ኣብ ቀረባ ዘሎ ቦታ ፈተና ርኸብ (ብእንግሊዘኛ)
እቶም ባዕሎም ናይ መርመራ መሳርሒታት ዝዓደጉ ከምኡዉን ፖዘቲቭ ውጽኢት ዝረኸቡ ሰባት ነቲ ናይ መንግስቲ COVID-19 ናይ ህጹጽ መስመር ሓበሬታ 1-800-525-0127 ክድዉሉ ኣለዎም ፣# ክጸቕጡ ኣለዎም። እቲ መስመር ሓገዝ፡ ኣብ ሶኑይ ካብ ሰዓት 6 a.m. ክሳብ 10 p.m., ክፉት ኢዩ ከምኡ’ውን ካብ ሶሉስ ክሳብ ሰንበት (ከምኡ’ውን በዓላት) ካብ ሰዓት 6 a.m. ክሳብ 6 p.m. ሓገዝ ቋንቋ ድማ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።
ምምርማር ንምንታይ የድሊ
መርመራ ህይወት ሰባት የድሕን እዩ። መርመራ ሰባት ነቲ ቫይረስ ንከይዝርጋሕ፣ ከም ምዉሻብ፣ ዝኣመሰለ ጥንቃቐታት ንኺገብሩ የኽእሎም፤ ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ ነቲ ቫይረስ ከስፋሕፍሕዎ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺውን መርመራ ነቶም ናይ ህዝቢ ጥዕና ሰበ-ስልጣናት ነቲ ሕማም ንከለልይዎን ምላሽ ንኽህቡን፣ ከምኡ'ውን ሓደስቲ እተፈላለየ ዓይነት ናይቲ ቫይረስ ንክከታተሉ ይሕግዞም። ምመርመራ ንቡር ንጥፈታትካ ንምቕጻል ዝሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።
ኣብ University of Washington ከምኡዉን Department of Health (DOH፣ ክፍሊ ጥዕና) ዚርከቡ ተመራመርቲ ኸምዚረኸቡዎ ናይ COVID-19 መርመራ ምግባርን ከምኡ'ውን ብ WA Notify (WA ሓባሪ) ምክትታል ካብ ዲሴምበር 2020 ክሳዕ ማርች 2021 ኣስታት 6,000 ጕዳያት ተኸላኪሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
መዓስ ምምርማር የድሊ
ሕማም ምስ ዝስምዓኩም ተመርመሩ። COVID-19 ኣዝዮም ብዙሓት ምልክታት (ብ ቛንቛ እንግሊዘኛ) ኣለዎም፣ ስለዚ ጽቡቕ ዘይስመዓኩም እንተድኣ ሃልዩ፣ ብዝተከኣለ ብቕልጡፍ ክትምርመሩ ዝበለጸ እዩ።
ናይ COVID-19 ናይ መርመራ ውጽኢቱ ፖዘቲቭ ምስ ዝነበረ ሰብ ተቓሊዕኩም እንተድኣ ነይርኩም ተመርመሩ። ምልክታት ተርእዩ እንተድኣ ሃሊኹም ብቕልጡፍ ተመርመሩ። ምልክታት ዘይተርእዩ እንተድኣ ሃሊኹም፣ ድሕሪ እቲ ምቅላዕ ሓሙሽተ መዓልቲ ተጸበዩን ካብኡ ተመርመሩ።
ኣብ ዋሺንግቶን ዝርከቡ ትካላት ከምኡውን ናይ ፍጻመ ቦታታት ቅድሚ ናብ ፍጻመታት ወይ ስርዓታት ምእታው ናይ መርመራ ከምኡ እውን/ወይ ክታበት ጠለባት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ቅድሚ ምኻድኩም ደውሉ ወይ መርበብ ሓበሬትኦም ፈትሹ።
ቅድሚ ከምኡውን/ወይ ድሕሪ ጉዕዞ ክትምርመሩ ኣለኩም። ናይ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) እዋናዊ ናይ ጉዕዞ መምርሒ ፈትሹ (ብ ቛንቛ እንግሊዘኛ)።
ምስ እኩባት ሰባት ክትሓብሩ ኣብ ትኽእልሉ ግዜ፣ ብፍላይ ኣብ ናይ ብርቱዕ ሕማም ሓደጋ ዘለዉ ወይ ኣብ ናይ ኮቪድ- 19 ክታበታቶም (ብ ቛንቛ እንግሊዘኛ) እዋናዊ ዘይኮኑ።
ኣበይ ክምርመር ይኽእል
መርበብ ሓበሬታ ናይ ግዝዓት WA Department of Health መዝገብ ናይ መርመራ ቦታታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ናይ ስራሕ ሰዓትን ብቕዓታትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ መርመራ ዝግበረሉ ወብ ሳይታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፣ ኣብ 2-1-1 ደውል። ኣብ መደብራት ዚርከብ ናይ መርመራ መሳርሒታት ኣብ ቤት ንዚግበር ምሹእ መርመራ ዚኸውን ትእዛዝን፣ ፋርማሲታትን ኪርከብ ይከኣል እዩ።
ዋጋ
ኣብዚ እዋን እዚ ኣቕረብቲ መድሕን ንስድራ ቤታት ኣብ ወርሒ ኽሳዕ ሸሞንተ መርመራታት ይኸፍሉ እዮም። ብዛዕባ ናይ መድሕን ገንዘብ ዝያዳ ተምሃር (ብ ቛንቛ እንግሊዘኛ) ።
ኣብ ካውንቲ ወይ መንግስቲ ዝድግፎ ናይ መርመራ ቦታታት ንዝግበር መርመራታት ዝኸውን ካብ ጁባ ወጻኢ የለን። መብዛሕትኡ መርመራታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ምልክታት ሕማም ዘለዎም ሰባት፣ ናብ መድሕን ክኽፈል ወይ ካብ Department of Health ደገፍ ክግበረሎም ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ከባቢኻ ወይ ብኢንተርነት ኣቢልካ ንሸቃጦን ፋርማሲታትን ናይ ቤት መርመራ ኽትዕድግ ትኽእል ኢኻ። መድሕን ወይ መድሃኒት ኣየድልን እዩ።
እተፈላለየ ዓይነት መርመራታት
ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መርመራታት ንቅልጡፍ መርመራ፣ ናይ ኣንቲጀን መርመራታት፣ ሞለክዩላዊ መርመራታት (ኣብ ቤተ-ምርምር ከምኡ'ውን ኣብ ክንክን ዚግበረሉ ነጥብን)፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቤትካ ርእስኻ ምምርማር የጠቓልል። ዝዀነ ይኹን ፍሉይ መርመራ ከም ጠለብን ኣፍረይቲ ትካላትን ይፈላለ ኢዩ።
ናይ ገዛ መርመራ ከመይ ጌርካ ትወስድ
ንዝበለጸ ቅኑዕ ውጽኢታት ኣብ ውሽጢ ቅልጡፍ ናይ ገዛ መመርመሪ ኣቑሑታት ዝርከቡ መምርሒታት ምክታል ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ብራንድስ ናይ ቪድዮ መምርሒታት ይህባ እየን ። ንዝበለፀ ንፁር ልምምድ አብ ዙይ ይርአዪ ናይ CDC ኣብ ቤት ንዚግበር መርመራ ዚኸውን ምኽሪ (ብ ቛንቛ እንግሊዘኛ)።
ኣብ ቅልጡፋት መርመራታ ናይ ሓሶት ነጋቲቭ ውጽኢት ክርከብ ይከኣል እዩ። ሓደሓደ ናይ መመርመሪ ኣቑሑት ክልተ መርመራታት ክሕዙ ይኽእሉ እዮም (መዓስ ከም እትምርመር ንዝብል ኣብቲ ሳንዱቕ ዘሎ መምርሒታት ክትኽተሉ ኣለኩም)።
ንዝበለጸ ከምይ መመርመሪ ይሰርሕ፣ ምምርማር ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕታትቶ ገጽ። ተመልከት
መርመራ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ
መብዛሕትኡ መመርመሪ ብናይ ኣፍንጫ ስዋብ እዩ ዚግበር። ገለ መርመራታት ጥፍጣፍ ብምእካብ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ናይ መርመራ ብብዝሒ ዝሕተቱ ሕቶታት ገጺ ኪርከብ ይከኣል እዩ።
መዓስ ትውሸቡ ወይ ትግልሉ
መርመራ ቕድሚ ምውሳድካን ውጽኢትካ ቕድሚ ምርካብካን ክትዉሸብ ወይ ክትግለል የድልየካ ይኸውን። እዚ ኣብ ናይ ክታበትካ ኩነታት ከምኡዉን ምልክታት እንታደኣ ተርኢ ኣለኻ ይምርኮስ። እቲ እዋናዊ መምርሒ CDC ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በብ ኩነት ይግልጾ (ብ ቛንቛ እንግሊዘኛ) ። ምልክት ዘለዎም ሰባትን ከምኡ እውን/ወይ ን COVID-19 ዝተቓልዑ ሰባት ዝሕብር ንሀገዝና ክትከታተሉ ትኽእሉ።
ስጕምቲ-ስዓብ
ምልክታት ሕማም እንተ ኻልዩካ ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ቤትካ ጸናሕ። ን COVID-19 ፖዘቲቭ ናይ መርመራ ውጽኢት እንተ ኣልይኩም፣ እቲ ዘሐጕስ ዜና ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ክርከብ ይኽእል እዩ፦ ፖዘቲቭ መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ከምትገብር።