ሓድሽ ተመገቡ! ናይ ውሽጢ ዓዲ ግዝኡ! ሓረስቶት ሓግዙ!
ናይ ሓረስቶት ዕዳጋ ጥቕምታቶም ምጥቃም
- ብ QR ኮድካ ኣብ ፍቓድ ዘለዎም ዕዳጋታት ሓረስቶትን ድኳናት ሕርሻን ናይ ሓረስቶት ዕዳጋ ረብሓታት ተጠቐም።
- QR ኮድካ ኣብ ናይ WIC ወይ SFMNP ካርድኻ ወይ ኣብቲ መተግበሪ ረኸቦ።
- ምስ ጥቕምታት ዝኾነ ይኹን ለውጢ ወይ ቶከን ኣይወሃብን እዩ።
- Grower ነቲ QR ኮድ ስካን ብምግባር መጠን ዕድጊ ከእቱ እዩ።
- መጠን ገንዘብ ኣረጋግጽ እሞ PIN ካ ኣእቱ
- ዝጠፍአ ወይ ዝተሰርቀ ካርድ ምስ QR ኮድ ናብቲ ጥቕምታት ዝሃበኩም ትካል ክሕብሩ ይግባእ።
- ነቲ ካብ 1 ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ እትረኽቦጥቕምታትክጥቀሙሉ ኣለዎም።
እንታይ ክትገዝእ ትኽእል ኣብ? ዕዳጋ ሓረስቶት ጥቕምታት?
ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ፣ ፍሩታታትን ዘይተመስርሑን ፍረታት፣ ኣሕምልትን ዝተቖርጹ ኣትክልትን ካብ ዕዳጋ ሓረስቶትኩም ግዝኡ ናይ ኣብ ዋሽንግተንን ኣብ ዶባዊ ኣውራጃታት ኣይዳሆን ኦሪገንን ዝበቖሉ ጥቕምታት። ብናይ ሓረስቶት ዕዳጋ ጥቕምታትኩም
ክትገዝእዎም እትኽእሉ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኮይኖም፣ ኣብዚኦም ጥራይ ዝተሓጽሩ ግን ኣይኮኑን፤
ኣሕምልቲ: ሻሞት፣ ቀይሕ ሱር፣ ብሮኮሊ፣ ካውሎ ብሩክሰል፣ ካሮት፣ ካውሎ ፍዮሪ፣ ሰላጣ ላቱጋ፣ ፖሮ፣ ላቱጋ፣ ሽጉርቲ፣ ድንሽ፣ ዱባ፣ ብጫ ዝሕብሮም ዱባ፣ ስፒናች፣ ምቁር ድንሽ፣ ዝኩኒ
ፍሩታታት: ኣፕል፣ ብሉቤሪ፣ ቸሪ፣ ኔክታሪን፣ ኩኽ፣ ፐር፣ ራስፕቤሪ፣ ስትሮቤሪ
ኣትክልቲ ቀመም፤: ሪሓን፣ ሲላንትሮ፡ ፕረሰመሎ፣ ሮዝማሪኖ
ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፡ ተሳተፍቲ Senior FMNP ጥራይ እዮም መዓር ክገዝኡ ዝኽእሉ።
ምሉእ ዝርዝር ናይ ብቑዓት ፍርያት ንምርካብ፣ ኣብ: WIC Farmers Market Nutrition Program for WIC Participants ተመልከቱ.
ሓረስቶት ተመልከት ኣብ ዕዳጋ ዘለዎም እዞም ምልክታት!
ዕዳጋ ሓረስቶት ናይ ወቕቲ መስመር ግዜ
ጽድያ
- ተሳተፍቲ Senior FMNP ናይ ሓረስቶት ናይ ዕዳጋ ጥቕሚ ንምርካብ የመልክቱ።
- ናይቲ ከባቢ ትካላት ናይ Senior FMNP ካርድታት ክዕድላ ይጅምራ።
ሰነ 1
- ወቕቲ ዕዳጋ ሓረስቶት ይጅምር።
- ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ዕዳጋ ሓረስቶት ጥቕምታት ንምግዛእ።
መስከረም 30
- ናይ መወዳእታ መዓልቲ ከከም ኣብ ምህላው ናይ ሓረስቶት ዕዳጋ ጥቕሚ ንምርካብ።
ጥቅምቲ 31
- መወዳእታ መዓልቲ ናይ ዕዳጋ ሓረስቶት ጥቕምታት ንምግዛእ።
መዘኻኸሪ:- ተሳተፍቲ WIC ወርሓዊ ረብሓታቶም ፍረታትን ኣሕምልትን ኣብ ክፉት ዕዳጋታት ሓረስቶትን ድኳናት ሕርሻን ዓመት ምሉእ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ።
[ለ]ፍሩታታትን ኣሕምልትናን ብኸመይ ንዕቅብ
- መብዛሕትኦም ፍራምረ ኣብ ፍርጅኣቐምጥዎም!
- ትኩስ ከም ቆፅላመፅሊን ቤሪን ዝኣመሰሉ ከይሓፀብኩም ኣብ መስሐቢ ዘለዎ መቐመጢ ኣቐምጥዎም
- ኩሎም ምህርትታት ብዝተዓቖረ ከይኮነስ ብዝኸይድ ማይ ሕፀብዎም ሓምለዎት ኣሕምልትን ፍራምረን ኣብ። ዝተዓቖረ ማይ ኮይኑ ግን ብተደጋጋሚ ብዘተቐያረ ማይ ክሕፀቡ ይኽእሉ ፡፡
- ከም ሽጉርትን ድንሽን ዝኣመሰሉ ኣብ ዝሑልን ፀልማትን ዘለዎ ጠረጴዛ ኣብ ውሽጢ ፓንደር ኣቐምጡ፡፡ ኣብ ፍርጅ ኣይኮነን! ሽጉርቲን ድንሽን ብሓንሳብ ኣይትኸዝን።
- ኮሚደረን ዘይተለመዱ ፍራፍረ ኣብ ማእኸላይ ኩነታት ዛሕሊ ኣቐምጥዎም፡፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ተስሓቢ ወይድማ ጠረጴዛ.
- ንነዊሕ አዋን ክፀንሕ እትደልይዎ ነገር ኣብ ፍሪጅ ወይድማ ብታኒካ ብምዕሻግ ክትጥቀሙ ትኽእሉ፡፡
ኣሕልትን ፍረታትን ኣብ መግብን ጠዓሞትን ንምውሳኽ ዝሕግዙ ምኽርታት
- ኣሕምልቲ ምርካብ ቀሊል ግበርዎ፡፡ ኣብ መኣዲ ከም ካሮት፣ ብሮካሊ፣ ዓተር ወይድማ ካዉል ፍላወር ክህልዉ ግበሩ፡፡
- ኣብ እዋን መኣዲ ዝተቖራረፁ ኣሕምልቲን ፍረመረን ዝሓዘ ድስቲ ኣብ ጠረጴዛ ኣቐምጡ፡፡
- ጎምጠጥን ኩኽን ንእኽልን ርግኦን ዝያዳ ምቁርንን ጥዑምን ይገብርዎም!
- ኣብ እዋን ምሳሕ ሰላጣ ኣብ መኣዲ ሕወሱ!
- ናይ ፍራምረ ሳንዱቕ ሓዙ፡፡ ኣብ ናይ ፍራምረ ሳንዱቕ ትኩስ (ፈሬሽ) ፍራምረ ኣእትዉሉ፡፡ ኣብ ናይ ኣቕራቢ ቀነስ ዋጋ ሓዝዎ!
- ናይ ባዕልኻ ሰላጣ ምስራሕ ዝብል መዓልቲ ኣዳልዉ!ዝተመተረ ኣሕምልቲ፣ ዝበሰለ ደርሆ ወይድማ ዓተር፣ ዝተቖራረፀ ኣጅቦን ክምኡ እውን ዝተቖረፀ ኣፕል ኣቕርቡ፡፡
- ዳራጋ ኩሎም ኣሕምልቲ ኣብ ፎርኖ ብምጥባስ ፈጣን መመላእታ መግቢ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ኣሕምልቲ ምስ ንጣብ ዘይትን ገለ መማቕርትን ብምሕዋስ ኣብ ዝኾነ መግቢ ምቁር መመላእታ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
- ናይ ሓጋይ ፍራምረ ብሓደ ግዘ ኣብ ሓደ ዝበሰሉ ድዮም? ስሙዚ ኣዳልዉ፤ ወይድማ ስላይስ ኣብ ንእሽተይ ማይ ስሪሕኹም ንፓን ኬክ መጠዓዓሚ ክኸውን፤ ወይድማ ጁስ ስርሑ! ንዝደልይዎ ቀሊል ናይ ምግቢ ኣሰራርሓ መርበብ ሓበሬታ ናይ ምግቢ ኣሰራርሓ መምርሕታት ድለዩ፡፡
ዝያዳ ፍረታትን ኣሕምልትን ንምብላዕ ዝድርኹ ኣገርምቲ ምኽንያታት
ነቲንናይ ጥዕና ምብራህ ገጽ ርኸብዎ! ዝያዳ ኣሕምልቲ ኣብ ትምገብሉ እዋን ቆርበትኩም ይጥቀም።
ደቅኹም'ውን ናትኩም ኣሰር ይኽተሉ! ፍራምረን ኣሕምልቲን ኣብ ትበልዕሉ እዋን ንሳቶም'ውን እውን ይምገቡ ።
ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ጥዕናኻ ኣመሓይሽ! ጸዓትካ ንምዕባይን ክብደትካ ንምምሕዳርን ዝሕግዙ ብሉጻት መኣዛታት ኣብ ፍርያት ይርከቡ። ጽሕጊ ዝሓሸ ምሕቃቕ መግቢ ንኽህሉ ይሕግዝ
ብዛዕባ WIC FMNP ከምኡ ድማ SENIOR FMNP
WIC Farmers Market Nutrition Program (FMNP, ናይ ሓረስቶት ፕሮግራም ዕዳጋ ኣመጋግባ) ኣካል ናይ Special Supplemental Nutrition Program for lower income Women, Infants, and Children (WIC, ፍሉይ ናይ መመላእታ ኣመጋግባ ፕሮግራም ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ደቀንስትዮ፡ ዕሸላትን፡ ቆልዑን) እዩ። WIC Program ጥዕና ዘለዎም መግብታት፣ ናይ ኣመጋግባ ትምህርቲ፣ ደገፍ ኣመጋግባ ጸባ ጡብ ኣደን ናብ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን መወከስን ይህብ።.
Senior Farmers Market Nutrition Program (SFMNP, ናይ ኣረጋውያን ፕሮግራም ኣመጋግባ ዕዳጋ ሓረስቶስ) ኣካል ናይ Department of Social and Health Services (DSHS, ክፍሊ ማሕበራውን ጥዕናውን ኣገልግሎታት) Aging and Long-Term Support Administration (ALTSA, ምምሕዳር ናይ ዕድመ ዝደፍአን ናይ ነዊሕ እዋንን ደገፍ) እዩ። እቲ Senior Nutrition Program ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ትሑት እቶት ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ብመኣዛዊ መግቢ ኣብ ጉጅለ ምድላዋትን ኣብ ገዛ ዝቐርብ መግብን ብምምጋብ ኣመጋግባ የመሓይሽ።
ናይ መራኸቢ ሓበሬታ
WIC FMNP
- WIC FMNP Website
- • ስልኪ: 1-800-841-1410, 0 ጽቐጥ።
- • ኢመይል፦ FMNPteam@doh.wa.gov
- • ብዛዕባ FMNP ቅሬታ ኣለኩም'ዶ? ኣብዚ
• ስዒቡ ዝርከብ ኣድራሻ ዘሎ ፎርም መሊእኹም ብመልእኽቲ፣ ኢመይል ወይድማ ፋክስ ብምጥቃም ምልኣኽ ይከኣል፡፡ WIC Farmers Market Nutrition Program for WIC Participants.
Senior FMNP
- Senior FMNP Website
- • ቴሌፎን: 1-800-422-3263