ሕክምናታት COVID-19

ናይ COVID-19 ምርመራ ገይሮመ ፖዘቲቭ ዉጽኢት ዝረከቡን ብጣዕሚ ናይ ምሕማም ዕድል ዘለዎምን ሰባት ካብ ዘለዉ ናይ COVID-19 ፈዉስታት (መድሓኒታት) ክጥቀሙ ይክእሉ እዮም። እዞም መድሃኒታት እዚኦም ካብ ከቢድ ሕማም፣ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስን ብ COVID-19 ካብ ሙሟትን ንምክልካል ክሕግዙ ይክእሉ እዮም። መርመራ ገይርኩም ፖዘቲቭ ዉጽኢት ምስዝህልወኩምን ኣብ ዝለዓለ ናይ ምሕማም ሓደጋ ምስ ትህልዉን ሕክምናታት ብዝበለፀ ንኽሰርሕ ብቕልጡፍ ክጅመር ስለ ዘለዎ ብቅልጡፍ ምስ ጥዕና ክንክን ኣቕራቢኹም ተዘራረቡ። ናይ ጥዕና ክንክንኣቕራቢኹም ኣየናይ ናይ COVID-19 ኣማራጺ መድሃኒት ንዓኹም ዝበለጸ ከምዝኾነ ኣብ ምዉሳን ክሕግዘኩም እዩ።

ሕክምናታት/መድሓኒታት COVID-19 ናይ ንምክልኻል ቕያር ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ሕጂዉን ኩሉ ብቁዕ ዝኮነ ሰብ ንክኽተብን ናይ COVID-19 ምስፍሕፋሕ ንምክልካል ካልኦት ስጉምትታት ንክወስዱን ይምከር እዩ።

ሞኖ ክሎናል አንቲቦዲ ሕክምናታት እንታይ እዮም?

ጸረ-ኣካላት ናይ ሰባት ሰዉነት ንኸም COVID-19 ዘስዕብ ቫይረስ ዝኣመሰለ ቫይረሳት ንምቅላስ ዝሰርሖ ፕሮቲን እዩ። ኣብ ቤተ ምርምር ዝተሰርሑ ጸረ-ኣካላት ኣብ ኣካሎም ዉሽጢ ንዘለዉ ቫይረሳት ንምቅናስ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ተፈጥሮኣዊ ኣንቲበዲታት ኮይኖም ይሰርሑ። ሞኖክሎናል ኣንቲበዲታት (monoclonal antibodies) ይበሃሉ። ንልዑል ሓደጋ ናይ COVID-19 ንምሕማም እንተሃልዩካ ከምኡውን ናይ COVID-19 ውጽኢት መርመራኻ ፖዘቲቭ ምስ ዝኸዉን ወይ ምስ ናይ መርመራ ውጽኢቱ ኣወንታ ዝኾነ ሰብ ጥቡቕ ርክብ እንተነይሩካ፣ ናይ ሞኖ ክሎናል አንቲቦዲ (mAb) ሕክምና ንምውሳድ ክትሓስበሉ ኣለካ። ብመሰረት ዕድሚኦም፣ ታሪክ ጥዕናን ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ምልክታት ከምዝነበርዎምን COVID-19 ንምሕካም ን ኤም ኤ ቢ (mAb) ሕክምና (bebtelovimab) ብቁዕ ክኮኑ ይክእሉ እዮም።

ናይ COVID-19 ቅድመ-ተቓላዕነት መከላከሊ እንታይ እዩ?

ቅድመ-ተቓላዕነት መከላከሊ (PrEP) ቫይረሳት ናብ ዋህዮታት ሰባት ንከይጣበቁን ንካይኣትዉን ንምክልካል ዝተነደፈ መድሃኒት እዩ። ኢቩሸልድ (Evusheld) ካብቶም ሕጂ ዝርከቡ ሞኖክሎናል ኣንቲበዲታት ብዝተፈለየ መልክዑ ሓደ ሰብ ን COVID-19 ቅድሚ ምቕላዑ ንምሕላዉን ንምክልካልን ዝጠቅሙ ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ዝተፈቀዱ ኣንቲበዲታት እዮም። ኢቩሽልድ ብ COVID-19 ንዝመፁ ምልክታት ንምሕካም ዝዉዕል ኣይኮነን ብተወሳኪ ምስ ሓደ ብ COVID-19 ዝተለከፈ ሰብ ድሕሪ ምግላፆም ዝወሃብ ዘይኮነስ ቅድሚ ተቓላዕነት መልከፍቲ ንምክልካል ዝወሃብ እዩ።

ብኣፍ ዝውሰዱ ጸረ-ቫይረሳት እንታይ እዮም?

ብኣፍ ዝወሃቡ ጸረ ቫይረስ ሕክምናታት SARS-CoV-2 ቫይረስ (COVID-19 ዘስዕብ ቫይረስ) ኣብ ኣካሎም ከይራባሕ፣ ኣብ ኣካሎም ዉሽጢ ናይዘሎ መጠን እቲ ቫይረስ ብምጉዳል ወይ ናይ ሕማም መከላከሊ ስርዓቶም ብምሕጋዝ ኣካሎም ን COVID-19 ንክዋጋእ ይሕግዙ። ሕክምና ብምርካብ፣ ጽኑዕ ዘይኮነ ምልክታት ክህልውኹም ይኽእል እዩ ከምኡውን ሕማምኩም ናይ ምግዳድን ኣብ ሆስፒታል ኮይንካ ክንክን ናይ ምውሳድን ዕድልኩም ንክንኪ ይገብር።  ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ምልክታት ንዘለዎም ተሓከምቲ፣ ኣብ ዉሽጢ ሆስፒታል ንዘየለዉ፣ ንሓሙሽተ መዓልትታት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ምልክታት ንዝነበሮምን ንከቢድ ሕማም ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ንዘለዎምን ተሓከምቲ ናይ COVID-19 ፀረ ቫይረስ ሕክምናታት ኣለዉ እዮም።

ብደም ሰራዉር ዝወሃቡ (IV) ጸረ ቫይረስ እንታይ እዮም?

Remdesivir (እንግሊዘኛ ጥራሕ) ብ Food & Drug Adminstration (FDA፣ ቑጽጽር ናይ ምግብን መድሓኒትን) ዝተፈቀደን ኣብዚ እዋን እዚ ግን ብ Washington Department Of Health (WADOH፣ ክፍሊ ጥዕና ዋሺንግተን) ዘይዕደል ዘሎ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት እዩ። እቲ ቫይረስ ናይ ባዕሉ ቅዳሕ (ምድግጋም) ንከይሰርሕ ብምዕጋት ይሰርሕ። Remdesivir ምስ ግዜ ብቱቦ ደም (ብሰራዉር ደም) ብመርፍእ ዝወሃብ እዩ፣ ኣይቪ ኢንፉዥን (IV infusion) ድማ ይበሃል።

Remdesivir ኣብ ዉሽጢ ሆስፒታል ንዘይኮኑ ኣባጽሕን ንከቢድ ናይ COVID-19 ሕማም ናይ ምቕላዕ ዕድል ንዘለዎም ህጻናትን ዝተፈቀደ እዩ። ኣብ ኣፕሪል 25/2022፣ FDA ነዚ ፍቃድ እዚ እንተወሓደ 28 መዓልትታት ዕድሚኦም ዝኾኑ እንተወሓደ 3ኪ.ግ ዝምዘኑን (ከባቢ 6.6 ፓዉንድ) ከምኡዉን ከቢድ ሕማም ናይ ምምዕባል ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ህጻናት ንምምላእ ኣስፊሕዎ እዩ፤ እዚ ድማ Remdesivir እቲ ናይ መጀመርያ ንትሕቲ 12 ዓመት ህጻናት ዝከዉን ብ FDA ዝተፈቀደ ሕክምና ገይርዎ እዩ።

Remdesivir ብዝተከኣለ መጠን ብቅልጡፍን ምልክታት ካብ ዝጀመርሉ ኣብ ዉሽጢ ሸዉዓተ መዓልትን ክጅመር ኣለዎ ስለዚ ኣብ ዝለዓለ ናይ ሕማም ሓደጋ ዘለዉ ሰባት ምልክታት እንተሃልዮምዎምን ናይ COVID-19 ምርመራ ገይሮም ፖዘቲቨ ዉጽኢት እንተረኪቦምን ምስ ክንክን ጥዕና ኣቕረብቶም ምርካቦም ኣድላዪ እዩ። እቲ ሕክምና ንሰለስተ ተከታተልቲ መዓልትታት ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ብዝወሃብ ሰለስተ ተከታተልቲ ኣይቪ ኢንፉዥን (IV infusions) እዩ ዝወሃብ።

ኩሎም ክንክን ጥዕና ወሃብቲ ትካላት ንናይ ደገ ተሓከምቲ ሕክምና Remdesivir ክህቡ ኣይክእሉን እዮም – ተሓከምቲ ዝበለጸ ናይ ሕክምና ኣማራጺ ክከዉን እንተክኢሉ ንምፍላጥ ምስ ክንክን ጥዕና ኣቕረብቶም ከዛረቡ ኣለዎም።

Remdesivir ብምክንያት COVID-19 ብከቢድ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ንዝደቀሱ ተሓከምቲ ንምሕካም እዉን ይጠቅም እዩ። ብምክንያት COVID-19 አብ ሆስፒታል እንተደቂሶም ክንክን ጥዕና ኣቕራቢኦም ሬምዲሴቪር ወይ ካሊእ ሕክምና ከምዘድሊ ክዉስን እዩ።

ብብዝሒ ዝሕተቱ ሕቶታት

mAbs ብ COVID-19 ንዝተትሓዙ ሰባት ብከመይ ይሕግዞም?

ናይ ኣሜሪካ Food and Drug Administration (FDA፣ ቑጽጽር ናይ መግብን መድሓኒትን) ዝተፈቀደ ናይ ህጹጽ ግዜ MAb ሕክምና ንከበድቲ ምልክታት እቲ ሕክምና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ተቓላዕነት (እንግሊዘኛ ስፓኒሽን ጥራሕ) ንዘለዎም ሰባት ነዞም ዝስዕቡ ንምግባር ክሕግዝ ይክእል እዩ፦

  • ሆስፒታል ናይ ምእታዉ ዕድል
  • ካብ COVID-19 ብቅልጡፍ ንምሕዋይ
ናይ mAb ሕክምና መን ክወስድ ይክእል?

MAbs ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ዝተሓሰብ እዩ፦

  • ናይ COVID-19 ምርመራ ገይሮም ፖዘቲቭ ዉጽኢት ንዘለዎም
  • ን 10 መዓልትታት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ካብ ፊኪስ ክሳብ ከቢድ ናይቲ ሕማም ምልክታት ንዝነበርዎም
  • ብጽኑዕ ናይ ምሕማም ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ንዘለዉ
ሞኖክሎናል ኣንቲበዲ ሕክምና ድሕሪ ምዉሳድ ናይ ኮቪድ ክታበት ክወስድ ይክእል ዶ?

ድሕሪ ረኽሲ COVID-19 ግዝያዊ (passive) ናይ ኣንቲበዲ ሕክምና (ሞኖክሎናል አንቲበዲ ሕክምና ወይ ኮንቫሌሰንት ፕላዝማ) እንተወሲዶም ሕክምና ድሕሪ ምዉዳእ ኣብ ዝኮነ ክፍለ ግዜ ናይ COVID-19 ክታበት ክወስዱ ይክእሉ እዮም። ዉልቀሰባት ግዝያዊ (passive) ናይ ኣንቲበዲ ሕክምና ድሕሪ ምዉዳእ 90 መዓልትታት ንክጽበዩ ኣየድልዮምን እዩ።

ሕቶታት ብዛዕባ ንግዝያዊ (passive) ናይ ኣንቲበዲ ሕክምና ብቁዕ ምኳንካ ንኣቕራቢኾም ኣማኽሩ።

ሞኖክሎናል አንቲበዲ ሕክምና ምዉሳደይ ብኸመይ ከርኢ ይኽእል?

እቲ ሕክምና mAb ዘዳለወ ኣቕራቢ ሕክምና ነቲ ሕክምና መዓስ ከምዝወሰድዎ ዘርኢ ሰነድ ክህቦም እዩ።

ብኣፍ ዝወሃቡ ጸረ ቫይረሳት ንምዉሳድ መን እዩ ብቁዕ?

Paxlovid፦ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ እንተላይ ሞት፣ ናብ ከቢድ ናይ COVID-19 ሕማም ኣብ ምስግጋር ሓደጋ ዘለው ኣባፅሕን ህፃናት ተሓከምትን (ዕድሚኦም 12 ን ካብኡ ንላዕልን ክብደቶም ድማ እንተንኣሰ 88 ፓዉንድ/40 ኪ.ግ)።

Molnupiravir፦ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ፣ እንተላይ ሞት፣ ናብ ከቢድ ናይ COVID-19 ሕማም ኣብ ምስግጋር ሓደጋ ንዘለው ኣባጽሕ ከምኡዉን ብ Food and Drug Administration (FDA፣ ቑጽጽር ናይ መግብን መድሓኒትን) ዝተፈቀዱ ናይ COVID-19 ሕክምና ኣማራጺታት ኣይርከቡን ወይ ብሕክምና ቕቡላት ኣይኮኑን።

ሕክምና ብ Medicaid/Children's Health Insurance Program (CHIP) ድዩ ዝሽፈን?

እወ። Medicaid/Children's Health Insurance Program (CHIP፣ ፕሮግራም መድሕን ጥዕና ህጻናት) ናይ mAbs ሕክምና ናይ ምድላዉ ወጻኢታት ዝሽፍን (እንግሊዘኛ ጥራይ) እዩ። ናይ ምምሕዳር ወጻኢታት ማለት እቲ መቅረቢ ክንክን ጥዕና ሕክምና ንምዉሃብ ዘክፍሎም ወፃኢ እዩ። ንመብዛሕተኦም mAb ታት ወጻኢታት ናይቲ ምህርቲ ባዕሉ ብፌደራል መንግስቲ ዝሽፈን እዩ።

መድሕን እንተዘይብለይ፣ ናይ COVID-19 ሕክምና ክረእክብ ይክእል ዶ?

ብፌደራል መንግስቲ ዝግዝኡ ናይ COVID-19 ፈዉሲታት ንተሓክመቲ ብነፃ እዮም ዝቀርቡ። ይኩን እምበር መቅረብቲ ብመድሕን፣ ብተሓከምቲ ወይ ብፌደራል ፕሮግራማት ዝሽፈኑ ከም ናይ ክፍሊ መድሓኒት፣ ናይ ሕክምናን ናይ ምድላዉን ዝበሉ ክፍሊታት ክህልዎም ይክእል እዩ። ፈዉሲታት እንትደልዩ እንታይ ዓይነት ሽፋን ከምዘሎ ንምፍላጥ በይዘኦም ንመቅረቢኦም የማክሩ።

ዘይተመዝገቡ ዉልቀሰባት ናይ COVID-19 ሕክምና ክረክቡ ይክእሉ ዶ?

ዘይተመዝገቡ ዉልቀሰባት ካብ Alien Emergency Medical Program (ዝተሓባበሩ ህፁፅ ናይ ሕክምና ፕሮግራም) ነዞም ዝስዕቡ ሽፋን ክረክቡ ይክእሉ፦

  • ናይ COVID-19 ገምጋማትን ሕክምናታትን ንምምላእ ንህፁፅ ግዜ ብቁዓት ንምኳን። 
  • ናይ ምርመራን ሕክምናን ቦታት ቢሮ፣ ክሊኒክ ወይ ኣብ ቴሌ ቦታ ንምምላእ።
  • ፍቃድ ዝረከቡ ኣገልግሎታት። ናይ COVID-19 ምርመራ ገይሮም ፖዘቲቭ ዉፅኢት ዝረከቡ ዉልቀሰባት ናይ መድሓኒታትን መተንፈሲታትን ኣገልግሎት ሽፋን ክህልዎም ይክእል እዩ። ከበድቲ ናይ COVID-19 ፖዘቲቭ ዉፅኢታት ክትትልን ናይ መድሓኒት ሽፋንን ክህልዎም ይክእል እዩ

ናብ AEM ብክመይ ይምልከት

ዕድሚኦም ካብ 19 ክሳብ 64 ንዝኮኑ ኣባፅሕ፦

ዕድሚኦም 65 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኮኑ ሰባት፣ ምርኣይ ዘይክእሉ፣ ኣካለ ጎዶሎታት ወይ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣገልግሎት ንዝደልዩ፦

ናይ COVID-19 ሕክምና ይርከቡ

ፕሮግራም Test to Treat (ንምሕካም ይመርመሩ)  ቅልጡፍን ቀሊልን መድሐኒ ሂወት ሕክምና COVID-19 ከቅርብ ይክእል እዩ። ተመርሚሮም ፖዘቲቭ ዉጽኢት እንተረኪቦም፣ ምስ ኣላዩ ክንክን ጥዕናኹም ተራኸቡ (ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ወይ ብቴሌ ጥዕና)፣ ከምኡዉን ብቑዕ ምስ እትኸዉን፣ ኩሉ ኣብ ሓደ ቦታ - ንብኣፍ ዝዉስደ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት ትእዛዝ ናይ ሓኪም ዉሰድ ከምኡዉን ነቲ መድሃኒት ምልኣዮ።

ብእንግሊሽ፣ ስፓኒሽን ብካልኦት ልዕሊ 150 ቋንቋታት ሓገዝ ንምርካብ ነቲ Test to Treat ሓባሪ ይጎብንዩ ወይ 1-800-232-0233 (TTY 1-888-720-7489) ይደዉሉ። እቲ ማእከል ፃዉዒት ኣብ ሰሙን ን 7 መዓልቲታት ካብ 8 am ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክፉት እዩ፤ ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ቦታ ንምርካብ ክሕግዞም እዩ።

ምንጭታት መድሕን ንዘይብሎም ዉልቀሰባት

ናይ COVID-19 ፈዉሲታት ወይ ካልኦት ናይ ክንክን ጥዕና ሽፋን ዝደልዩ መድሕን ዘይብሎም ዉልቀሰባት ናብዞም ዝስዕቡ ምካድ ይክእሉ፦

መድሕን ዘይብሎም ዉልቀሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ብፌደራል ፍቃድ ዝተዉሃቦም ማእከላት ጥዕና (FQHCs) ኣካል ዝኮኑ ብዙሓት ክሊኒካት ኣገልግሎታት ምጥያቅ ይክእሉ እዮም፦ 

መድሃኒታት ንምርካብ ቦታ ንምድላይ ሓገዝ የድልየኩም ድዩ? ጣብያ Test to Treat (እንግሊዘኛ ጥራሕ) ንምርካብ ናብ 1-800-232-0233 (TTY 888-720-7489) ይደዉሉ።

ተወሳኺ መገልገልትታት

ናይቲ ግዝኣት ናይ COVID-19 መስመር ስልኪ ተወሰክቲ ሕቶታት ንምምላስ ኣለ እዩ። ሓበሬታ መስመር ስልኪ ኣብቲ ርኸቡና ገጽ እዩ ዘሎ።

ብዛዕባ ሕክምናታት COVID-19 ንዝበለጸ መረዳእታ፣ ነቲ ናይ Centers for Disease Control and Prevention (CDC፣ማእከል ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማም) ሕክምናታት COVID-19 ገጽ ይብጽሑ።