WA Notify (ምልክታ ዋሽንግተን) (ብተወሳኺ ዝፍለጥ ከም ምልክታታት ዋሽንግተን) ናብ ናይ ኢድኩም ተሌፎን ክትጽዕንዎ ትኽእሉ ንተጠቀምቲ ብዛዕባ ቃልዕ ኮቪድ-19 ዝሕብር ናይ ነጻ መሳርሒ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ስቱር እዩ፡ ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣይእክብን ወይ ኣየካፍልን እዩ ከምኡ’ውን ናበይ ትኸይድ ከምዘለኻ ኣሰርካ ኣይፈልጥን እዩ።
WA Notify ብኸመይ ናብ ተሌፎነይ ክጽዕኖ ይኽእል፧

ኣብ ሓደ iPhone ዝኾነ ቴለፎን ፡ ን Exposure Notifications ኣብ ሰቲንግስ ክፈትዎ፡
- ናብ ሰቲንግስ ኪዱ
- ናብ Exposure Notifications ውረዱ
- ጠውቕ ኣብቲ “Exposure Notifications ወልዕ”
- United States (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ምረጹ
- Washington ምረጹ
ንኣንድሮይድ ወይ ኣይፎን፡ QR ኮድ ስካን ግብሩ ወይ ን WA Notify ናብ ናይ ኢድ ተሌፎንኩም ወይ ካልእ ተንቀሳቓሲ መሳርሒኹም ጽዓንዎ።

እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ዝሰርሕ፧
ን WA Notify ምስ ከፈትክምዎ፡ ቴለፎንኩም ሃንደበት ብሃውሪ ምስ ናይ ካልኦት ኣብ ጥቖኦም ዘለኹም ንሳቶም’ውን ን WA Notify ዝኸፈትዎ ሰባት ምስ ናቶም ቴለፎናት ስም ዘይብሉ ኮዳት ትቀያየር። እዚ ስርዓት እዚ ነቲ ብሕትውና ንምዕቃብ ዝሕግዝ ናይ ትሑት ሓይሊ ብሉቱዝ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ብዛዕባኻ ዝኾነ ሓበሬታ ከይቃልዐ ነዚ ኮድ እዚ ይጥቀመሉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ዘመዝገበ ካልእ ተጠቃሚ WA Notify ሰብ ጥቓኻ እንተኔሩ ከምኡ’ውን መንነቱ ብምዕቃብ እንድሕር ነቶም ስጉምታት ተኸቲልዎም፡ ንስኻ’ውን መጠንቀቕታ ክበጽሓካ’ዩ። እዚ ንዓኹም ቀልጢፍኩም ዘድልየኩም ክንክን ንክትረኽቡ ከምዘለኩም ክገብረኩም እዩ፡ ከምኡ ድማ ኮቪድ -19 ካብ ምስፍሕፋሕ ክትከላኸሉ ክሕግዘኩም እዩ።
ኣልጎሪዝም እቲ ናይ ቁጽሪ ሕሳብ ብምግባር ነቶም ኣብ ውሑስ ርሕቀት ወይ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝነበሩ ኮቪድ-19 ከመሓላልፉ ዝኽእሉ ምልክታት ንምልላይ እዩ እቲ መጠንቀቕታ ዘየድልየኩም። WA Notify እንተ ተቓሊዕኹም ጥራይ ኢኹም መጠንቀቕታ እትቕበሉ። ስለዚ፡ መጠንቀቕታ እንተዘይተቕቢልኩም፡ ብስራት እዩ።
WA Notify ብልዕሊ 30 ቋንቋታት ክርከብ ይክኣል እዩ።

ከመይ ኢሉ እዩ ናተይ ብሕታውነት ዝሕለው፧
WA Notify ኣብ ጉግል ኣፕል ኤክስፖዠር ኖቲፊኬሽን ቴክኖሎጂ እተመስረተ ኰይኑ፡ እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ንብሕታዊነትኩም ክዕቅብ እተዳለወ እዩ። ኣብ ድሕረባይታ እዩ ዝሰርሕ ብዘይ ዝኾነ ምእካብ ወይ ምቅላዕ ናይ ቦታ ወይ ውልቃዊ ዳታ። WA Notify መን ሙዃንካ ወይ ኣበይ ከምዘለኻ ምፍላጥ ኣየድልዮን እዩ ብውጽኢታዊ ኣገባብ ንክሰርሕ። ውሑድ ዓቐን ብሉቱዝ ጥራይ ብምጥቃም፡ ንባትሪኹም ኣይጸልዎን እዩ።
ተሳታፍነት ጠቕላላ ወለንታዊ እዩ። ተጠቀምቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክኣትዉ ወይ ክወጹ ክመርጹ ይኽእሉ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብኸመይ ናይ ተጠቀምቲ ብሕታውነት ከምዝዕቀብ ንምፍላጥ ርአ ኣብ WA Notify privacy policy።
እቶም መተንባህታታት እንታይ ይመስሉ፧
ክልተ ዓይነት መተንባህታታት ኽወሃበካ ይኽእል እዩ። እቶም ኣወንታዊ መርመራ ዝገብሩ ናይ ጽሑፍ ጥብቆ መልእኽቲ መረጋገጺ ከምኡ’ውን/ወይ ሃንደበት ዝቕልቀል መተንባህታታት ይረኽቡ። WA Notify ተቓሊዕም ክዀኑ ንዝኽእሉ ተጠቀምቲ፡ ናይ ምቅላዕ መተንባህታ ይቕበሉ። ብዛዕባ እዚ መተንባህታታት ዝያዳ ንምፍላጥ ከምኡ’ውን እንታይ ከም ዝመስሉ ርአ።
ብኸመይ WA Notify ይሕግዝ፧
መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ዝያዳ ሰባት ምስ ዝጥቀምሉ ነቲ ናይ ተቓልዖ ሓበሬታ፡ እቲ መኽሰቡ ድማ ብኡ መንጽር ይዓቢ። ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ኣብ ሰለስተ ካውንቲታት ዝተመስረተ ሞዴላት ከምዘመልክቶ ዋላ’ውን ኣብኡ ውሑዳት WA Notify ዝጥቀሙ ሰባት ን መልከፍትን ሞትን የጉድሉ እዮም። ምስ ተኸተብናን ማስክ ምስ ገበርናን ናይ ካልኦት ሰባት ህይወት ከነድሕን ንኽእል። ናይ ብኣካል ዝካየዱ መደባት ኣብ ምፍጻም ኣብ ንቕጽለሉ ዘለና ግዜ፡ WA Notify ተወሳኺ መከላኸሊ ቀጸላ እዩ። ሓደ ክትገብሮ ትኽእል ነገር እዩ ንነብስኻን ካልኦትን ውሑሳት ንምግባር።
ንኻልኦት ብኸመይ ትሕብር እንድሕር ኣብ ናይ ነብሰ-ፈተና ኮቪድ-19 ውጽኢት ኣወንታዊ ውጺት ኣመዝጊብካ
ናይ ነብሰ-መመርመሪ መሳርሒ (ብተወሳኺ ዝፍለጡ ከም ናይ ገዛ መርመሪታት) ዝጥቀሙ ተጠቀምቲ WA Notify መረጋገጺ ኮድ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ን WA Notify ንምሕባር ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ።

ኣብ iPhone፦
- ናብ Settings (ኵነታት) ኪድ ከምኡዉንExposure Notifications (ምልክታታት ምቅላዕ)ዝብል ክፈት።
- “Share a COVID-19 Diagnosis” (ናይ COVID-19 ምርመራ ኣካፍል) ዝብል ምረጽ።
- “Continue” ("ቀጽል") ዝብል ምረጽ።
- እንድሕር ኮድ ናይ ምእታው ምርጫ ርኢኹም፡ “Didn’t get a code? ምረጹ Visit WA State Dept. of Health Website." (ኣብ WA ወብ ሳይት ሃገራዊ ኽፍሊ ውድብ ጥዕና ምብጻሕ ግበር።") ምረጽ። እንድሕር ናትኩም ኮድ ንከተእትዉ ምርጫ ዘይርኣየኩም ኣሎ ኮይኑ፡ ናብቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ኪዱ።
- WA Notify ዝጥቐም ቑጽሪ ተሌፎንካ ናይ መሳሪሒኻ የእቱ ከምኡዉን ዕለት ናይ ኣወንታዊ ምርመራኻ ናይ COVID-19።
- “Continue” ("ቀጽል") ዝብል ምረጽ።

ኣብ ሓደ Android ዝኾነ ቴለፎን
- WA Notify ከፊትካ “Share your test result to help stop the spread of COVID-19” ("ናይ COVID-19 ምዝርጋህ ደው ንምባል ክህግዝ ምእንታን ምርመራ ውጽኢትካ ንካልኦት ኣካፍል") ዝብል ምርጫ ምረጽ።
- “Continue" ("ቀጽል") ዝብል ምረጽ ቐጺልካ “I need a code.” ("ኮድ እደሊይ እየ።") ዝብል ” ምረጽ።
- WA Notify ዝጥቐም ቑጽሪ ተሌፎንካ ናይ መሳሪሒኻ የእቱ ከምኡዉን ዕለት ናይ ኣወንታዊ ምርመራኻ ናይ COVID-19።
- “Send Code” ("ኮድ ለኣኽ") ዝብል ምረጽ።
ንኣንድርዮድ ወይ ኣይፎን፡ ነቲ QR ኮድ ስካን ግበሮ ወይ ናይ መረጋገጺ ኮድ ሕተት እንድሕር ተንቀሳቓሲ መሳርሒ ትጥቀም ሃሊኻ።

ምስቲ ናይ ምርግጋጽ ሊንክካ ናይ ፖፕ-ኣፕ ምልክታ ከምኡ’ውን ብሞባይል ዚለኣኽ መልእኽቲ ኽትቅበል ኢኻ። ነቲ ምልክታ ወይ ነቲ ኣብ መልእኽቲ ዘሎ ሊንክ ብምጥዋቕ ነቲ ኣብ WA Notify ዘሎ ስጕምትታት ብምስዓብ ጥራይ ንኻልኦት ተጠቀምቲ ኸይተቓልዑ ኽተጠንቅቖም ክትክእል ኣለካ።
ኣብ WA Notify ናይ መረጋገጺ ኮድ ክትሓትት ምስ ዘይትኽእል፣ ነቲ ናይ መንግስቲ ናይ COVID-19 ቐጥታቐጥታ መስመር ክትድዉል ኣለካ፣ 1-800-525-0127፣ ቐጺልካ ነዚ ምልክት # ብምጥዋቕ ነቶም ሰራትተኛታት ናይ ቐጥታ መሰመር ናይ WA Notify ተጠቓማይ ምዃንካ ሓብሮም። እቶም ናይ ቐጥታቐጥታ መስመር ሰራሕተኛታት ንኻልት ናይ WA Notify ተጠቐምቲ ተቓሊዖም ክኾኑ ዝኽእሉ ከተጠንቕቐሉ እትኽእል ናይ መረጋገጺ ሊንክ ክህብኹም እዮም።
ብኸመይ ናይ ነብሰ መርመራ ኮቪድ-19 ውጽኢትካ ትሕብር
ናይ ነብሰ-መርመራ መሳርሒ ዝጥቀሙ ሰባት (ብተወሳኺ ዝፍለጡ ከም ናይ ገዛ መመርመሪ) ከምኡ’ውን ኣወንታዊ ውጽኢት ምስ ዘመዝግቡ ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም ናብ Department of Health (DOH, ክፍሊ ጥዕና ዋሽንግተን)፡ ካብቲ ናይ WA Notify መዘውተር ወጻኢ። ንህሉው መምርሒ ብዛዕባ ምሕባር ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ተወከስ ን DOH መርመራ ኮቪድ-19 ገጽ።
ናይ ነጻ ናይ ነብሰ-መርመራ መሳርሒ ክርከቡ ይክኣሉ እዮም ኣብ Say Yes! COVID Test (ሰይ የስ! መርመራ ኮቪድ)።
ተወሳኺ መምርሒ ክርከብ ይክኣል እዩ ኣብ ናይ DOH ጸጋ እንታይ ክትገብር ኣለካ እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ኣመዝጊብካ።
ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፡ WA Notify ናይ ምቅላዕ መሐበሪ መሳርሒ ኢዩ። ተጠቀምቲ ናቶም ውጽኢት ናብ DOH ንክሕብሩ ኣይኮነን ተነዲፉ። ውጽኢታት ምሕባር ናብ DOH ካብ ናይ WA Notify ስርዓተ መዘውተር ወጻኢ እዩ።
ንምንታይ እዮም ንክልቲኦም ናይ ርክባት መድለይን WA Notify ዘድልዩና?
ናይ ርክባት መድለዪ ን ዓሰርተታት ዓመታት ውጺኢታዊ ህዝባዊ ናይ ጥዕና ሞንጎኛ ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ። WA Notify ነዚ ስራሕ ብስቱር ስም ይድግፍ። ኣብ’ዚ ኣብነት ኣሎ፡ እንተድኣ ተመርሚርኩም ብ ኮቪድ-19 ተለኺፍኩም ወይ ፖዝቲቭ ኮንኩም፡ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ሰብ መዚ ክጽውዕኹምን ከምኡ ድማ ናይ ቀረባ ግዜ ጥቡቕ ርክባትኩም ክሓትኹም ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣውቶቡስ ኣብ ጥቑኡ ኮፍ ዝበልኩሞ ዘይትፈልጥዎ ሰብ ስሙ ክትፈልጥዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ክልቴኹም ተጠቀምቲ WA Notify እንተ ድኣ ዄንኩም፡ እቲ ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበረ ሰብ፡ ስም ብዘይ ምጥቃስ ብዛዕባ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ምቅላዕ መጠንቀቕታ ይረክብ ከምኡ’ውን ንፈተውቶምን ንስድራ ቤቶምን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ስጕምቲ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ ከም ክታበታትን ማስክ ምልባስን፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ደው ክብል ይሕግዙ፡ ብሓባር እውን ዝያዳ ውጽኢታውያን እዮም።
ምጥቃም WA Notify ክቕጽሎ ኣለኒዶ ወይ ሕጂ ከጥፍኦ፧
ኩሉ ሰብ ን WA Notify ንጡፍ ጌርዎን ከየጥፍኦን ክጸንሕ ነተባብዕ። እገዳታት እኮ እንተዘለቑን ንጥፈታት ድማ ናብ ንቡር ተመሊሶም ይቕጽሉ እንተሃለዉ፡ ግን WA Notify እቲ ዝቐለለ ኣገባብ ናይ መከላኸሊ ቀጸላ ክትጥቀመሉ ትኽእል እዩ።
የድልየኒ ድዩ WA Notify ተኸቲበ እንተ ጸኒሐ፧
እወ! ክፍለ ሃገር ዋሽንግተን ንገለ ግዜ ምስ ኮቪድ-19 ክትቃለስ እያ። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ብዙሕ ነገራት ንምሃር ኣለና፡ ንኣብነት እቶም ክታበታት ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ውጽኢታውያን ሙዃኖም ከምኡ’ውን ነቶም ካልኦት ዓይነት ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል ዓቕሞምን። ዋላ’ኳ እቲ ተኽእሎ ዝነኣሰ እንተኾነ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ውልቀ-ሰባት ግን ገና ኮቪድ-19 ክሕዞምን ክመሓላሉፉ ከምዝኽእሉን ንፈልጥ ኢና። ብተወሳኺ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተኸትቡ ሰባት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና። በዞም ምኽንያታት ድማ ንኩሎም ነበርቲ ዋሽንግተን ፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ደው ንምባል ንምሕጋዝ WA Notify ኣብ ተሌፎንኩም ኣስርሕዎ።
ብዛዕባ ናይ WA Notify (ሓበሬታ ዋሽንግተን) ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍ ክትሕግዙ ትደልዩዶ፧
ተመልከቱ ንናትና ከረጺት ናውቲ WA Notify ንናይ ማሕበራዊ ሜድያ መልእኽቲ ጽሑፍ፣ ፖስተራት፣ መርኣያታት ናይ ሬድዮን ቲቪን መወናወኒታት፣ ከምኡ’ውን ካልእ። ብተወሳኺ ንመሓዙትካን ስድራ-ቤትካን ንገሮም። ዝያዳ ሰባት ምስ ዝጥቀምሉ ን WA Notify፡ ዝሓሸ ይኾውን ኣብ ምክልኻል ንነብስኻን እቲ ኮምን።
ካልኦት ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት፧
- ነታ እተቓላዕኩላ ዕለት ብኸመይ ኣብ WA Notifyክረኽባ እኽእል?
-
ኣብ iPhone፦
- ናብ Settings (ኵነታት) ኪድ
- Exposure Notifications (ምልክታታት ምቅላዕ) ምረጽ ወይ ናብቲ ናይ ኣለሻ ባር Exposure Notifications (ምልክታታት ምቅላዕ) ኢልካ ኣእቱ
- ናትካ ገምጋም ዕለተ ተቓልዖኻ ክርእይ እዩ ኣብ ትሕቲ “You may have been exposed to COVID-19”(ናብ ኮቪድ-19 ተቓሊዕካ ኔርካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ)
ኣብ Android፦
- ነቲ ናይ WA Notify ኣፕሊከይሽን ክፈቶ
- See Details (ዝርዝራት ርአይ) ኣብ ትሕቲ "Possible exposure reported (ዝተሓበረ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ምቅላዕ)" ዝብል ምረጽ
- ናትካ ገምጋም ዕለተ ተቓልዖኻ ክርአይ እዩ ኣብ ትሕቲ “Possible Exposure Date (ክኾውን ዝኽእል ዕለተ ተቓልዖ)”
-
ኣነ መተንባህባ ተቐቢለ ከምኡ’ውን ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ካብ Washington State Department of Health (DOH, ክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ዋሽንግተን)። ስለምንታይ
-
DOH ናይ ጽሑፍ መልእኽት ከምኡ’ውን/ወይ ሃንደበት ዝቕልቀል መተንባህታታት ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ንኮቪድ-19 ኣወንታዊ መርመራ ዝገበሩ ሰባት ይሰደድ፡ እዚ ድማ ነቶም ናይ WA Notify ተጠቐምቲ ብቕልጡፍ ከምኡ’ውን ስም ብዘይጠቕስ መጠንቀቕታ ንኻልኦት ተጠቀምቲ ብዛዕባ ተኽእሎ ተቓላዕነት የጠንቅቕ። ብዛዕባ እዚ መተንባህታታት ዝያዳ ንምፍላጥ ከምኡ’ውን እንታይ ከም ዝመስሉ ርአ።
ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን ሓበሬታን ክልቲኡ እንተበጺሕካ፡ ነቲ ሓበሬታ ጥራይ ወይ ነቲ መላግቦ ዝርከብ ኣብ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ጠውቕ ከምኡ’ውን ነቶም ስጉምታት WA Notify ተኸተል መንነትካ ብዘይምቅላዕ ንኻልኦት ተጠቀምቲ ብዛዕባ ክቃልዑ ዝኽእሉ ንምጥንቃቕ።
-
ሓበሬታ መጺኡኒ ብዛዕባ ምብርካት ናይ WA Notify ዳታይ ናብ ጥዕና ህዝቢ። ስለምንታይ፧
-
DOH ክሳብ ክንደይ WA Notify ጽቡቕ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፈልጥ ይደሊ እዩ መታን ኣድላዪ ምምሕያሻት ክግበረሉ። እንድሕር ፍቓደኛ ኮይንካ ከተካፍል ናይ WA Notify ዳታኻ፡ ብሕትናኻ ብምሉእ ዝተሓለወ ኢዩ። ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣይውሰድን ወይ ኣይካፈልን ኢዩ ከምኡ’ውን ንስኻ ሙዃንካ እትልለየሉ መገዲ የለን። DOH ጥራይ ኢዮም በሪ ዘለዎም ናብቲ ዳታ ከምኡ’ውን ንሱ ከማን ኣብቲ ብደረጃ ክፍለሃገር ጥራይ ኢዩ።
-
እንድሕር ተጠቀምቲ WA Notify ናቶም ዳታ ክንከካፍሉ ኣፍቂዶም፡ እንታይ ኢዩ ዝኣከብ፧
-
እንድሕር ፍቓደኛ ኮይንካ ከተካፍል ዳታኻ፡ ብሕትናኻ ብምሉእ ዝተሓለወ ኢዩ። ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣይውሰድን ወይ ኣይካፈልን ኢዩ፡ ስለዚ ንስኻ ሙዃንካ እትልለየሉ መገዲ የለን። DOH ጥራይ እዩ ነዚ ዳታ ናይ ደረጃ ሃገር ክርእዮ ዝኽእል፡ ንሱ ድማ የጠቓልል፡
- ቁጽሪ ሰባት ዘፍቅዱ ንከካፍሉ ናቶም ዳታ ካብ WA Notify። እዚ ድማ ይሕግዘና ኣብ ምፍላጥ ክሳብ ክንደይ ናትና ቅምሶ ወካሊ ሙዃኑ።
- ብዝሒ ናይ Exposure Notifications ዝተቐበሉ ብ WA Notify ተጠቀምቲ። እዚ ድማ ይሕግዘና ንምርኣይ እቶም ቅድታት ምልባዕ ኮቪድ-19።
- ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓበሬታ ተቓልዖ ዝጥውቑ ሰባት። እዚ ድማ ይሕግዘና ኣብ ምድህሳስ ክሳብ ክንድምንታይ ትምኒት ከምዘለዎም ሰባት ንምሕጽንታታት ጥዕና ህዝቢ ኣብ ግምት ንከእትዉ።
- ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጥቓ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ዝነበሩ፡ ግን ከኣ እኹል ቅርበት ዘይነበሮም ወይ ብዛዕባ`ቲ ተቓልዖ ንክሕበሩ እኹል ግዜ ኣብ ዘይነበረ። እዚ ድማ ይሕግዘና ኣብ ምምዝዛን እቲ ኣልጎሪዝም ዝውስን ተቓልዖ ኣብ WA Notify ክስተኻኸል ዘለዎን ዘይብሉን።
-
ምስ ኣስራሕክዎ WA Notify ኣብ iPhone ናተይ፡ ነቲ ናይ"Availability Alerts (ዘሎ መጠንቐቕታታት)" መልጎም ውሉዕ ወይ ጥፉእ ክገብሮ አለኒ ድዩ፧
-
ጥፉእ ክኸውን ጽቡቕ እዩ። ዋላኳ ካብ ግዝኣት ዋሽንግተን ወጻኢ ንነዊሕ እዋን እንተ ተጐዓዝኩም፡ ውሉዕ ክትገብርዎ/ክትቅይዎ እዩ ዝምዕዱ። ናይ Availability Alerts (ሓበሬታ ቅሩብነት) ተወሊዑ ኣብ ዝህልወሉ፡ ናብ ካልእ ቦታ ተንቀሳቒስካ ከለኻ ሓበሬታ ተቓልዖ ክመጻካ ይኽእል ኢዩ ከም ናይ መሳርሒ WA Notify። እንድሕር ኣይፎን ኣላትካ፡ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክትውስኽ ትኽእል ኢኻ ግን ሓደ ቦታ እዩ ንጡፍ ዝኾውን ኣብ ሓደ ግዜ። ሓደ ዞባ ክትድምስስ ኣየድልየካን ኢዩ ካልእ ዞባ ንምምራጽ። ኣንድሮይድ ቴሌፎን እንተ ኣልዩካ፡ ከም WA Notify ካብ ብዙሕ ግዝኣታት ናይ ምቅላዕ መሐበሪ መዘውተር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፡ ምስ WA Notify ዝቃዶ ቴክኖሎጂ ዝጥቀም ሓደ መዘውተር ጥራይ እዩ ኣብ ሓደ እዋን ንጡፍ ክኸውን ዝኽእል።
-
ኣነ WA Notify ክጥቀም ክመርጽ ክኣቱ ኣሎኒ ድዩ፧
-
እወ። ምጥቃም WA Notify ነጻን ወለንታውን እዩ። ኣብ ዝኾነ ግዜ ክትወጹ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ንምግባር፡ ነቲ ናይ ኣይፎን መማርጺ ኣጥፍኣዮ ወይ ደምስሳ ካብ መዘውተሪ ኣብ ኣንድሮይድ ተሌፎን። ሓንሳብ ምስ ወጻኻ፡ ኩሉ ሓበሬታ ተኸዚኑ ዝነበረ ካብ ናይ ቀረባ ተጠቀምቲ ክድምሰስ’ዩ ከምኡ’ውን ዳግማይ ክርከብ ኣይክኣልን’ዩ።
-
WA Notify ናይ ርክብ መድለዪ ኣፕ ድዩ፧
-
ኣይፋልን። WA Notify ኣይከታተልካን እዩ ናትካ ምንቅስቓሳት ወይ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ጥቓኻ ዝነበሩ ሰባት ኣይደልን’ዩ፡ ስለዚ ናይ “ምድላይ ሰባት” ስራሓት ኣይገብርን’ዩ። ምከትታል ነቲ ሰብ ከም ዝኾነ ሰብ ምስ ናይ ኮቪድ-19 ኣወንታዊ ምርመራ ዘርኣየ ሰብ ዝተቓልዐ ጌሩ የርእይ። እቲ መሳርሒ ኣይእክብን ወይ ኣይልውጥን እዩ ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ስለዚ ዝኾነ ሰብ ክፈልጥ ምስ መን ከምዝተራኸብካ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
-
“ተቓላዕነት” እንታይ እዩ፧ተቓላዕነት፡
-
ተቓልዖ ዘጋጥም እንድሕር ገለ ግዜ ኣሕሊፍካ ኣብ ጥቓ ካልእ ተጠቃሚ WA Notify ጸኒሑ ድማ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19 ከምዘመዝገበ ዝሕብር እዩ። ሓደ ምቕላዕ ንምዉሳን፣ WA Notify ካብቶም ኣብ ዉሑስ ርሕቐት ዝበሩ ወይ ንሓጺር ግዜ ዝነበሩ ክትሕብሮም ዘይድልየካ ኩነታት ናብ COVID-19 ክቕየር ዝኽእል ንምልላይ ኣልጎሪዝም ይጥቀም እዩ። WA Notify ምስ ካልእ ተጠቓማይ ዝነበረካ ርክብ ቐረባ ከምኡዉን ነዊሕ ምስ ዝነበር ምስቲ DOH ናይ ኮቪድ-19 ምትሕልላፍ ሓደገኛ ኢሉ ዝኣምነሉ ኩነታት ዘማልእ ምስ ዝነበር ጥራይ እዩ WA Notify ምልክት ናይ ምቕላዕ ዝሰደልካ። እቲ ኣልጎሪዝም ብሰበስልጣን ህዝባዊ ጥዕና ክስተኻኸል ይኽእል ኢዩ።
-
WA Notify እንተድኣ ኣነ ከምዝተቓላዕኩ ነጊሩኒ እንታይ የጋጥም፧
-
እንተዳኣ WA Notify ተቓሊዕኩም ኔርኩም ከይትኾኑ ኣለልይኩም፡ ኣብ ሞባይልኩም ዘሎ መሕበሪ ብዛዕባ ቀጺልኩም እንታይ ክትገብሩ ኣለኩም ናብ መርበብ ሓበሬታ ክመርሓኩም እዩ። እዚ ኸኣ ከመይን ኣበይን ክትምርመሩ ኣለኩም፡ ብዛዕባ ምሕላው ገዛእርእስኹምን ኣብ ጥቓኹም ዘለዉን ከምኡ ድማ ሕቶታኩም ንምምላስ ምንጭታት የጠቓልል። ኣብ’ቲ መርበብ ሓበሬታ ዘለዉ መምርሒታት ከተንብብዎምን ክትክተልዎምን ኣገዳሲ እዩ።
-
እንተድኣ ኣነ ኮቪድ-19 ከምዘሎኒ ወይ ፖዝቲቭ ሙዃነይ ተመርሚረ ሰባት ክፈልጡ ድዮም፧
-
ኣይፋል። WA Notify ብዛዕባኹም ዝኾነ ሓበሬታ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ኣይህብን እዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ምቅላዕ ሓበሬታ ምስ ዝረክብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ጥቕኡ ዝነበሩ ሰባት ንኮቪድ-19 ኣወንታዊ መርመራ ከም ዝገበሩሉ ጥራይ እዮም ዝፈልጡ። እቲ ሰብ መን ሙዃኑ ወይ ኣበይ እቲ ተቓልዖ ከምዘጋጠመ ኣይክፈልጡን እዮም።
-
ን WA Notify ክኸፍል ኣሎኒ ድዩ፧
-
ኣይፋል። WA Notify ናጻ እዩ።
-
ከመይ ጌሩ እዩ WA Notify ንግዝኣት ዋሽንግተን ይሕግዛ፧
-
ሓደ መጽናዕቲ ብ University of Washington (ብቋንቋ እንግሊዝኛ ጥራይ) ዝያዳ ሰባት ነቲ ናይ ምቅላዕ ሓበሬታ ምስ ዝጥቀምሉ ዝያዳ ኣድማዒ ሙዃኑ ገሊጹ። ውጽኢት እዚ ድማ WA Notify ብገምጋም 40-115 ህይወት ኣድሒኑ እዩ፡ ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ጥቕሚ ካብ ዝውዕል ድማ ኣስታት 5,500 ኮቪድ-19 ከልኪሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሞዴላት ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ፡ ዋላ ውሑዳት ሰባት WA Notify ምስ ዝጥቀሙ፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19ን ሞትን ከም ዝኾንኪ፡ እዚ ድማ WA Notify ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝሕግዝ ብሉጽ መሳርሒ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።
-
ካብ ስተይት እንተድኣ ወጺኤ WA Notify ይሰርሕዶ፧
-
እወ። ናብ ተመሳሰሊ ቴክኖሎጂ ናይ ኣፕፕሊኬሽን ናይ ጎጉል/ኣፕል እትጥቐም (እንግሊዘኛ ጥራይ) ሃገር ምስ እትኸይድ፣ ተሌፎንካ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተጠቐምቲ ናይ ሃዉሪ ኮድ ምቕይያር ክትቕጽል እያ። ዝኾነ ኣብ ናይ ኢድ ተሌፎንኩም ሰቲንግስ ዝቀያየር ነገር የለን። ንነዊሕ እዋን ካብ ዋሽንግተን እንተድኣ ወጺእኩም፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዘለኹሞ ስተይት ናይ’ቲ ቦታ ደገፍን መጠንቀቕታን ንምርካብ ኣማራጺታት ከተናድዩ ኣለኩም።
-
WA Notify ንካልኦት ተጠቀምቲ ንክሕብር ክንደይ ግዜ ይወስደሉ፧
-
ብኻልእ ተጠቃሚ ንሕማም ኮቪድ-19 ተቓሊዖም ክዀኑ ዝኽእሉ ተጠቀምቲ እቲ ኣወንታዊ ውጽኢት ኮቪድ- ዘለዎ ተጠቃሚ ድሕሪ ስጉምታት WA Notify ምኽታሉ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት መተንባህታ ክግበረሎም እዩ፡ ንኻልኦት ተጠቀምቲ WA Notify ስም ብዘይ ምጥቃስ ንምጥንቃቕ።
-
ካብ WA Notify ብዙሕ መጠንቀቕታታት ክትቅበል ይክኣል ድዩ፧
-
ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ዘመዝግቡ ሰባት ክልቲኡ ናይ ክቕበሉ ይኽእሉ። ብተደጋጋሚ ተቓሊዖም ዘነብሩ ተጠቀምቲ ክሕበሩ እዮም ናይ ነፍስ-ወከፍ ሓድሽ ተቓልዖ።
-
ን WA Notify ከመይ ጌረ እየ እንተድኣ ብ ኮቪድ- ከምዝተለኸፍኩ ዝሕብራ፧
-
እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊብካ፡ ሓደ ሰብ ካብ DOH ወይ ካብ ናይ ከባቢኻ ክፍሊ ጥዕና ክመጹኻ ኢዮም ከምኡ’ውን ክሓቱኻዮም ትጥቀም እንተኾይንካ WA Notify። ትጥቐመሉ ምስ ትህሉ፣ ናይ መረጋገጺ ሊንክ ከምኡ’ውን/ወይ መልእኽቲ ክልእኩልኩም እዮም፡ ናብ WA Notify ንምእታው ዘድሊ ስጕምትታት ንኽትክተሉ ድማ ክሕግዙኹም እዮም። እቲ መላግቦ ወይ ሓበሬታ ምስ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ምትሕሓዝ የብሉን። DOH ብተወሳኺ ይሰድድ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምኡ’ውን/ወይ ሓበሬታ ናብ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ዘመዝገቡ ሰባት።
DOH ክፈልጥ ኣለዎ መን ከምዝቕበል ሓበሬታ ተቓልዖ ካብ WA Notify ነቶም ስጉምታት ብምኽታል። እቲ ናይ ምቅላዕ መተንባህታ ብዛዕባኻ ዝኾነ ሓበሬታ ኣየጠቓልልን እዩ። ዝያዳ ሰባት ሽሞም ከይጠቐሱ ውጽኢቶም ብ WA Notify እንተኣረጋጊጾም፣ ንምስፍሕፋሕ COVID-19 ብዝሓሸ ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና።
እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት ኣምጺኻን መንነትካ ከይተቓልዐ ውጽኢትካ ክትሸርዎ ምስ ትደሊ ኣብ WA Notify ተወከስ ንክፋል “ብኸመይ ንካልኦት ትሕብር እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ኣመዝጊብካ” ኣብ ላዕሊ ናይዚ ገጽ ፡ መረጋገጺ ኮድ መንነትካ ብዘይ ምግላጽ ክትሕብር ተደሊኻ ንተጠቀምቲ WA Notify ብዛዕባ ተኽእሎ ተቓልዖ።
-
WA Notify ናብ ሞባይለይ ድሕሪ ምእታው ዝኾነ ክገብሮ ዘድልየኒ ኣሎ ድዩ፧
-
ተወሳኺ ስጉምቲ ዘድሊ እንተድኣ፡-
-
ን COVID-19 ኣወንታዊ ዉጺኢት ምስ ዝህልወኩም፣ ወይ
-
ተለኺፍኩም ክትኮኑ ከምትኽእሉ ዝሕብር ሓበሬታ እንተዳኣ ተቐቢልኩም።
ኣወንታዊ ውጽኢት እንተ ኣመዝጊብካ፡ ካብ DOH ወይ ካብ ናይ ከባቢኻ በዓል መዚ ጥዕና ዝመጸ ሰብ ክሓተካ እዩ ትጥቀም ተኾንካ WA Notify። ትጥቐመሉ ምስ ትህሉ፣ ናይ መረጋገጺ ሊንክ ከምኡ’ውን/ወይ መልእኽቲ ክልእኩልኩም እዮም፡ ናብ WA Notify ንምእታው ዘድሊ ስጕምትታት ንኽትክተሉ ድማ ክሕግዙኹም እዮም። እቲ ሊንክ ወይ መመልከቲ ሓበሬታ ምስ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ኣይተኣሳሰርን እዩ። እቲ DOH ብዛዕባ ምቕላዕ በቲ ኣፕሊኬሽን ኣቢሉ መን ክሕበር ከምዝኽእል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ። እቲ ናይ ምቅላዕ መተንባህታ ብዛዕባኻ ዝኾነ ሓበሬታ ኣየጠቓልልን እዩ። ዝያዳ ሰባት ሽሞም ከይጠቐሱ ውጽኢቶም ብ WA Notify እንተኣረጋጊጾም፣ ንምስፍሕፋሕ COVID-19 ብዝሓሸ ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና።
እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊብካ ከምኡ’ውን መረጋገጺ ኮድ ምስዝህልወካ፡ ተወከስ ኣብ ላዕሊ ክፋል ናይዚ ገጽ ዝርከብ “ብኸመይ ንካልኦት ትሕብር እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ ኮቪድ-19” ንምሕታት መረጋገጺ ኮድ መንነትካ ብዘይ ምጥቃስን ንካልኦት ተጠቀምቲ WA Notify ንምሕባር ብዛዕባ ተኽእሎ ተቓልዖ።
-
-
WA Notify ምጥቃም ናተይ ባተሪ ይውድኦ ድዩ ወይ ብዙሕ ዳታ ይወስድ ድዩ፧
-
ኣይፋል። Bluetooth Low Energy technology ብምጥቃም ኣብ ባተሪኹምን ዳታኹምን ውሑድ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ኮይኑ እዩ ተሃንዲሱ።
- ስለምንታይ ኢዩ WA Notify ቡዙሕ ባትሪ ዝጥቀም ዝመስል፧
-
ብልክዕ፡ ክኾውን ብዙሕ ተኽእሎ የለን። እቲ ኣብ መሳርሒኻ ዝርከብ ተጠቃምነት ባትሪ፡ ነፍስ-ወከፍ መዓልቲ መተግበርታት ከም በዓል WA Notify ክንደይ ሚእታዊት ናይ ባትሪ ከምዝተጠቀሙ የርኢ። ዝበዝሑ መዘውተራት (ኣፕስ) ከምኡ’ውን መሳርሒታት ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ኣይሓድርን እዩ። ዋላ WA Notify ከማን ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ሰዓታት ምስ ኣወንታዊ ተጠቃሚ ብምርኻብ፡ ኣብ ዝኾነ ወጻኢታት ከጠንቅቐካ ስለዝኽእል፡ ብሃውሪ ኮዳት የረጋግጽ። ስለዚ ንኣብነት፡ ዝኾነ ካልእ መተግበሪ እንድሕር ዘይሰርሕ ኮይኑ ንስኻ ኣብ እትድቅሰሉ፡ WA Notify ልዑል መጠን ሚእታዊት ናይቲ ኣብቲ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ባትሪ ከርኢ ኢዩ። እዚ ማለት ግን WA Notify ብዙሕ ባትሪ ይጥቀም ማለት ኣይኮነን - እቲ ዝለዓለ ሚእታዊት ናይቲ ዝነኣሰ መጠን ናይ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሊ ባትሪ ጥራይ።
-
WA Notify ንክሰርሕ ን Bluetooth ክኸፍቶ የድልየኒ ድዩ፧
-
እወ። WA Notify ንክሰርሕ ን ውሑድ ጽዓት ዘለዎ ናይ Bluetooth ተክኖሎጂ ይጥቀም፡ ስለዚ Bluetooth ንኻልኦት ኣብ ጥቓኩም ዘለው ተጠቀምቲ መታን ኣለልዩ ክረኽቦም ኩሉግዜ ክኽፈት ኣለዎ።
-
WA Notify ንክሰርሕ ኣብ ሞባይለይ ክኸፍቶ የድልየኒ ድዩ፧
-
ኣይፋል። WA Notify ኣብ ድሕረባይታ ክሰርሕ እዩ።
-
WA Notify ይድገፍ ዲዩ ብናይ ቅድም ምዕቡላት ተሌፎን፧
-
ተጠቀምቲ iPhone WA Notify ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እንድሕር፡ እንድሕር እቲ operating system (ስርዓተ-መመስርሒ) ኮይኑ፥
- iOS ዓይነት 13.7 ወይ ልዕሊኡ (ንiPhone 6s፡ 6s Plus፡ SE ወይ ዝሓደሰት)
- iOS ዓይነት 12.5 (ንiPhone 6፡ 6 plus፡ 5s)
እንተድኣ ናትኩም ናይ Android (ኣንድሮይድ) ምዕብልቲ ተሌፎን ንBluetooth Low Energy ከምኡ’ውን Android Version 6 (API 23) ወይ ልዕሊኡ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ናይ Android (ኣንድሮይድ) ተጠቀምቲ WA Notify ክጥቀሙ ይኽእሉ፡
-
WA Notify ንምጥቃም 18 ዝዕድመይ ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧
-
ኣይፋል። WA Notify ዕድሜኹም ኣይፈልጦን ወይ ኣይፍትሾን እዩ።
-
ቴለፎን ምስ ካልእ ሰብ እንተድኣ ብሓባር ተጠቒመ እዚ ተክኖሎጂ ይሰርሕዶ፧
-
WA Notify ኣብ እዋን ከጋጥም ዝኽእል ተቓላዕነት መን እዩ ነታ ቴለፎን ዝጥቀመላ ኔሩ ክሕብር ኣይክእልን እዩ። ቴለፎን እንተድኣ ብሓባር ተጠቒምኩም፡ እሞ እንተድኣ WA Notify ክኸውን ዝክእል ምቅላዕ ናብ ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ዝኾነ ነታ ቴለፎን ዝጥቀም ናይ ህዝባዊ ጥዕና መምርሒታት ክኽተል የድሊ፡
- ኣነ መተንባህባ ተቐቢለ ከምኡ’ውን ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እንተኾነ እቲ ኣወንታዊ ውጽኢት ዘርኣየ ቤተሰበይ ወይ ኣባል ቤተይ እዩ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?
-
ስድራቤትኻ ወይ ምሳኻ ዝነብሩ ሰባት ተጠቃሚ WA Notify እንተኾይኖም፡ ኣወንታዊ ውጽኢት እንተዳኣ ኣመዝጊቦም፡ ግን እንተኾነ ውጽኢት ኣብ ከረጋግጹ ምስ ዝህልዎም WA Notify፡ ክኽተሉ ኣለዎም ነቶም ስጉምታት ዝርክቡ ኣብ “ብኸመይ ንካልኦት ትሕብር እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ ኮቪድ-19” ክፋል ናይዚ ገጽ።
-
WA Notify ኣብ ከም ኣይፓዳት ወይ ምዕቡላት ሰዓታት ዝኣመሰሉ መሳርሒታ ይሰርሕዶ፧
-
ኣይፋልን። እቲ ናይ ተቓልዖ ሓበሬታ ስርዓት ብፍላይ ንስማርትፎን ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ ኣብ ኣይፓድ ወይ ታብለታት ዝተደገፈ ኣይኮነን።
-
ግዝኣት ዋሽንግተን ነቶም ምዕቡላት ቴለፎናት ዘይብሎም ነዚ ተክነሎጂ ክጥቀሙ ንክኽእሉ እንታይ ትገብር ኣላ፧
-
ምስፍሕፋሕ ኮቪድ -19 ንምክልኻል WA Notify እቲ እንኮ መሳርሒ ኣይኮነን። ናይ ርክብ ምድላይን ካልኦት ጻዕርታት ንነፍሲ-ወከፍ ተቐማጢ ዋሽንግተን የርብሑ፡ እዚ ከኣ ዋላ’ውን ምዕቡል ቴለፎን ኣይሃልዎም። ክታበታት ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ደው ንምባል ዝሕግዝ ዝበለጸ መገዲ እዩ፡ ማስክ ምግባርን፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ፡ ከምኡ’ውን ዓቐን ምትእኽኻብ ምውሳንን ካልእ ኩሉ ሰብ ንለበዳ ኮቪድ-19 ደው ንምባል ዘኽእል መገዲ እዩ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ Lifeline program (ናይ ህይወት መድሕን ፕሮግራም) ነቶም ዝበቕዑ ወርሓዊ ናይ ተሌፎን ክፍሊት ይህቦም እዩ። ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ገመድ-ኣልቦ ወሃብቲ ኣገልግሎት’ውን ናጻ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ መደብ ዝያዳ ንምፍላጥ፡ መን ከምዝበቅዕ፡ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕልን ከም ዝሳተፍን ገመድ-ኣልቦ ወሃብቲ ኣገልግሎት (እንግሊዝኛ ጥራይ)።
-
ዋሽንግተን ን WA Notify ብልዕሊ 30 ቋንቋታት ይዝርግሕ፡ ስለዚ ስለምንታይ እየ ኣብ Google Play store ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ጥራይ ዝርእዮ፧
-
WA Notify ይሰርሕ በቲ ናይታ ተለፎን ትዓየሉ ቋንቋ ብምምርኳስ። ሓደ ዓይነት WA Notify ጥራይ ኣሎ፡ ግን ዝኾነ ተበታኒ (ሓበሬታ ተቓልዖ)፡ ንኣብነት - ናይ ምቅላዕ መሐበሪ - ካብቶም 30 ቛንቛታት በቲ እቲ ተጠቃሚ ዝደልዮ ይመጽእ።
-
ክንደይ ግዜ እዩ ዘለኒ ነቲ መተንባህታ ወይ ነቲ ናይ መረጋገጺ ጥብቆ ንጡፍ ንኽገብሮ፧
-
ድሕሪ ሓበሬታ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምቕባልካ ነቶም ንካልኦት ሰባት ንምሕባር ክትክተሎም ዘለካ ስጉምታት ኣብ WA Notify ንምውሳድ 24 ሰዓታት ኣለካ። እንድሕር ነቲ ሓበሬታ ወይ መረጋገጺ ክትጥውቖ ዘይከኣልካ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግዜ፡ መረጋገጺ ኮድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ኣብ WA Notify ብምኽታል ነቶም ስጉምታት “ብኸመይ ንካልኦት ትሕብር እንድሕር ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊብካ ኣብ ናይ ነብሰ-መርመራ ኮቪድ-19” ክፋል ናይዚ ገጽ። ከምኡ'ውን ካብ DOH ወይ ካብ ከባቢኻ ናይ ጥዕና በዓል መዚ ብዛዕባ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ዝኾነ ሰብ ናባኻ ምስ ዝበጽሕ ፡ ናይ መረጋገጺ መላገቢ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
-
ንምንታይ እያ ዋሽንግተን ነዚ ፍታሕ መሪጻ፧
-
ዋሽንግተን ናይ መንግስቲ ናይ ሓለዋ ጉጅለ ኣቚማ፡ ናይ ጸጥታውን ሲቪላዊን መሰላት ክኢላታት ከምኡ’ውን ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣባላት ነቲ ናይ ጉግል/ኣፕል ምቅላዕ መሐበሪ ስርዓት ደጊማቶ። እቶም ጉጅለ ኣብቲ ናይቲ መድረኽ ዝተመስከረሉ ተኣማንነት፡ ተሪር ዕቃበ ዳታ ከምኡ’ውን ተጠቃምነት ብካልኦት ክፍለሃገራት ኣብ ዝተሞርከሰ ምትእትታው/ምልምማድ እዮም ዝመኽሩ።