳድ ዝምልከቱ ምንጭታት ንምርካብ፣ ብኽብረትኩም እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ መረበብ ሓበሬታ ሓደ ቫክስ፣ ክልተ ሂወት (One Vax, Two Lives) ይርኣዩ።

ኣነ እቲ ልሙድ ክታበታት እናወሰድኩ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስድ ይኽእል ዶ?

እወ። Advisory Committee on Immunization Practices (ACIP፡ኣማኻሪት ኮሚተ ኣብ ናይ ምክልኻል ክትባት ልምድታት) ድማ ንምኽርታቶም ኣብ 12 ግንቦት 2021 ቀይሮሞ። ስለ'ዚ ሕጂ ንስኹም ካልእ ክታበታት እናወሰድኩም ንክታበት ኮቪድ-19 ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ውላድኩም ዝድለ ናይ ቤት ትምህርቲ ክታበታት (ኢንግሊሽ ጥራይ) ወይ ካልእ ተመራጺ ክታበታት ብፍሉይ ካብ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ መደብ ክትሰርዕዎ ኣየድልየኩምን እዩ። ቆጸራ ክታበት ኮቪድ-19 ድማ ውላድኩም ካልኦት ኩሎም ተመረጽቲ ክታበታት ክረክብ ካልእ ዕድል እዩ።

ካርድ ናይ ክታበት ጸብጻብ እንታይ እዩ?

እታ ናይ ፈለማ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ዶዝኩም ምስ ወሰድኩም ንስኹም ናይ ወረቀት ክታበት ካርድ ክትረኽቡ ኣለኩም። እዚ ካርድ እንታይ ዓይነት ክታበት (Comirnaty/Pfizer-BioNTech, Spikevax/Moderna ወይ Johnson & Johnson) ከምዝወሰድኩምን እቲ ዝወሰድክምሉን ዕለትን ክሕብረኩም ኢዩ።

እንድሕር ክታበት Comirnaty/Pfizer-BioNTech ወይ Spikevax/Moderna ወሲድኩም፡ ናትኩም ኣቕራቢ ክታበት እታ ፋልመይቲ ዶዝ ወሲድክማ ኣብ ዘለኹምሉ ግዜ ነታ ካልኣይቲ ድማ ቆጸራ ክሕዘልኩም ኣለዎ። እዛ ካርድ ምሳኹም ሓዙዋ ኢኹም ምኽንያቱ እቲ ናይ ክታበት ኣዳላዊ ምእንቲ ድሕሪ እቲ ካልኣይ ዶዝ ክመልኣ።

እንድሕር ተወሳኺ ዶዝ ወይ ኣበራታዒ ዶዝ ወሲድኩም፡ ብተወሳኺ ናብ ቆጸራኹም ምስክር ካርድ ክታበትኩም ተማልእዎ። ናትኩም ኣቕራቢ ክታበት ነቲ ዶዝ ክምዝግቦ ኢዩ።

ኣብዚ እንሆ ገለ ክዝከሩ ዘለዎም ምኽሪታት ኣብ ኣተሓሕዛ ካርድ ክታበት፡

  • ናይ ክታበት ካርድኹም ኣብ ሞንጎ ዶዛትን ድሕሪኡን ዓቅብዎ።
  • ውሰዱ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ስእልታት ካርድኹም መታን ዲጂታላዊ ቅዳሕ ኣብ ኢድኩም ብቐሊሉ ክህልወኩም።
  • ኣብ ግምት የእትውዎ ናብ ነብስኹም ብኢሜይል ምስዳድ፡ ኣልቡም ምስራሕ ወይ ድማ ታግ ክትገብሩላ ነታ ስእሊ መታን ብቐሊሉ ክትረኽባዋ።
  • ሓዙ ቅዳሕ ናታ እንድሕር ምሳኹም ሒዝኩሞ ክትንቀሳቐሱ ደሊኹም።

ኣብ ቆጸራኹም ናይ ክታበት ካርድኹም እንተዳኣ ዘይተማሊእክምዎ፡ እቲ ካልኣይ ዶዝኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ናትኩም ኣዳላዊ ድማ ነቲ ዓይነት/ብራንድ ናይቲ ንስኹም ኣብ ፈለማ ዝወሰድክምዎ ክታበት ክርኢ ሕተትዎ ኢኹም፡ በዚ ድማ እንደገና ሓደ ዓይነት ከምትወስዱ ዘለኹም ንምርግጋጽ እዩ። እንድሕር ካርድ ክታበትና ጠፊእኩም፡ እተዉ ናብ MyIR (My Immunization Registry (መዝገብ ክታበት)) (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ንናይ ኮቪድ-19 መዝገብኩም ንክትደልዩ ከምኡ'ውን ብድሕሪኡ ስክሪንሾት ወይ ስእሊ ናይቲ ሓበሬታ ንክትወስዱ። ኣካውንት ዘይብልኩም እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ MyIR ሳይናኣፕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ብ MyIR ዝግበር ናይ መዝገብኩም ጸብጻብ ምርግጋጽ ቀጥታ ክኸውን ከምዘይክእል ኣብ ሃሓብኩም ሓዝዎ፡ እቲ ክርከብ ዝክኣል ድማ ብቋኑቋ እንግሊሽ ጥራይ እዩ ተሓጺሩ ዘሎ። ቀጥታዊ ሓገዝ ተሌፎን ክርከብ ይክኣል ኢዩ ኣብ MyIRmobile ወይ ሕቶታት ብዛዕባ መዝገብ ክታበት ብምድዋል ናብ ህጹጽ መስመር Department of Health COVID-19 (ክፍሊ ጥዕና ኮቪድ-19) ኣብ 833-VAX-HELP ወይ ብኢመይል ርኸቡና ኣብ waiisrecords@doh.wa.gov

ድሕነትን ውጺኢታውነትን

ስለምንታይ እየ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስድ ዘሎኒ?

ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክትወስድ ብፍጹም ናትካ ምርጫ እዩ፡ እንተኾነ ግን ነዚ ለበዳ ንምጥፋእ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክታበት ክወስዱ የድልዩና። ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝያዳ ይኸብዶ ንክመሓላለፍ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ካብ'ቲ ሕማም ክከላኸሉ ምስ ዝኽእሉ - ብኽታበት ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጥረ ረኽሲ። መጠን ክታበትና እንተዛይዱ፡ መጠን መልከፍትና ይንኪ።

ክታበታት ኮቪድ-19 ብብዙሓት መገድታት ክከላኸልልኩም ይኽእሉ ኢዮም፥

  • እንድሕር ኮቪድ-19 ሒዝኩም፡ ብከቢድ ናይ ምሕማምኩም ተኽእሎ ኣመና ከጽብቦ ይኽእል ኢዩ
  • ሙሉእ ክታበት ምውሳድ ድማ ናብ ሆስፒታል ናይ ምእታው ዕድልኩም የጉድሉዎን ከምኡድማ ብኮቪድ -19 ናይ ሙማት ሪስክ ድማ ይንክይዎን።
  • ክታበታት ከኣ ነቲ ምክልኻል ዝረኸበ ኣብ ኮም ዘሎ ቁጽሪ ሰባት የዕብዮ፡ እዚ ድማ ነቲ ሕማም ከይስፋሕፋሕ ከቢድ ይገብሮ
  • ክኢላታት ይቕጽሉ ኣለዉ መጽናዕቶም ብዛዕባ ክእለት ናይቲ ክታበት ኣብ ምግታእ ናብ ካልኦት ሰባት ካብ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ።

ሓንሳብ ብምሉእ ምስተኸተብኩም ጌና ይክኣል ኢዩ ኮቪድ-19 ክሕዘኩም፡ ግን ኣዝዩ ትሑት ዕድል ኢዩ ዘሎ ካብ ከይተኽተብኩም ክሕዘኩም።

ዘይተኸተቡ ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ቫይረስ ሒዞም ናብ ካልኦት ከመሓላልፍዎ ይኽእሉ እዮም። ገለ ሰባት፡ ነቲ ክታበት ብሕክምናዊ ምኽንያታት ክረኽቡዎ ኣይክእሉን እዮም፡ እዚ ድማ ብፍሉይ ናብ ኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ይገብሮም። እንተድኣ ዘይተኸቲብኩም፡ ብተወሳኺ ንስኹም ብ ኮቪድ-19 ቫርያንት/ዝተለወጠ ኣብ ዝለዓለ ሪስክ ናይ ሕክምና ምእታው ወይ ናይ ሙማት ኣለኹም ናይ COVID-19 በይኑ ዓይነት (ብእግሊዝኛ ጥራይ)። ምኽታብ ንዓኹም ንስድራኹም፡ ጎረባብቲን ሕብረተሰብን ንምክልኻል ይሕግዝ።

እንተድኣ ዝበዝሑ እቲ ሕማም ዘለዎም ሰባት ዝነብሩ ኮይኖም ንምንታይ ኣነ ክታበት ኮቪድ-19 ይወስድ?

ሞት ጥራይ ኣይኮነን ሪስክ ናይ ኮቪድ-19 ምህላውካ ብዙሓት ኮቪድ-19 ዝሕዞም ሰባት ፍኹስ ዝበሉ ምልክታት ሕማም ጥራይ እዮም ዘለውዎም። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ክትግምቶ ዘይክኣል እዩ፡ ገለ ዝተፈልዩ ዓይነታት ኮቪድ-19 (ኢንግሊሽ) ኣዚኻ ከም እትሓምም ክገብሩኻ ከምዝኽእሉ ፈሊጥና ኣለና። ገለ ሰባት ብኮቪድ-19 ኣዝዮም ክሓሙ ወይ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም፡ ዋላ ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገም ዘይብሎም መንእሰያት'ውን። ገሊኦም "ነዊሕ ጓረትቲ ኮቪድ" ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰባት ከኣ፡ ንኣዋርሕ ዝቕጽሉ ምልክታትን ክሕዝዎም ከምኡ'ውን ንትሕዝቶ ህይወቶም ዝጸልዉን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ናይ ነዊሕ ግዜ ሳዕቤን ናይ ኮቪድ-19 ኣይፈለጥናዮን ዘለና፡ ምኽንያቱ ሓድሽ ቫይረስ ብሙዃኑ። ክታበት ምውሳድ እዩ እቲ ዝበለጸ መከላኸሊና ካብቲ ቫይረስ። ዋላ'ውን እንተድኣ መንእሰይ ወይ ጥዑይ ኮንኩም ክታበት ኮቪድ-19 ክትወስዱ ኣለኩም።

ተለዋጢ ኮቪድ-19 እንታይ እዩ?

ቫይረሳት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክዝርግሑ ከለው ይልወጡ እዮም ሓደ ተለዋጢ ድማ ዝተቐየረ ምጣጥ ናይ ቫይረስ እዩ። ገለ ተለወጥቲ ድማ ምስ ግዜ ይጠፍኡ እዮም፡ ገለ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ምዝርጋሕ ይቕጽሉ።

Centers for Disease Control and Prevention (CDC) (ኢንግሊሽ) ድማ ነቶም ዘሰክፉ ተለወጥቲ ቫይረሳት የለልዮም። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ዝለዋወጡ ኣሰከፍቲ እዮም ምኽንያቱ ቀልጢፎምን ብቐሊልን እዮም ዝዝርግሑ ዝያዳ ናይ ኮቪድ-19 መልከፍትታት ድማ የምጽኡ።

ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ነቶም ተለወጥቲ ስትረይንስ ኣብ ልዕሊኦም ይሰርሕ ድዩ?

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ክትታበት COVID-19 ንከቢድ ሕማም፣ ሆስፒታል ምእታዉ፣ ከምኡውን ሞት፣ ዋላእዉን ኣንጻር ካልኦት ዓልየት ቫይረሳት ኣብ ምክልኻል ጽቡቕ እዓዩ ኣሎ። ይኹን እምበር፣ ክኢላታት ጥዕና ህዝቢ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዘለዉ ሰባት፣ ምክልኻል ካብ ልኡምን ማእከላይን ሕማም COVID-19 ዝጎደለ ብቕዓት እዮም ዝርእዩ ዘለዉ።እቶም ዝተመሓየሹ መጠናኸሪታት ዝተፈጠሩ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ንምዉሳኽን ካብቶም ሓደሓደ ሓደስቲ ተለዋወጥቲ ዓይነታት (omicron variant) ዝበለፀ ንምክልኻል እዩ። ኩሎም ንክወስድዎም ዝተኣዘዝኩም ዓቀናት ብዝተረኽበ መጠን ምዉሳድ ኣገዳሲ እዩ።

ክታበት እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ መገዲ ንዓኹም፡ ንፈተውትኹምን ምሕብረተሰብኩምን እዩ። ልዑል ናይ ክታበት ሸፈነ ድማ ንዝርገሐ ናይ'ቲ ቫይረስ ከጉድሎ እዩ ከምኡድማ እቲ ሓድሽ ተለዋጢ ቫይረስ ካብ ምቕልቃል ንምክልኻል ይሕግዝ።

ክታበታት ውሑሳት ሙዃኖም ብኸመይ ኢና ንፈልጥ?

ናይ COVID-19 ክታበታት ዉሑሳት ምዃኖም ንምርግጋጽ፣ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) ናይታ ሃገር ናይ ምቁጽጻር ዉሕስነት ክታበት ክእለት ኣስፊሕዎን ኣበርቲዕዎን ይረከብ። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ክኢላታት ናይ ክታበት ዉሕስነት ኣብ እዋን ናይ COVID-19 ክሊኒካዊ ናይ ክታበት መፈተኒታት ዘይተራኣዩ ዝነበሩ ጉዳያት ክቆጻጸሩን ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም።

ምስ ክታበት Johnson & Johnson እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ካብ ዲሰምበር 2021፣ እቲ Washington State Department of Health (DOH፣ ክፍሊ ጥዕና) ኣብ ክንዲ ንንጽል መርፍእ ናይ ክታበት Johnson & Johnson (J&J)፣ mRNA ክታበት COVID-19 (Pfizer-BioNTech ወይ Moderna) ንምዉሳድ ክትመርጽ ይመክር።

እዚ ሓድሽ ሓበሬታ እዚ ነቲ ድሕሪ ክታበታት J&J ምዉሳድ ብዛዕባ ኽልተ ሳሕቲ ዜጋጥም ኵነታት ዚገልጽ ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ተረኽበ ካብቲ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም እተዋህበ መምርሒ ዝስዕብ እዩ።

እዞም ዅነታት ምስቲ J&J ክታበት COVID-19፣ ደኣ እምበር ምስ ክታበታት Pfizer ወይ Moderna ኣይተሓሓዝን ኢዩ። ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ክታበት COVID-19 ዝደልዩ ዘለዉ ሰባት፣ DOH ንክታበታት Moderna ከምኡውን Pfizer ይመርጽ። ይኹን እምበር፣ ካብዞም ክታበታት እዚ ሓዲኡ ክትወስድ እንተ ዘይክኢልካ ወይ ፍቓደኛ እንተ ዘይኮንካ፣ ክታበት J&J ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ምርጫታትካ ፣ብኽብረትካ ምስ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ተዘራረብ።

ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ክታበት COVID-19 J&J ምስ እትወስድ ወይ ክታበት COVID-19 J&J ክትወስድ መደብ እንተ ፣ብ TTSዝመጽእ ናይ ምርጋእ መጠንቀቕታ ምልክታት ፍለጥ። ከቢድ ሕማም ርእሲ፣ ቃንዛ ከብዲ፣ ቃንዛ እግሪ፣ ከምኡዉን/ወይ ንሕጽረት እስትንፋስ የጠቓልል። ካብዞም ምልክታት እዚኦም ዝኾኑ ምስ ዘጋጥሙኻ፣ ብኽብረክኻ ብቕልጡፍ ሕክምና ግበር።

ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን ድሕሪ ክታበት COVID-19 ምዉሳድካ፣ ከም ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ድኻም ከምኡዉን ቓንዛ መላግቦ/ጭዋዳታት ዝኣመሰለ ፈኲስ ወይ ማእከላይ ምልክታት ክህልወካ ንቡር ኢዩ። እዞም ጎናዊ ሳዕቤናት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ክታበት ምውሳድ ይጅምሩ ከምኡ'ውን ንሒደት መዓልታት ጥራይ ኢዮም ክቕጽሉ ዘለዎም።

ሓደ ክታበት ናይ FDA ፍቓድ ኣለዎ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ

ሙሉእ ፍቓድ ንምርካብ፡ FDA ከኣ ንሓደ ዳታ ወይ ሓበሬታ ንነዊሕ ግዜ እዩ ዝግምግሞ እምበር ን ህጹጽ ናይ ምጥቃም ፍቓድ ኣይኮነን። ሓደ ክታበት ሙሉእ ፍቓድ ንክረክብ፡ እቲ ዳታ/ሓበሬታ ልዑል ደረጃ ናይ ውሕስነት፡ ኣድማዕነትን ናይ ብቕዓት ምቁጽጻር ኣብ ናይ ክታበት ምፍራይ ከርኢ ኣለዎ።

ናይ ህጹጽ እዋን ፍቓድ (EUA) ከኣ ን FDA ንሓደ ፍርያት ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ቅድሚ ሙሉእ ፍቓድ ምርካቡ ክዳሎ ይገብሮ። ዕላማ ናይ EUA ድማ ሰባት ቅድሚ ናይ ነዊሕ እዋን ምርምር ናይ ዳታ ንሂወት ዘድሕን ክታበት ንክረኽቡ ምርግጋጽ እዩ። ኮይኑ ግን EUA ገና ኣዝዩ ሙሉእ ገምጋም ናይ ክሊኒካዊ ዳታ/ሓበሬታ ይጠልብ-በቃ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ማለት እዩ። ዝኾነ ብ FDA ዝውሃብ ዝኾነ EUA ድማ ከም ኣካል ናይ (ምዕራባውያን ግዝኣታት ስምምዕ) ዝያዳ ብ Scientific Safety Review Workgroup (ስነፍልጠታዊ ናይ ውሕስነት ገምጋም ናይ ስራሕ ጉጅለ) እዩ ተጸኒዑ። (ኢንግሊሽ ጥራይ)።

እቲ Western States Pact እንታይ እዩ?

እዚ ጉጅለ ዕዮ ኣብ ዉሕስነት ናይ ክታበት ካልእ ደረጃ ናይ ክኢላ ገምጋም ኣቕሪቡ እዩ። እቲ ሰሌዳ ብኹለን ኣባላት ግዝኣታት ዝተመረጹ ክኢላታት፣ ከምኡዉን ብኣህግራዊ ደረጃ ዝተለለዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ክታበት ከምኡዉን ናይ ህዝቢ ጥዕና ክኢላታት ዝኾኑ የጠቓልል። COVID-19 ከም ናይ ጥዕና ህጹጽ ኵነታት ኣብ እተኣወጀሉ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብጥሙር ምትሕብባርን ዉህደትን ስጕምቲ ንምውሳድ፣ እዚ ሰሌዳ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ዝርከቡ ኣርባዕተ ክታበታት ንዅሉ ነቲ ኣብ ህዝቢ ክርከብ ዝከኣል ሓበሬታ ምስቲ ፈደራላዊ ገምጋም ኣነጻጺርዎ እዩ። ናብ ሓድሽ ናይ ምሕዋይ ደረጃ ናይቲ ለብዒ እንዳ ኸድና፣ እቶም Western States Pact (ሕብረት ናይ ምዕራባውያን ክፍላተ-ሃገር) ተበቲኹ ኣሎ፣ ከምኡዉን ኵሎም ምጥቓም ክታበታት ኣብ ምዕራባውያን ግዝኣታት በቲ Food & Drug Administration (FDA, ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን) ክዉሰኑ እዮም ከምኡዉን ምኽርታት ክታበት ካብ Center for Disease Control and Prevention (CDC, ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም) ክወሃብ እዩ።

ነቲ ናይ Western States Scientific Safety Review Workgroup ዝረኸብዎ ኣንብብ፡

ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ኣብ ኣካላተይ ዝሰርሕ?

እቲ ክታበት ኣብ ኣካላትኩም ከመይ ከምዝሰርሕ ነዛ ቪድዮ ርኣይዋ ኢኹም.

ክታበታት ኤምኣርኤንኤ/ mRNA (Pfizer ከምኡውን Moderna ክታበታት ኮቪድ-19)

ክልተ ካብዞም ዘለው ክታበታት ከኣ መልእኽተኛ ኣርኤንኤ ወይ መሰንጀር RNA (mRNA) እዮም ዝብሃሉ።

ክታበታት mRNA ንዋህዮታትኩም ይምህርዎም ዘይጓዳእ ጭራም ብልሒ ፕሮቲን ኮሮናቫይረስ ንክሰርሑ። ስርዓተ ብይነትኩም እቲ ፕሮቲን ኣብኡ ከምዘይግባእ ምስ ርኣየ ድማ ኣካልኩም ጸረ ጓና ኣካል (ኣንቲቦዲስ) ክሰርሕ ይጅምር። ኣብ መጻኢ እንድሕር ተጠቒዕኩም፡ እዞም ጸረ ጓና ኣካል ኣንጻር ኮቪድ-19 ብኸመይ ከምዝቃለስዎ ይዝክሩ። ድሕሪ ምኽታብኩም፡ እቲ ሕማም ብዘይ ምሕማም ብዩንነት ትሃንጹ ኣንጻር ኮቪድ-19። ሓንሳብ ስርሑ ምስ ሰረሐ፡ እቲ mRNA፡ ቀልጢፉ ይሰባበርን ከምኡድማ እቲ ኣካል ድማ ኣብ ውሑድ መዓልትታት ይሶጎን።

ተዘርጋሒ ክታበታት ቨክተር (Johnson & Johnson ክታበት ኮቪድ-19)

ሓደ ካብ ክታበታት ኮቪድ -19 ድማ ተዘርጋሒ ክታበታት ቨክተር እዩ ዝብሃል።

ክታበታት ቬክተር ብዝተዳኸመ ዓይነት ናይቲ ቫይረስ ኢዮም ዝስርሑ (ካልእ ዓይነት ቫየረስ ካብቲ ኮቪድ-19 ዘስዕብ)። እዞም ክታበታት ንዋህዮታትኩም ይምህርዎም ዘይጓዳእ ጭራም ብልሒ ፕሮቲን ኮሮናቫይረስ ንክሰርሑ። ስርዓተ ብይነትኩም እቲ ፕሮቲን ኣብኡ ከምዘይግባእ ምስ ርኣየ ድማ ጸረ ጓና ኣካል (ኣንቲቦዲስ) ክሰርሕ ይጅምር። ኣካልኩም ድማ እቲ ሕማም ብዘይ ምሕማም ይምሃር ብኸመይ ኣብ መጻኢ ከም ዝከላኸለልኩም ኣንጻር ሕማም ኮቪድ-19።

እቲ ዘለና ክታበት ቬክተር ሓደ ዓቐን (ዶዝ) ኢዩ። ድሕሪ እታ ዓቐን (ዶዝ) ክታበትኩም ብልምዲ ክልተ ሰሙናት ይወስድ እቲ ዝለዓለ ምክልኻል ንክትረኽቡ።

ክታበታት ንኡስ ክፍሊ ፕሮቲን (Novavax COVID-19 ክታበት)

ሓደ ካብቶም ብ Food & Drug Administration (FDA፣ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን) ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ክታበታት COVID-19 ክታበት ንኡስ ክፍሊ ፕሮቲን እዩ። ክታበታት ንኡስ ክፍሊ ፕሮቲን ንሽተይ ክፋል ናይቲ ቫይረስ (ፕሮቲን) COVID-19 ዘስዕብ (ብዘይ ሂዎታዊ ቫይረስ ዝስራሕ) እቲ ክታበት ኣብ ሰውነት ብአግባቡ ክሰርሕ ዘክእል መወሰኻታን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ናይ ሰውነት ስርዓት ምክልካል ሕማም ሓደ ግዜ ነቲ ናይ ፕሮቲን ዓንኬል ግብረ መልሲ ምሃብ ምስለመደ ነቲ ትክክለኛ ቫይረስ በቅልጡፍ ምላሽ ዝህብን ንባዕልካ ካብ COVID-19 ንክትከላከል ዘክእልን እዩ። ንኡስ ክፍሊ ክታበታት ምስቲ COVID-19 ዘስዕብ ቫይረስ ረክሲ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ ከምኡዉን ምስ ናትና DNA ርክብ የብሉን።

እቲ ቫይረሳዊ ንኡስ ክፍሊ ክታበት ብመለክዕ ክልተ ዓቀን (ዶዝ) ክታበት ይርከብ። መብዛሕቲኡ እዋን እቲ ካልኣይ ክታበት ምስተወሰደ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ሙሉእ ብመሉእ ካብቲ ሕማም ናይ ምክልካል ዓቅሚ ይምዕብል።

ሓደ-ሓደ ግዜ ክታበት ፈኲስ ረስኒ ወይ ናይ ሰዓል ዝመስሉ ምልክታት ሕማም ከስዕብ ይኽእል ኢዩ፡ ግን ንሶም ተጓዳእቲ ኣይኮኑን።

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ነዞም ምንጭታት ርኣይዎም ቅልጡፍ ስእሊ ናይ ክታበታት ኮቪድ-19 ከሙኡውን ክታበታት ኮቪድ-19፡ ክፍለጥ ዘለዎ.

እንተድኣ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ'ቲ ሕብረተሰብ ነቲ ኮሮና ቫይረስ ክቃለስዎ ኪኢሎም፡ ናብ ዝኸዶ የብሉን። እዚ ማለት ነቲ ለበዳ ቀልጢፍና ደው ከነብሎ ንኽእል ኢና ከምኡ ድማ ነዚ ለበዳ ከነኽትሞ ዳርጋ ቀሪብና ማለት እዩ።

ክታበታት ኮቪድ-19 ብከመይ እዮም ዝስርሑ?

እዛ ሓጻር ቪድዮ ከኣ ክታበታት ኮቪድ-19 ብከመይ እዮም ዝስርሑ ትገልጽ .

እንታይ እዩ mRNA/ተላኣኣኺ ክታበት?

ተላኣኣኺ ክታበት RNA ወይ mRNA ሓድሽ ዓይነት ክታበት እዩ።ክታበት mRNA ንዋህዮታትኩም ከመይ ኢሎም ዘይጓዳእ ንእሽቶ “ጽሕጊናይ ፕሮቲን” ይሰርሑ ይምህሮም። እዚ በሰር ናይ ፕሮቲን ድማ ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ ኮሮና ቫይረስ ትርእይዎ። ናትኩም ስርዓተ ምክልኻል ድማ እቲ ፕሮቲን ኣብኡ ከምዘይኮነ ቦቱኡ ይሪኢ ስለዚድማ ኣካላትኩም ናይ ምክልኻል መልሲን ይጅምርን ጸረነፍሳትን ድማ ይሰርሕን። እዚ ድማ ብተፈጥሮ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ክረኽብበና ከሎ ዝኸውን ምስኡ ተመሳሳሊ እዩ። ሓንሳብ ስርሑ ምስ ሰረሐ፡ እቲ mRNA፡ ቀልጢፉ ይሰባበርን ከምኡድማ እቲ ኣካል ድማ ኣብ ውሑድ መዓልትታት ይሶጎን።

ዋላ'ኳ ን mRNA ቀደም ንካልእ ዓይነታት ሕክምናውን ናይ እንስሳ ክንክን እንተተጠቐምናሎም፡ በዚ ኣገባብ ጌርካ ክታበታት ምፍጣር ከኣ ኣብ ስነፍልጠት ዓቢ ዝላ ንቕድሚት እዩ፡ ከምኡድማ ናይ መጻኢ ክታበታት ድማ ዝያዳ ብቐሊል ክስርሑ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።

ብዛዕባ ክታበታት mRNA ከመይ ጌሮም እዮም ዝሰርሑ፡ ዝያዳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ CDC's ከተንብቡ ትኽእሉ (ኢንግሊሽ ጥራይ)።

እንታይ እዩ ተላባዒ ናይ ቬክቶር ክታበት

እዚ ዓይነት ክታበት ንዋህዮታትኩም መምርሕታት ዝህብ ንድኹም ዓይነት ዝተፈልልየ ቫይረስ (ቬክቶር) ይጥቀም። እዚ ቨክቶር ድማ ናብ ዋህዮ ይኣቱ ከምኡድማ ነቲ ዘይጓድድእ ንእሽቶ ነገር ናይ ኮቪድ-19 ገፈል ናይ ፕሮቲን ንምፍጣር ድማ ነቲ ናይ ዋህዮ መሳርሒ ይጥቀም። እዚ ዋህዮ ከኣ ነቲ ገፈል ናይ ፕሮቲን ኣብ ልዕሊኡ የርእዮ፡ ስለዚድማ ናትኩም ስርዓተ ምክልኻል ከኣ ቦቱኡ ኣብኡ ከምዘይኮነ ይርእዮ። ናትኩም ስርዓተ ምክልኻል ድማ ጸረ ነፍሳት ምስራሕ ይጅምር ንካልኦት ናይ ምክልኻል ዋህዮታት ድማ መልከፍቲ እዩ ኢሉ ንዝሓሰቦ ንምቅላስ ድማ የንጥፎም። ኣካልኩም ድማ እቲ ሕማም ብዘይ ምሕማም ይምሃር ብኸመይ ኣብ መጻኢ ከም ዝከላኸለልኩም ኣንጻር ሕማም ኮቪድ-19።

ክታበት ንኡስ ክፍሊ ፕሮቲን እንታይ እዩ?

ሓደ ካብቶም ብ Food & Drug Administration (FDA፣ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን) ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ክታበታት COVID-19 ክታበት ንኡስ ክፍሊ ፕሮቲን እዩ። ክታበታት ንኡስ ክፍሊ ፕሮቲን ንሽተይ ክፋል ናይቲ ቫይረስ (ፕሮቲን) COVID-19 ዘስዕብ (ብዘይ ሂዎታዊ ቫይረስ ዝስራሕ) እቲ ክታበት ኣብ ሰውነት ብአግባቡ ክሰርሕ ዘክእል መወሰኻታን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ናይ ሰውነት ስርዓት ምክልካል ሕማም ሓደ ግዜ ነቲ ናይ ፕሮቲን ዓንኬል ግብረ መልሲ ምሃብ ምስለመደ ነቲ ትክክለኛ ቫይረስ በቅልጡፍ ምላሽ ዝህብን ንባዕልካ ካብ COVID-19 ንክትከላከል ዘክእልን እዩ። ንኡስ ክፍሊ ክታበታት ምስቲ COVID-19 ዘስዕብ ቫይረስ ረክሲ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ ከምኡዉን ምስ ናትና DNA ርክብ የብሉን።

አድጁቫንት እንታይ እዩ?

ኣብ Novavax ዝርከብ ኣድጁቫንት ናይ ሰውነት ስርዓት ምክልካል ሕማም ብዝበለፀ ክጥንክር ዘክእል እዩ።

እንታይ ዓይነት ጥረ ነገራት እዮም ኣብቶም ክታበታት ዝርከቡ፧

እቶም ክታበታት ኣብ ኮቪድ-19 ዘለው ጥረ ነገራት ድማ ብትኽእል ልክዕ ነዞም ክታበታት ዝምጥኑ እዮም ንጡፍ ጥረ ነገር ናይ mRNA ወይ ዝተመሓየሸ ኣዴኖቫይረስ ምስ ከም ስብሒ፡ ጨዋት ከምኡ'ውን ሽኮራት ዝኣመሰሉ ነቲ ንጡፍ ጥረ ነገር ዝከላኸሉ፡ ኣብ ኣካላትና ዝያዳ ጽቡቕ ንኽሰርሕ ዝሕግዙ ከምኡ'ውን ኣብ ግዜ ምኽዛንን ምጕዕዓዝን ድማ ነቲ ክታበት ዝከላኸሉ ነገራት ይሕዝ።

Novavax COVID-19 ክታበት ብናይ ፕሮቲን ንኡስ ክፍሊ ዝብለጸገ ኮይኑ መውሰክታት ዘለዎን ኣብቲ ሰውነት ኣትዩ ብኣግባቡ ክሰርሕ ዘክእሎ ስብሕን ስኳርን ዝሓወሰን እዩ። እቲ ክታበት mRNA ዝጥቐም ኣይኮነን።

ክታበታት Pfizer, Moderna, Novavax, ከምኡ ድማ Johnson and Johnson ናይ ሰብ ዋህዮታት (ናይ ዕሸል ዋህዮታት ሓዊስካ ማለት እዩ)፡ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ላተክስ፡ መዐቀቢታት ወይ ዝኾነ ናይ እንስሳ ጎናዊ ውጺኢታት፡ እንከላይ ናይ ሓሰማ ውጺኢታት ወይ ገላቲን የብሎምን ። እዞም ክታበታት ኣብ እንቋቖሖ ዝቦቖሉ ኣይኮኑን፡ ከምኡድማ ዝኾነ ፍርያት ናይ እንቃቆሖ ድማ የብሎምን።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥረ ነገራት፡ ነዚ ናይ ሕቶን መልስን ገጽ ናይ መርበብ ሓበሬታ ካብ ናይ ቆልዑ ሆስፒታል ናይ ፊላደልፍያ (ኢንግሊሽ ጥራይ) ርኣይዎ፡ ብተወሳኺ ናይ ሙሉእ ጥረነገራት ዝርዝር ድማ ኣብ'ዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም Pfizer/ፒፋይዘር (ኢንግሊሽ ጥራይ) ፡ Moderna/ሞደርና (ኢንግሊሽ ጥራይ) ፡ Novavax ከምኡድማ Johnson & Johnson/ጆንሰን & ጆንሰን (ኢንግሊሽ ጥራይ) fact ናይ ጭብጢ ወረቓቕቲ።

ክታበት Johnson & Johnson ናይ ዕሸል ዋህዮታት ኣለዎ ድዩ፧

Johnson & Johnson ክታበት ኮቪድ-19 ልክዕ ከም ናይ ብዙሓት ካልኦት ክታበታት ዝጥቀምሉ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም እዩ ተፈጢሩ። ናይ ዕሸል ወይ ናይ ዕሸላት ዋህዮታት ኣካላት ዝሓዘ ኣይኮነን። ሓደ ክፋል ናይቲ ክታበት ኣብ ላባራቶሪ ዝዓበዩ ቅዳሓት ናይ ቅድሚ 35 ዓመታት ብዝተኻየደ ናይ መረጻ ምንጻል ጥንሲ ዋህዮ እዩ ዝስራሕ። ካብኡ ንንየው፡ እቲ ናይ ዋህዮ መስመራት ናይዞም ክታበታት ኣብ ላባራቶሪ ተዓቂቡ እዩ፡ ከምኡድማ ካልእ ምንጭታት ናይ ህጻን ዋህዮታት ድማ ነዞም ክታበታት ንምስራሕ ኣይተዘውተሩን። እዚ ንገለ ሰባት ሓድሽ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር፡ ክታበት ንፍዮ፡ ሩቤላን ሄፓታይተስን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዝስራሕ።

እቲ ክታበት ናይ ኮቪድ-19 መኻንነት የምጽእ ድዩ?

ክታበታት መኻንነት ወይ ናይ ምውላድ ድኻም ከምዘምጽኡ ስነፍልጠታዊ መርትዖ የለን። እቲ ክታበት ናብ ኣካልካ ምስኣተወ፡ ምስ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትካ ብምትሕብባር ንኮሮና ቫይረስ ንምቅላስ ጸረ-ኣካል ይሰርሕ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኣካላት መፍረኻ ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ።

እቲ Centers for Disease Control and Prevention (CDC), American College of Obstetricians and Gynecologists (ACOG) (ኢንግሊሽ)፡ከምኡ'ውን Society for Maternal-Fetal Medicine (SMFM) (ኢንግሊሽ) ድማ ንጡኑሳን፡ ጸባ ጡብ ዘለወን፡ ወይ ንክጠንሳ ኣብ መደብ ዘለዋን ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ ይመኽሩ።. ብዙሓት ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዳ ሰባት፡ ብድሕሪኡ ጠኒሰን ወይ ጥዕንኦም ዝሓለዉ ህጻናት ወሊደን ኢየን።

ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ክታበት እንከላይ ክታበት ኮቪድ-19፡ ናይ ወዲ ተባዕታይ ናይ ፍርያምነት ጸገማት ከምዘምጽእ ዝኾነ መርትዖ የሎን። ሓደ ናይ ቀረባ ግዜ ንእሽቶ መጽናዕቲ ናይ 45 ጥዑያት ደቂ ተባዕትዮ (ኢንግሊሽ ጥራይ) ናይቲ mRNA ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዱ (እዚ ድማ Pfizer-BioNTech ወይ Moderna) ናይ ስፐርም/ፈሳሲ ዘርኢ ባህሪ ርእዮም፡ ከም ብዝሕን ምንቅስቓስን፡ ቅድምን ድሕርን ክታበት። ተመራመርቲ ድሕሪ ክታበት ኣብዞም ናይ ስፐርም/ ዘርኢ ባህርያት ዝኾነ ኣገዳሲ ለውጢ ኣይረኸቡን።

ካብ ሕማም ዝመጻ ረስኒ ድማ ኣብ ጥዑያት ደቂ ተባዕትዮ ምስ ምቕናስ ጅ ክብብክክምፍራይ ዘርኢ ተኣሳሲሩ ጸኒሑ እዩ። ዋላ'ኳ ረስኒ ግዝያዊ ጎናዊ ሳዕቤን ናይ ክታበት ኮቪድ-19 ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ፡ ናይ ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19 ዘሎ ረስኒ ንመፍረ ዘርኢ ከምዝትንክፎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህልው መርትዖ የሎን።

ንዝያዳ ሓበሬታ ድማ ናይ CDC's ሓበሬታ ኣብ ናይ ክታበታት ኮቪድ-19 ነቶም ቆልዓ (ኢንግሊሽ ጥራይ) ክወልዱ ዝደልዩ ረአ። ንጭብጥታት ብዛዕባ እቲ ክታበታት ብተወሳኺ ንስኹም ነቲ ናይ CDC ናይ ክታበት ኮቪድ-19 (ኢንግሊሽ ጥራይ) ገጽ ናይ መርበብ ሓበሬታ ክትርእዩ ትኽእሉ።

ድሕሪ ክታበት ምውሳደይ ኣየኖት እዮም እቶም ንቡራት ምልክታት?

ከም ካልእ ልሙዳት ክታበታት፡ እቶም ቀንዲ ጎናዊ ሳዕቤናት ከኣ ምቕንዛው ኣብ ኢድ፡ ድኻም፡ ሕማም ርእሲን ናይ ጭዋዳ ቃንዛን እዮም።

እዞም ምልክታት ከኣ እቲ ክታበት ይሰርሕ ከም ዘሎ ምልክት እዮም። ኣብ ናይ Pfizerን Modernaን ፈተነታት፡ እዞም ጎናዊ ሳዕቤናት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልትታት ምውሳድ ናይ ክታበት ኣጋጢሞም፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ጸኒሖም። ጎናዊ ሳዕቤናት ድማ ካብ ኣብ ቀዳማይ ዶዝ ኣብ ካልኣይ ዶዝ እዮም ልሙዳት ኮይኖም ዝርኣዩ። ኣብ ናይ Johnson & Johnson ክሊኒካዊ ፈተነታት፡ ጎናዊ ሳዕቤናት ብገምጋም ካብ ሓደ መዓልቲ ክሳብ ክልተ መዓልቲ ጸኒሖም።

ኣብ ኩሎም ሰለስቲኦም ክታበታት፡ ልዕሊ 55 ዝዕድሚኦም ሰባት ካብ መንእሰያት ዝውሓደ ጎናዊ ሳዕቤናት ናይ ምሕባር ተኽእሎ ኣለዎም።

ኣብ ኦንላይን ወይ ኣብ ሶሳል መዲያ ገለ ቤላቤሎው ብዛዕባ ሓቀኛ ዘይኮነ ጎናዊ ሳዕቤናት ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ዝኾነ ግዜ ብዛዕባ ጎናዊ ሳዕቤናት ዝብሃል ምስ ትርእዩ ነቲ ምንጪ ናይቲ ዝብሃል ከም ትፍትሽዎ ኣረጋግጹ ኢኹም።

ድሕሪ ክታበት ኮቪድ-19 ምውሳደይ እንተዳኣ ሓሚመ እንታይ እዩ ዝኸውን።

ከም ካልእ ልሙዳት ክታበታት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ድማ እቲ ልሙድ ጎናዊ ሳዕቤናት ከም ምቕንዛው ኣብ ኢድ፡ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ ወይ ድኻም ድሕሪ ምኽታብ ኣለዎ። እዚኦም ምልክታት ናይ እቲ ክታበት ይሰርሕ ምህላዉ እዮም። ናይ COVID-19 ክታበት ድሕሪ ምውሳድ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጎናዊ ሳዕቤናት ብዝያዳ ተመሃሩ።

ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም እንተድኣ ሓሚምኩም፡ ነዚ ዝብኣሰ ኩነት ናብ Vaccine Adverse Event Reporting System (VAERS፡ ናይ ክታበት ናይ ምግዳድ ኩነት መሐበሪ ሲስተም) (ኢንግሊሽ ጥራይ) ። ናይ ምግዳድ ኩነት ከኣ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገም ወይ ጎናዊ ሳዕቤን ኮይኑ ድሕሪ ክታበት ዘጋጥም እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ VAERS፡ እንታይ እዩ VAERS ኣብ ዝብል ኣብ ታሕቲ ርኣዩ

እንታይ እዩ VAERS?

VAERS ናይ ኣቓድምካ ዝሕብር ሲስተም ኮይኑ ብ Centers for Disease Control and Prevention (CDC) ከምኡ'ውን Food and Drug Administration (FDA) ዝምራሕ እዩ። VAERS ድማ ምስ ክታበት ዝተኣሳሰር ጸገማት ንምክትታል ክሕግዝ ይኽእል።

ዝኾነ (ኣዳላዊ ክንክ ጥዕና፡ ተሓካሚ፡ ወሃቢ ክንክ) ድማ ንተኽሎ ናይ ዝብኣሰ ግብረመልሲ ን VAERS ክሕብር ይኽእል (ኢንግሊሽ ጥራይ).

እዚ ስርዓት ድማ ደረታት ኣለዎ ናይ ቫአረስ ጸብጻብ ድማ እቲ ክታበት ነቲ ግብረመልሲ ወይ ውጺኢት ኣምጺኢዎ ማለት ኣይኮነን። እዚ ከኣ እቲ ክታበት ፈለማ ተፈጺሙ ጥራይ ማለት እዩ።

VAERS ን ተመራመርቲ ኣንፈታት ከስተብህሉ ምእንቲ ወይ ንሶም ዘጽንዕዎ ምኽንያታት ናይ ተኽእሎ ጸገም ንምሕጋዝ እዩ ተዳልዩ እዚ ዝርዝር ናይ ዝተረጋገጹ ውጺኢታት ናይ ክታበት ኣይኮነን።

ናብ VAERS ጸብጻብ ክትገብሩ ከለኹም፡ንስኹም ን CDC ን ከምኡውን ንFDA ንተኽእሎ ናይ ጥዕና ስክፍታታት ንምልላይ ትሕግዙን ክታበታት ድማ ውሑሳት ሙዃኖም ድማ ተረጋግጹን። ዝኾነ ሕቶ እንተድኣ ተላዒሉ፡ ንሳቶም ስጉምቲ ክወስዱ እዮም ከምኡ ድማ ንኣዳለውቲ ናይ ጥዕና ክንክን ድማ ብዛዕባ ተኽእሎ ጉዳያት ክሕብሩ እዮም።

ኣነ ኮቪድ-19 እንተዳኣ ኔሩኒ ኮይኑ፡ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክረክብ ይኽእል ዶ፧

እወ፡ እቶም Advisory Committee on Immunization Practices (ACIP, ኮሚተ ምኽሪ ተግባራት ብየና) ዝኾነ ኮቪድ-19 ዝነበሮ ሰብ ክኽተብ ይምሕጸኑ።

ዳታ ከምዘርእዮ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ድሕሪ ብኮቪድ-19 ምልካፍካ ዳግማይ ክትልከፍ ዘይልሙድ እዩ፡ ስለዚ ገለ ናይ ምኽልኻል ዓቕሚ ክህልወካ ይኽእል (ተፈጥረኣዊ ምኽልኻል ዝበሃል)። እንተኾነ እዚ ተፈጥረኣዊ ምኽልኻል ንኽንደይ ከምዝጸንሕ ኣይንፈልጥን ኢና።

ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባት ከኣ ክሳብ ዝሕሾምን ክሳብ ናይ ምፍላይ ግዚኦም ዝውድኡን ክታበት ክወስዱ ክጽበዩ ኣለዎም።

ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ናብ ኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ሰባት ብተወሳኺ ክሳብ ድሕሪ ናይ ውሸባ እዋን ክታበት ክወስዱ ክጽበዩ ኣለዎም፡ እዚ ከኣ ንሳቶም ብውሑስ ድሕነት ካብ ካልኦት ሰባት ክውሸቡ እንተድኣ ዝኽእሉ ኮይኖም እዩ። እንተድኣ ልዑል ሪስክ ኣሎ ኮይኑ ንካልኦት ክለኽፉ ይክእሉ፡ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ እዋን ናይ ውሸባ እዋን ክኽተቡ ይኽእሉ እዮም።

ንመምርሒታት ተገልሎን ውሸባን ብኽብረትኩም ናብ ናይ ገጻት ተገልሎን ውሸባን ን COVID-19 ይርኣዩ።

ኣነ ቅድም ናይ ክታበት ናይ ኣለርጂ ግብረመልሲ እንተድኣ ኣሎኒ ኮይኑ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክወስድ ይክእል ዶ?

እቲ ክታበት ንከቢድ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ኣለርጂ ግብረመልሲ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ክውሃብ የብሉን፡ ንኣብነት ከም፡ ኣናፊላክሲስ፡ ናይ ዝሓለፈ ዶዝ ናይ mRNA ወይ ተላባዒ ናይቨክቶር ክታበት ወይ ንዝኾነ ባእታ ናይ Pfizer-BioNTech/Comirnaty (ኢንግሊሽ) , Moderna/Spikevax (ኢንግሊሽ), Novavax ወይ Johnson & Johnson – Janssen (ኢንግሊሽ) ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት።

ንካልእ ዓይነት ክታበትን ብመርፍእ ዝወሃብ ፍወሳን ሓያል ቁጥዐ ዝነበሮም ሰባት፡ ክኽተብቡ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ወሃብቲ ክታበት ክስዕብ ዝኽእል ሓደገ ክግምግሙን ንዑኡ ብዝምልከት ምኽሪ ክህቡዎምን ይግባእ። እቲ ሕሙም ክኽተብ እንተ ወሲኑ፡ እቲ ወሃቢ ክታበት ቀጥታዊ ግብረመልሲ ንምዕዛብ ን30 ደቂቅ ክከታሎም ይግባእ።

Advisory Committee on Immunization Practices, (ACIP) ፡ ወሃብቲ ክታበት ንክሉ ዝኽተብ ሰብ ናይ ቁጥዐ ግብረ መልሲ ንምዕዛብ ብዉሑዱ ን15 ደቂቅ ክከታልዎ ይምዕድ። ንግዜያዊ ሕክምናዊ ገምጋም ክታበት mRNA ብዝምልከት ን ACIP ረአ፡ ንዝያዳ ሓበሬታ ድማ (እንግሊዘና) ተመልከት።።

ኣድላይነት ክታበት

ክታበት ኮቪድ 19 ግድን ድዩ ዘድሊ?

ክታበት ኮቪድ 19 ክትክተብን ከይትክተብን ንዓኻ ዝግደፍ ምርጭ ኢዩ፡ ገለ ኣስራሕቲ፡ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ነቲ ክታበት ግድነታዊ ጌሮምዎ።

ዋሺንግቶን ኣብዚ እዋንዚ እዞም ዝስዕቡ ክኽተቡ ትጠልብ፡

እዞም ሰራሕተኛታት ብውሑዱ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምዝዛም ኣገልግሎት ክታበት ክሳብ ጥቅምቲ 18,2021 ኣንጻር ኮቪድ 19 ምሉእ ብምሉእ ክኽተቡ ኣለዎም። እዚ ጠለብ ንሰብ ውዕል፡ ወለንታውያን፡ ከምኡ'ው ን ካልኦት ኣብዚ ጽላት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት የጠቃልል።

ካብዞም ጉጅለታት ኣንተኮይንካ ወይ ኣስራሒኻ ወይ ቤት ትምህርትኻ ክታበት ኮቪድ19 ዝጠልቡ እንተኮይኖም፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ንምፍላጥ ምስ ክፍሊ ዓቅሚ ሰብ ናይ ትካልካ ወይ ምስ ኣስራሒኻ ወይ ቤት ትምህርትኻ ተዘራረብ። ክፍሊ ጥዕና ኣብ ፖሊሲታት ኣስራሕቲ ወይ ኮሌጃት ወይ ዩኒቨርሲቲታት ኢድ የብሉን።

እቲ ክታበት ንዓኻን ንኣብ ከባቢኻ ዘለዉን ካብ ኮቪድ 19 ይከላኸል፡ ብዛዕባ ጥቅምታት ክታበት ምስ ዶክቶርካ ወይ እትግልገለሉ ትካል ጥዕና ክትዛረብ ነተባብዓካ።

ንክታበት ኮቪድ 19 ኣመልኪቱ ካብ ሰራሕተኛታት K-12 እንታይ ይጥለብ?

ብነሓሰ 18,2021, መርሒ መንስቲ ኢንስሊ Inslee ኩሎም ሰራሕተኛት ህዝባውን ብሕታውን ኣብያተ ትምህርቲ K-12 ኣንጻር ኮቪድ 19 ምሉእ ብምሉእ ክኽተቡ፡ ወይ ድማ ክሳብ ጥቅምቲ 18,2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ከም ዘይምልከቶም ዘረጋግጽ ናይ ጥዕና ወይ ናይ ሃይማኖት ሰነድ ከቅርቡ መምርሒ ኣዊጁ።

እቲ መምርሒ ንኩሎም ሰራሕተኛታት ጽላት ትምህርቲይምልከት፡ (ኢንግሊሽ ጥራይ) , ነዞም ዝስዕቡ ድማ ይጠቃልል፥

  • ሰራሕተኛታትን ሰብ ውዕልን ብሕታዊ ኣብያተ ትምህርቲ K-12፡ህዝባዊ ናይ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ K-12፡ ኣብየተ ትምህርቲ ቻርተር፡ ከባቢያዊ ኣገልግሎት ትምህርቲ (እቲ ሕጊ ኣብያተ ትምህርትን ተማሃሮን ናይ መንግስቲ-ቀቢላ ትምህርታዊ ውዕላት ኣይምልከትን)
  • ንብዙሓት ስድራቤታት ዘገልግል ሓለዋ ቆልዑን ወሃብቲ ቅድመ-ትምህርትን፡ ከምኡ'ውን
  • ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ትምህርቲ

ንተወሳኺ ሓበሬትታ ጠለባት ክታበት ኮቪድ19 ንሰራሕተኛት k-12፡ ብደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት (PDF) (እንግሊዘኛ)ተልከት።(ቤትጽሕት ላዕላዋይተቆጻጻርሪ ህዝባዊ መምርሒት)

ክታበት ከም ዘይምልከተኒ መረጋገጺ ካበይ እረክብ?

ኣስራሒኻ ወይ ኮሌጅካ ወይ ዩኒቨርሲቲኻ ክታበት ኮቪድ 19 ዝጠልብ እንተኮይኑ፡ ግድን ክትክተብ ከድልየካ ኢዩ። ብመሰረት ኣዋጅ መራሒ መንግስቲ ጀይ ኢንስለይ Jay Inslee እንግሊዘኛ ወይ (ኢንግሊሽ ጥራይ) ኣዋጅ ነሓሰ 18 (ኢንግሊሽ ጥራይ) ፣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ ኣንተኮይኑ ንምፍላጥ ምስ ኣስራሒኻ ወይኮሌጅካ/ዩኒቨርሲቲኻ ተዛረብ። ክፍሊ ጥዕና ኣብ ፖሊሲታት ኣስራሕቲ ወይ ኮሌጃት ወይ ዩኒቨርሲቲታት ኢድ የብሉን።

ካብ Department of Health (DOH፡ ክፍሊ ጥዕና) ክታበት ኮቪድ 19 ነጻ ዘብል ቅጥዒ ምርካብ ኣየድልየካን ኢዩ። DOH ካብ ክታበት ኮቪድ 19 ነጻ ዘብል ቅጥዒ የብሉን። Certificate of Exemption (COE፡ ናይ ግዝኣት ዋሺንግቶን ካብ ክታበት ነጻ ዘብል ሰርቲፊኬት)፡ ንወለዲ/ኣለይቲ ንኣብ k-12፡ ቅድመ-ትምህርቲ ወይ መውዓሊ ህጻንት ንዝመሃሩ ደቆም ካብ ክታበት ነጻ ከብሉ ጥራይ ዘገልግል ኢዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ዋሺንግቶን ቆልዑ ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን ክሳተፉ ክታበት ኣይተሓትትን ኢያ።ሰለዚ ድማ ኣብቲ COE ኣይተጠቃለለትን።

ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን

ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ሰባት ክኽተቡ ይኽእሉ ዶ?

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾኑ Pfizer-BioNtech (Pfizer) ከምኡ’ውን Moderna ንቆልዑ ዕድሜኦም 6 ኣዋርሕን ልዕሊኡን እዮም ዝፍቀዱ። ክታበት Novavax ዕድሚኦም 12+ ንዝኮኑ ብመሰረት EUA ኣሎ እዩ።

ትሕቲ 17 ዕድሜኦም መንእሰያት፡ ነቲ ክታበት ንምውሳድ ካብ ወለዶም ወይ ሞግዚቶም ፍቓድ ከድልዮም ይኽእል ኢዩ (እንግሊዝኛ ጥራይ) እንድሕር ብሕጊ መሰረት ባዕሎም ክውስኑ ዘይፍቀደሎም እንተኾይኑ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብጽሑ ናብ ገጽ መርበብና ኣብ Vaccinating Youth (ክታበት መንእሰያት)

ንፍቃድ ወላዲ ወይ ድማ ሕጋዊ መጣያሲ ሰነድ ብዝምልከት ምስ ክታበት ዝወሃበሉ ክሊኒክ ተረዳዳእ

መንግስቲ እታ ግዝኣት ናብ ኣብያተ ትምህርቲ K-12 ንምእታው ክታበት ኮቪድ 19 ክጠልብ ይኽእል ዶ?

መዐቀኒታት ክታበት ንቆልዑ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ K-12 RCW 28A.210.140 ናይ ምዉፃእ ስልጣን ዘለዎ Department of Health (ክፍሊ ጥዕና) ዘይኮነስ ናይ Washington State Board of Health (ቦርድ ጥዕና ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን) እዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ዝኾነ ናይ ቤት-ትምህርቲ ወይ መውዓል ህጻናት መዐቀኒ ክታበት COVID-19 የለን።

ደቅና ክታበት ኮቪድ 19 እናወሰዱ እቲ ካልእ ክታበታት ክወስዱ ይኽእሉ ዶ?

ሎሚ ሰብ ካልእ ክታበት ካብ ዝወሰደላ ዕለት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ክወስድ ይኽእል ኢዩ፡ ነታ ዝተኸትበላ መዓልቲ ሓዊስካ ።

ምስ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19፡ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2022-2023 ኣብ ና ይ ኣብያተ ትምህርቲ ጠለባት ክታበት ኮቪድ 19 ተዓጻጻፍነት ይህሉ ዶ ይኸውን?

ኣብ ጠለባት ክታበት ኣብያተ ትምህርቲ ዝኾነ ለውጢ ክግበር እንተ ኮይኑ፡ ቦርድ ጥዕና ናይታ ግዝኣት ኢዩ ዝውስን። ኣብዚ ኣዋን'ዚ ግን፡ ጠለባት ክታበት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘለዎ ኢዩ ክቅጽል። ቆልዑ ቅድሚ እታ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኣትዉላ ፋልመይቲ መዓልቲ ጠለባት ክታት ከማልኡ ከድልዮም ኢዩ።

ሂወት ድሕሪ ክታበት

ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትበ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

COVID-19 እንድሕር ድኣ ናይ COVID-19 ቀዳማይ ተኸታታሊ ክታበት ወሲድካ ከምኡውን ግዝያዊ ብ CDC ዝተኣዘዘልካ መጠናኸሪ ወሲድካ ንስኻ ኣብ ዝተምሓየሸ ኩነታት ኣለኻ።

ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምኽታበይ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ሓንስዋብ ምሉእ ንምሉእ ምስ ተኸተብካ፣ ክትገብሮ ዘለካ፤

ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር ኮቪድ19 ተኸቲበ እንተ ኮይነ፡ ጌና ካልእ ጥንቃቄ የድልየኒ ኢዩ?

ዋላ’ኳ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተብኩም ምስ ትኾኑ ፣ ነዚ ዝስዕብ ክትገበሩ ኣለኩም፦

  • መድሃኒት ቡስተር ንብሉጽ ምክልኻል ብምውሳድ “እዋናዊ” ይኹኑ።
  • ናይቲ ክፍሊ ሕግታት የኽብሩ። ከተማታት፣ ኣውራጃታት፣ ትካላት፣ ፍጻመታት ከምኡ እውን ኣኼባታት ገና ናይ ማስክ ወይ መርትዖ ናይ ክታበት/ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም።
  • ናይ COVID-19 ምልክታት ይረኣዩኻ ምስ ዝህልዉ ተመርመር
  • ኣብ ተሌፎንካ WA Notify ብምጽዓን፣ ናብ COVID-19 ተቃሊዕካ እንተ ኮይንካ ፍለጥ፡ ተመርሚርካ ኣወንታ ምስ ትኸዉን ድማ ብስቱር ንካልኦት ሓብር። WA Notify ምሉእ ብምሉእ ምስጢራዊ ኢዩ ከምኡዉን መን ምዃንካ ኣይፈልጥን ወይ ናበይ ከም ትንቀሳቀስ’ውን ኣይከታተልን እዩ።
  • ንብሉጽ ምክልኻል ኣብ ውሽጣዊን ህዝባዊን መድረኻት ዕቅንካ ዝኾነ ማስክ ግበር።
  • ናይ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) ከምኡውን ክፍሊ ጥዕና መምርሒታት መገሻ ተኸተል።
  • ድሕሪ COVID-19 ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ኣድላዪ ዘበለ ናይ ቅድመ ጥንቃቐ መለክዒታት ውሰድ፤
ኩላትና ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተብና ምስ ንኸውን ምስ ብዙሓት ክተኣኻኸብ እኽእል ዶ?

ምሉእ ንምሉእ ዝተኸተቡ ሰባት፣ ከምኡዉን ንናይ ቡስተር መርፍኦም እዋናዉያን ዝኾኑን፣ ካብ COVID-19 ብዝግባእ ምክልኻል ዘለዎም እዮም። ምትእኽኻባት ኣብ መንጎ ምሉእ ንምሉእ ዝተኸተቡ ሰባት ዝበለጸ ዉሑስ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት ምትእኽኻብ ምቹእነት ዘይክፈጥረሎም ከም ዝኽእል – ዋላ ኣብ ሓደግኡ-ዝቐነሰ ኩነታት - ከም ዘሎ ብኽብረትኩም ዘክሩ። ካልኦት ድማ ምትሕቑቛፍን ብኢድ ሰላምታ ምልውዋጥን ክሳብ ገና ዘይክደልዩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ጸገም የብሉን። ኩሉ ሰብ ነቲ ሓድሽ ልሙድ ነገር ይላመዶ ኣሎ ከምኡ እውን ኩላትና ዉሑሳት ክንከዉንን ንፈትዎም ሰባት ክንዕቕቦምን ኢና ንደሊ።

መረጋገጺ ክታበት ክርኢ የድልየኒ ድዩ?

ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት፣ ትካላት ወይ ፍጻመታት ን COVID-19 ዝተኸተብኩም ምዃንኩም መርትዖ ክተቕርቡ ክትግደዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ስለዚ ናይ ክትበት ካርድኻ ከም ምስክር ልደትካን ካልእ ኣገዳሲ ወግዓዊ ሰነዳትካን ሕዛ። ቅዳሕ ጌርካ፡ ነታ መቦቆላዊት/ኦሪጂናል ኣብ ገዛ ኣንብራ። ብዛዕባ ካርድታት ክታበትን መዝገባቱን ኣንብብ .

ምስ ናይ COVID-19 ክታበተይ እዋናዊ እንተዘይኮይነ’ኸ?

ምስ ናይ COVID-19 ክታበታትካ እዋናዊ እንተዘይኮይንካ፤

  • ኣብ ቀረባኻ ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ናይ COVID-19 ክታበት ድለ!
  • ኣብ ውሽጣዊ ህዝባዊ ዋዕላታት ዕቅንካ ዝኾነ ማስክ ምግባር ኣይትረስዕ።
  • ምልክታት ይረኣዩኻ ምስ ዝህልዉ ን COVID-19 ተመርመር።
  • መገሻ ምስ ዝህልወካ፣ ን COVID-19 ቅድምን ድሕሪን ጉዕዞ ተመርመር።
  • WA Notify ኣብ ሞባይልኩም ብምጽዓን ን COVID-19 ተቓሊዕኹም እንተኾይንኩም መጠንቀቕታ ይህበኩም እዩ ከምኡ እውን እንድሕር ውጽኢት መርመራኹም ኣወንታ እንተኾይኑ ንኻልኦት ብሕቡእ መጠንቀቕታ ይህብ። WA Notify ምሉእ ብምሉእ ምስጢራዊ ኢዩ ከምኡዉን መን ምዃንካ ኣይፈልጥን ወይ ናበይ ከም ትንቀሳቀስ’ውን ኣይከታተልን እዩ።
ድሕሪ ምኽታበይ ኮቪድ19 ክሓምም እኽእል?

ኣዝዩ ውሑድ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ክታበት ኣዝዩ ኣድማዒ ኢዩ፡ 100% ግና ኣይኮነን፣ ምልክታት ኮቪድ 19 እንተ ኣርኢኻ (ኢንግሊሽ), ካብ ካልኦት ርሓቅ፡ ንትካላት ጥዕንና ድማ ኣዘራርብ። መርመራ ኮቪድ 19 ግበር ክብሉኻ ይኽእሉ ኢዮም።

ንሓበሬታ ብዛዕባ መርመራ ኮቪድ-19፡ ብኽብረትኩም ኣብ ሓበሬታ መርመራ

ድሕሪ ክታበት፣ ኮቪድ 19 ከመሓላልፍ እኽእል ዶ?

ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተቡን ናይ መጠናኸሪ ፈውሲ ዝወሰዱን ሰባት ሓሓሊፉ እዩ ለበዳ ዘጋጥሞም። እንተኾነ ግዳ፣ ኣብ ናይ COVID-19 ክታበታቶም እዋናዊ ዝኾኑ ሰባትን ብ COVID-19 ዝተጠቕዑ ሰባትን ነቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም።

ን COVID-19 ተቓሊዐ እንተነይረ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ንመምርሒታት ተገልሎን ውሸባን ብኽብረትኩም ናብ ናይ ገጻት ተገልሎን ውሸባን ን COVID-19 ይርኣዩ።

ምስ ኮቪድ19 ዝተሓሓዝ ጸቅጥን ቅዛነትን ብከመይ ክሕዞ እኽእል?

እቲ ዓለም ለኻውዊ ለበዳ ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኻ ከም ዝጸልሉ ንርዳእ። በይንኻ ኣይኮንካን። ኣብ ዋሽንግቶን ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ፋይናንስን ሽቅለትን፡ምዕጻው ትምህርቲ፡ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ጥዕናዊ ሻቅሎት፡ ሓዘንን ጓህን ካልእን የጨንቆም ኣሎ። እዚ ድማ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ቅዛነት ‘ውን የጠቃልል።

ጭንቀትን ቅዛነትን ንምቅላል ዝሕግዘካ መወክሲታት ይስዕብ፡

ተወሳኺ ክታበትን ኣበራባሪ ክታበትን

ኣብ መንጎ ተወሳኺ ክታበት ኮቪድን ኣበራባሪ ክታበትን እንታይ ፍልልይ ኣሎ?

እቲ ትወሳኺ ክታበት ዘበሃል፡ ንሳልሳይ ግዜ ዝውሰድ ነቶም ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቅሞም ዝተተከፈ ዝወሃብ ኢዩ። ገለ ናይ ምኽልኻል ዓቅሞም ዝተተንከፈ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም ከብቅዑ ኣንጻር ኮቪድ19 እኹል መከላኸሊ ኣየማዕብሉን። ከምዚ ኣብ ዘጋጥመሉ ሳልሳይ ግዜ ከም ዝኽትቡ ይግበር'ሞ ናይ ምክልኻል ዓቅሞም የማዕብሉ።

እቲ ኣበራባሪ ክታበት ዝበሃል፡ ገለ ሰባት እኹል ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ኣማዕቢሎም ከብቅዑ፡ ምስ ግዜ እንደኸመ ይመጽእ እሞ፡ መበራበሪ የድልዮም። ናይ ቴታኖስ ክታበት ኣኣብ 10 ዓመት መበራበሪ ዝወሃበሉ ምኽንያት እዚ ኢዩ።እቲ ብናይ ፈለማ ክታበት ዘጥረኻዮ ዓቅሚ ምክልኻል ምስ ግዜ ይደክም።

ንናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝቐነሰ ሰባት ብኽብረትኩም ንናይ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) መምርሒታት ተመልከቱ ወይ ድማ ንናይ DOH መረበብ ሓበሬታ ይብጽሑ።

ተወሳኺ ክታበት ኾቪድ 19 ዘድልዮም መን ኢዮም?

ንናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝቐነሰ ሰባት ብኽብረትኩም ንናይ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) መምርሒታት ተመልከቱ ወይ ድማ ንናይ DOH መረበብ ሓበሬታ ይብጽሑ።

ስለምንታይ ኢዮም ኣበራታዒ ክታበት ኣገዳሲ፧

ኣበርታዒ ዓቐናት ነቶም ልዑል ሓደጋ ናይ ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባት ቀጻሊ ምክልኻል ሕማም ንክህልዎም ይሕግዝ።

ቕድሚ ሕጂ ናይ ቡስተር ዶዛት ነቶም ካብ COVID-19 ከበድቲ ሕማማት ናይ ምሕማም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝነበሩ ህዝቢ እዩ ዝምከር ነይሩ፣ ይኹን እምበር እቲ ምኽሪ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ኣዋርሕ ከምኡዉን ልዕሊኡ ዘለዉ ኣንጻር ሕማማት COVID-19 ዕቑባ ንምዉሳኽ ሰፊሑ።

ብፍላይ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝያዳ ተመሓላላፊ ቫይረሳትን ናይ ኮቪድ-19 ሕማማትን እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተፈቐደ ወይ ዝጸደቐ ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት፣ ነቲ ከቢድ ሕማምን፣ ኣብ ሆስፒታል ምእታውን፣ ሞት ብሰንኪ ኮቪድ-19ን፣ ዋላ ውን ነዚ ሓድሽ ደልታ ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣብ ምንካይን ጽቡቕ ተራ ይጻወት። እንተዀነ ግን፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ክታበትውን ምስ ግዜ እናነከየ ምስ ከደ ዕቝባ ክግበረሉ ይኽእል ኢዩ። ኣበራታኢ ዓቐናት ካብ ኮቪድ-19 ክትከላኸለሉ እትኽእል ክታበት እናወሰኸ ምስ ኸይደ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ድማ ንነዊሕ እዋን ኪቕጽል ይሕግዝ እዩ።

ተወሰኽቲ ምንጨታትን ሓበረታን

ንኮቪድ 19 ዝምልከት ንፍሉያት ኣካላት ሕብረተሰብ ዝኸውን መወከሲ

ቆሎዑን መንእሰያትን

ነፍሰ ጾራትን ዘጥብዋ ዘለዋን

ምስጋምን ስደትን

ንቤት ዝዓለመ/ ዘቤታዊ

ተወሳኺ ንኮማት ዝምልከት መወከሲታት ክርከብ ይክኣል Vaccine Equity and Engagement page/ናይ ክታበት ተሳትፎን ፍትሕን/ (ኢንግሊሽ ጥራይ)

ሕቶይ ኣብ'ዚ ኣይተመለሰን። ዝያዳ ሓበሬታ ብኸመይ እረክብ?

ሓፈሻዊ ሕቶታት ናብዚ ክስደድ ይከኣል፡covid.vaccine@doh.wa.gov.