ናይ ክፍለ ሃገር ህጹጽ መስመር ሓበሬታ ኮቪድ-19፡ ደውሉ ናብ 1-800-525-0127፣ ብድሕሪኡ ድማ # ጠውቑ። ሓገዝ ቋንቋ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።
- ሰኑይ ካብ 6 ቅ.ቀ. ክሳዕ 10 ቅ.ቀ.
- ካብ ሰሉስ ክሳብ ሰንበት ካብ 6 ቅ.ቀ. ክሳዕ 6 ቅ.ቀ. ከምኡ’ውን ዝብዓሉ ሃገራውያን በዓላት (ብእንግሊዝኛ ጥራይ)
ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፡ እቲ ማእከል ጻውዒት ናብ ናይ ኮቪድ-19 ውጽኢታት መርመራ በሪ የብሉን። ንውጽኢታት መርመራ ወይ ሕቶታት ብኽብረትኩም ንናትኩም ኣቕራቢ ክንክን ጥዕና ተወከስዎ።
“Coronavirus” ዝብል ልኣኹ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ናብ 211211 መታን ኣብ ዝሃለኹም ሃሊኹም ሓበሬታን ዝተሓደሰ ዜናን ክትቅበሉ ኣብ ቴሌፎንኩም። ዝተሓደሰ ሓበሬታ ብሃገር ደረጃ ብዛዕባ ኮቪድ-19 እትረኽብሉ መላግቦታት (ሊንክስ) ክትቅበሉ ኢኹም ናይ ሃገር ምሉእ ዝተሓደሰ ሓበሬታ ከምኡ’ውን ጸጋታት ንስድራ-ቤታት፡ ቢዝነሳት፡ ተምሃሮን ተወሰኽቲ ካልኦትን ዘጠቓልል።
ዚፕ ኮድኩም ልኣኹ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ናብ 438-829 (GET VAX) ኣብ ጥቓኹም ዘለዉ ቦታታት ክታበት ንክትረኽቡ።