COVID-19

This page is being reviewed for updates. The Washington State Department of Health has updated its guidance for what to do if you are sick with COVID-19 or were exposed to COVID-19. This page may have content that is inconsistent with the new guidance.

ናይ COVID-19 ሓበሬታ ቐጥታ መስመር

ብዛዕባ COVID-19 ሕቶታት እንተ ኣልዩኩም፣ ኣብ 1-800-525-0127 ደውሉ ድህሪኡ ድማ ን 7 ጽቀጡ። ክምልሱልኹም ኸለዉ፣ ኣገልግሎት ትርጉም ምእንቲ ኽትረክቡ ቛንቋኹም ተዛረቡ። እቲ ናይ ቐጥታ መስመር ሓገዝ ካብ ሶኑይ ሰዓት 6 a.m. ክሳብ 10 p.m. ክፉት ኢዩ፣ ከምኡ’ውን ካብ ሶሉስ ክሳብ ሰንበት (ከምኡ’ውን ኣብ በዓላት) ካብ ሰዓት 6 a.m. ክሳብ 6 p.m. ሓገዝ ቋንቋ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።

ናብ ገዛኹም ክትምለሱ ኮይንኹም ናይ COVID-19 ክታበት እንተ ኣድልይየኩም?

ንምምዝጋብ ሰለስተ መንገድታት ኣለዉ

ተጠንቀቕ, WA - ኣብ እዋን ናይ COVID-19 ብዝሓሸን ብዉሑስ መንገድን ምንባር

COVID-19 ንኽግመት ዝኽእል መጻኢ ክጸንሕ ሙዃኑ ሕጂ ፈሊጥና ኣለና። ነብስና፣ ፈተዉትና ከምኡዉን ማሕበረ-ሰብና ብዝተኻእለ መጠን ዉሑሳት እንዳገበርና ሂወትና ብኸመይ ክንነብር ከም እንኽእል ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል? በቶም ክሳብ ሕጂ ዝተመሃርናዮም ኩሎም መሳሪሒታት ፥ ክታበት ከምኡዉን ቡስተር ብምዉሳድ፣ ምምርማር ከምኡዉን ምስ እትሓምም ወይ እትቓላዕ ኣብ ገዛ ብምጽናሕ፣ ኣብ እኩብ ህዝቢ ማስኬራ ብምግባር፣ ከምኡዉን ርሕቐትና ብምሕላዉ።

ናብ ሓድሽ ደረጃ ናይ ሂወት ማለት ምስ COVID-19 ኣብ ማሕበረሰብና ብሓባር ምንባር ኣብ ንኣትወሉ ዘለና ክትፈልጦ ዘለካ ነገራት እነሆ።

ስጉምቲ ዉሰድ፣ ተጠንቐቕ

Decorative

ክታበት ዉሰድ ከምኡዉን ቡስተር ዉስደ

ክታበታት COVID-19 ከምኡዉን ቡስተራት ኣንጻር ረኽሲ ከምኡዉን ከቢድ ሕማም ቐዳሞት መከላኸሊታት እዮም።

ዝያዳ ፍለጡ

Decorative

መዓስ ከም እትምርመር ፍለጥ

ዝሓመምካ ስምዒት ምስ ዝህልወካ፣ ኣብ እኩብ ትሳተፍ ምስ እትህሉ፣ ወይ ናብ COVID-19 ተቓሊዕካ ምስ እትነብር ብምምርማር COVID-19 ናይ ምዝርጋሕ ሓደጋ ኣጉድል።

ዝያዳ ፍለጡ

Decorative

ማስክ ግበር

ማስክ ምግባርን ምዝርጋሕ COVID-19 ከም ዘጉድል ተረጋጊጹ እዩ ከምኡዉን ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ንኽግበሩ ይሕተቱ እዮም።

ዝያዳ ፍለጡ

 

ሕጂ COVID-19 ምስ ዝህልወካ

ነቶም እዋናዉያን መምርሒታት ርኣዮም

ኣብ ገዛኻ ካብ ካልኦት ሪሒቕካ ጽናሕ፣ ከምኡዉን እቶም እዋናዉያን ናይ ምግላል መምርሒታት ስዓቦም።

ዝያዳ ፍለጡ

ሕክምና ርኸብ

ናይ ሕክምና ኣማራጺታትካ ንምፍታሽ ንኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ርኸቦ።

ዝያዳ ፍለጡ

ንምሕዋይ ደገፍ ርኸብ

ካብ COVID-19 ኣብ እትሓዉየሉ ዘለኻ ግዜ ናይ መግብን መድሃኒትን ምብጻሕ፣ ክንክን ህጻን፣ ከምኡዉን ካልኦት ኣገልጉሎታት ርኸብ።

ዝያዳ ፍለጡ

ነዊሕ ኮቪድ

COVID-19 ዘለዎም ሰባት ድሕሪ እቲ ረኽሲ ሰሙናት ክሳብ ዓመታት ዝጸንሕ ምልክታት ኣለዎም። ረኽሲ COVID-19 ብምክልኻል ነዊሕ ኮቪድ ኣወግድ።

ዝያዳ ፍለጡ

ተወሳኺ ሓበሬታ

ምልክታት፣ ተርእዮታት ከምኡዉን ምክልኻል ናይ COVID-19

ቀንዲ ምልክታት ናይ COVID-19 እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  • ሰዓል፣ ሕጽረት ትንፋስ ወይ ጸገም ምስትንፋስ፣ ረስኒ፣ ቑሪ ቑሪ፣ ቓንዛ ጭዋዳ፣ ቓንዛ ጎሮሮ፣ ሓድሽ ምጥፋእ ናይ ምስትምቓር ወይ ምሽታት። ብዙሕ ዘይረኣዩ ካልኦት ምልክታት ዕግርግር፣ ተምላስ፣ ወይ ዉጽኣት የጠቓልል።
  • ነዞም ዝስዕቡ ናይ ህጹጽ ኩነታት መጠንቐቒታት ምልክታት COVID-19 ምስ ትርኢ ናብ 911 ደዉል፦
    • ጸገም ምስትንፋስ
    • ናይ ኣፍ ልቢ ቃንዛ ወይ ጸቕጢ
    • ሃንደበታዊ ምድንጋር
    • ክትነቅሕ ወይ ነቒሕካ ክትቅጽል ዘይምኽኣል
    • ኣብ ቃና/ሕብሪ ቆርበት እተመርኮሰ ፋሕሻው፣ ሓሙኽሽታይ ወይ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ቆርበት፣ ከናፍር፣ ወይ ናይ ጽፍሪ ታሕተዋይ ስጋ
  • አየናይ ጕጅለታት እዮም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ?
    • ዕድመ ዝደፉኡ፣ ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም፣ ከምኡዉን ነብሰ-ጾራት ካብ COVID-19 ዝመጽእ ብርቱዕ ሕማም ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ክርከቡ ይኽእሉ።

ንርእሰይን ንስድራ ቤተይ ብኸመይ ከዕቍቦም ይኽእል?

  • ብቑዕ ኣብ ዝኾንኩሙሉ ተኸተቡን ናይ ቡስተር መድሃኒታትን ዉሰዱ።
  • እንተ ሓሚምኩም አብ ገዛ ጽንሑ።
  • ማስክ ግበሩ ከምዉን ናይ ብዝሒ ህዝቢ ዝርከቡሉ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ እትኸድሉ ግዜ ናይ ሽዱሽተ ጫማ (ክልተ ሜትሮ) ርሕቐት ሓልዉ።
  • ካብ ሰባት ዝእከብሉን ብዝግባእ ኣየር ዘይኣትዎን ቦታ ርሐቑ።
  • ብቐጻሊ ኣእዳዉኩም ተሓጸቡ ወይ ናይ ኢድ መንጽሂ ተጠቐሙ።
  • ክትስዕሉን ክትህንጥሱን እንከለኹም ብኢድክኩም ውይድማ ብሶፍት ተሸፈኑ።
  • ገጽኩም፣ ኣፍኩም፣ ኣፍንጫኹም፣ ወይ ኣዒንትኹም ኣይትተንኩፉ።
  • ናይ ቤትኩም ዝባናት ኣጽርዩ።
  • ምልክታት ናይ COVID-19 ምስ ዝህልወካ፣ ናብ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኻ ኪድ።
ዝያዳ ዉሑስ ብሙዃን ዱኳናትን ህዝባዊ ቦታታትን ብጻሕ

ቕድምን ድሕርን ምዉጻእካ ከምኡዉን ካብ ገዛኻ ርሒቕካ ኣብ እትህልወሉ ግዜ ንነብስኻን ንኻልኦትን ንምዕቛብ ኣብ ርእስኻ ክትሕዞም ዘለካ ዝተፈላለዩ ነገራት ኣለዉ።

ቕደሚ ካብ ገዛ ምውጻእኩም፦

  • ብዝተኻእለ መጠን፣ ሓሚምካ ምስ እትህሉ ናብ ዱኳን ወይ ካልእ ናይ ህዝቢ ቦታ ኣይትኺድ። እቶም ነገራት ኣባል ስድራቤትካ ወይ ዓርክኻ ከም ዘምጹኡልካ ግበር።
  • ብኢንተርነት ኣስቤዛ፣ መድሃኒታት፣ ከምኡዉን ካልኦት ነገራት ኣዚዝካ ናብ ገዛኻ ከብጽሑልካ ኣብ ግምት የእቱ።
  • ዝከኣል ምስ ዝኸዉን ሰብ ኣብ ዘይበዝሓሉ ግዜ ናብ ዱኳን ክትከይድ ሕሰብ።
  • ካብ ገዛኻ ቕድሚ ምዉጻእካ ኣእዳዉካ ተሓጸብ።

ኣብ እኩብ ሰብ ኣብ ዉሽጢ ገዛ ኣብ እትህልወሉ ግዜ ፥

  • ኣፍንጫኻን ኣፍካን ዝሽፍን ማስክ ግበር።
  • ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ካልኦትን እንተወሓደ ናይ ሽዱሽተ ጫማ (ክልተ ሜትሮ)፣ እንተላይ ኣብ ናይ መዉጺኢ መስመር፣ ሓሉ።
  • ኣብ እትስዕለሉ ወይ እትህንጥሰሉ ግዜ ተሸፈን።
  • ገጽካ ኣይትተንክፍ።
  • ኣስፔዛ ክትዕድግ ኣብ እትወጸሉ፣ ናይ ካርቲ መትሓዚ ወይ ናይ ኣስፕፔዛ ሳንጣ ንምጽራይ ናይ ኢድ መንጺሂ ወይ ጸረ-ረኽሲ መወልወሊታት ተጠቐም።

ናብ ገዛኻ ክትምለስ ከለኻ፥

  • ነቲ ናይ ገጽ መሸፈኒ ዓለባ ሕጸቦ ከምኡዉን ብዉሑስ መንገዲ ኣቐምጦ። ናይ ሓደ ግዜ ጥራይ እትጥቐመሉ ማስኬራ ጉሓፎ።
  • ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
  • ናይ መግቢ ዉሕስነት ልምድታት ተጠቐም። ዉጺኢታት ናይ መግቢ ኣይተንጽህ። ፍሩታትን ኣሕምልቲን ከም ልሙድ ሕጸቡዎም።
ነብሰ-ጾራት፣ ህጻናት ከምኡ'ውን COVID-19

ነብሰ-ጾር ምስ እትኾኒ ክትፈልጥዮ ዘድልየኪ

  • ነብሰ-ጾር ወይ ኣብ ቐረባ ግዜ ዝጠነሳ ምስተን ነብሰ-ጾራት ዘይኮና ሰባት ክወዳደራ ከለዋ ብሰንኪ COVID-19 ከቢድ ሕማም ንኽሓማ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ኣለዋ።
  • ኣብ ግዜ ጥንሲ ብ COVID-19 ዝተለኽፋ ሰባት ንቕድመ ግዜ ዝመጽእ ሕርሲ (ቕድሚ 37 ሰሙናት ምሕራስ) ከምኡዉን ምውት ቆልዓ ምዉላድ ኣብ ልዑል ሓደጋ ይርከባ፣ ከምኡዉን ንኻልኦት ናይ ጥንሲ ጸገማት ኣብ ልዕሉ ሓደጋ ክህልዋ እዉን ይኽእላ እየን።
  • ነብሰ-ጾር ወይ ኣብ ቐረባ ግዜ ዝጠነሳ ሰባት ከምኡዉን እቶም ዝረኽቦኦም ሰባት ካብ ምዝርጋሕ COVID-19 ነብሶም ንምዕቛብ ንኽሕዙ ነዞም ዝስዕቡ ስጉምታት ክኽተሉ ይግባእ ፥
    • ክታበት ዉሰድ ከምኡዉን ናይ ቡስተር መድሃኒትካ ዉሰድ።
    • ማስክ ግበሩ።
    • ካብ ካልኦት ሽዱሽተ ጫማ ርሓቕ ከምኡዉን ህዝቢ ዝተኣከቡሉን ዉሑድ ኣየር ዝኣትዎ ቦታታት ኣወግድ።
    • ናብ ካልኦት ሰባት ነቲ ሕማም ካብ ምዝርጋሕ ንምዉጋድ ተመርመር።
    • ኣእዳዉካ ቐጻሊ ተሓጸብ ከምኡዉን ክትስዕልን ክትህንጥስን ከለኻ ብኩርናዕ ኢድካ ወይ ብመንዲል ተሸፈን።
    • ንቤትካ ኣዘውቲርካ ኣጽርዮን ጸረ-ተህዋስያን ግበረሉ።
    • ጥዕናኻ ቐጻሊ ተኸታተሎ።
    • ብዛዕባ ጥንሰን ሕቶታት ምስ ዝህልወን፣ ምስ ዝሓማ፣ ወይ COVID-19 ኣለና ኢለን ምስ ዝሓስባ ብቕጽበት ናብ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕነአን ደዉል።

ጥንሲን እቲ ናይ COVID-19 ክታበት

  • ንነብሰጾራት፣ ጡብ ዘጥብዋ ዘለዋ፣ ክጠንሳ ዝፍትና ዘለዋ፣ ወይ ኣብ መጻኢ ክጠንሳ ዝኽእላ ክታበት ኣንጻር COVID-19 ይምከር እዩ።
  • መርትዖ ናይ ዉሕስነት ናይ COVID-19 ክታበት ናይ ኣብ ግዜ ጥንሲ እንዳወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ክታበት COVID-19 ናይ ምዉሳድ ጥቕሚ ካብቲ እቲ ክታበት ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝፍለጡ ወይ ክመጹ ዝኽእሉ ሓደጋታት ከም ዝዓቢ ሰነዳት የርእዩ።
  • ነብሰ-ጾራት ብቑዓት ኣብ ዝኾናሉ ናይቲ COVID-19 ክታበት መድሃኒት ቡስተር ክወስዳ ኣለወን።
  • ክታበታት COVID-19 ሕማም COVID-19፣ ዋላዉን ኣብ ነብሰጾራት ወይ ዕሸላተን፣ ኣየስዕብን እዩ።
  • ኣብዚ እዋን እዚ ዝኾነ ዓይነት ክታበት፣ እንተላይ ክታበታት COVID-19፣ ኣብ ደቒ-ኣንስትዮ ወይ ኣብ ደቒ-ተባዕትዮ ናይ ምምካን ጸገማት ከም ዘምጽእ ዝኾኑ መርትዖ የለን።
  • ነብሰ-ጾር ዲኺ ከምኡዉን ብዛዕባ እቲ ክታበት ናይ COVID-19 ዝያዳ ሕቶታት ኣለኪ? ምስ ኣቕራቢ ክንክን ጥዕናኺ ተዘራረቢ ወይ ነቶም ክኢላታቶም ብተሌፎን ወይ ብጽሑፍ ሕቶታትኪ ንምምላስ ድሉዋት ዝኾኑ፣ MotherToBaby ርኸብዮም። እዚ ነጻ፣ ምስጢራዊ ኣገልጉሎት ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ፣ ሰዓት 8 ቅ.ቀ ክሳብ 5 ድ.ቀ ይርከብ። ብቐጥታት ንምዝርራብ ናብ MotherToBaby ብጻሕ (ብእንግሊዘኛን እስፓኛን ጥራይ) ወይ ኢሜል ስደድ፣ ወይ ናብ 1-866-626-6847 ደዉል (ብእንግሊዘኛን እስፓኛን ጥራይ ዝርከብ)።

ሓደስቲ ዝተወለዱ ናጽላታት COVID-19 ምስ ዝሓሙ ከመይ ከም እትከናኸኖም

  • መብዛሕትኦም ኣብ እዋን ጥንሲ COVID-19 ዘለዎም ናጽላታት ኪውለዱ ኸለዉ COVID-19 የብሎምን።
  • መብዛሕትኦም ናይ COVID-19 ፖዘቲቭ ውጽኢት ኸም ዘለዎም እተፈተኑ ናጽላታት ፈኲስ ወይ ዋላ ሓንቲ ምልክት ስለ ዘይነበሮም ሓውዮም። ገለ ሓደስቲ ዝተወለዱ ናጽላታት ካብ COVID-19 ከቢድ ሕማም ከም ዘማዕብሉ ጸብጻባት ኣርእዮም እዮም።
  • ብ COVID-19 ኣብ ምግላል ምስ እትህልዊ ከምኡዉን ሓድሽ ዝተወልደ ናጽላ ምስ ዝህልወኪ፣ ክሳብ ናይ ምግላል ግዜኺ ዝዉዳእ እዞም ዝስዕቡ መጠንቐቒታት ተኸተሊ፥
    • ካብቶም ምሳኺ ዘይቕመጡ ሰባት ነብስኺ ንምግላል ኣብ ገዛ ጽንሒ።
    • ካብቶም በዚ ሕማም እዚ ዘይተታሕዙ ኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤት ተገለል (ርሓቕ) እሞ ኣብ ሓባራዊ ቦታ ማስኬራ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።
    • ምሉእ ምሉእ መከላኸሊ ሕማም ዘማዕበለ ከምኡዉን ንዕሸልኪ ከቢድ ሕማም ካብ ምስካም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዘየለ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ርኸቢ። ዝከኣል ምስ ዝኸዉን፣ ካልእ ወሃቢ ክንክን ነቲ ዕሸል ክምግቦ መታን ጸባ ጡብኪ ሓለብዮ። ፎርሙላ ትህቢ ምስ እትኾኒ፣ ነቲ ጥዑይ ወሃቢ ክንክን ከዳልዎ ሕተትዮ።
    • ቕድሚ ናይ ምግላል ግዜ ምዉዱኡ ንሓድሽ ዕሸልኪ ክትከናኸኒ ምስ እትደሊ፣ ዉላድኪ ኣብ እትሕዝሉ ወይ ኣብ እትምግብዮ ግዜ ማስኬራ ምሽፋን ዘጠቓልል፣ ነቶም ዝምከሩ ጥንቓቐታት ስዓቢ።
    • ንሓድሽ ዉላድኪ ንምልክታት ናይ COVID-19 ተኸታተልዮ።
  • ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መርትዖ ጸባ ጡብ ናብ ናጽላታት ቫይረስ ከመሓላልፍ ከም ዘይክእል ይረጋግጽ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ እቶም ኣንጻር COVID-19 እተታሕዙ ሰባት ብጸባ ጡብ ገይሮም መከላኸሊ ጸረ-ኣካል ናብ ህጻን የመሓላልፉ ኢዮም። COVID-19 ምስ ዝህልወካ ከምኡዉን ጡብ ከተጥብዊ ምስ እትዉስኒ፥
    • ቕድሚ ቖልዓ ምሕቋፍኪ ተሓጸቢ።
    • ኣብ ቖልዓ እትሕዙሉ ወይ ኣብ እተጥብቡሉ ከምኡዉን ኣብ ዉሽጢ ሽዱሽተ ጫማ (ክልተ ሜተር) ናብ ቖልዓኺ ኣብ እትጽግዕሉ ማስኬር ኣተኸደኒ።

Perinatal Support Washington ዉዑይ መስመር ንኹሎም ሓደስቲ ወለድን ብሕጂ ዝጽበዩ ዘለዉን፣ ወይ ፈተዉቶም፣ ናይ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ሓበሬታ ከምዉን ደገፍ ኣብ ዘድልዮም ግዜ ድሉዉ እዩ። Perinatal Support Washington ዉዑይ መስመር ብ 1-888-404-7763 ደዉል ወይ ነቲ ዌብሳይት ናይ ቕድሚ ሕርሲ ደገፍ ብጻሕ (እንግሊዘኛ ጥራይ)። ናብ warmline@perinatalsupport.org ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ኢሜል ስደድ።

ሓገዝ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ህጹጽ መሰመር ተሌፎን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፣ ካብ ሰዓት 9 ቅ.ቀ ክሳብ 4:30 ቅ.ቀ ብቐጥታ ይምለስ። ኣብ ናይ ምሸት ግዜያትን ቐዳመ-ሰናብትን ብኽብረትካ መልእኽቲ ግደፍ ከምኡዉን ዝኾነ ሰብ ኣብ ዉሽጢ 1-12 ሰዓታት መሊሱ ክድዉለልካ እዩ። እቲ ናይ ደገፍ መስመር ብናይ ማሕበራዉያን ሰራሕተኛታት፣ ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ቴራፒስት፣ ወይ ወለዲ ናይ ድሕሪ ሕርሲ ጭንቐት ወይ ወጥሪ ዘሕለፉ ዝቖመ እዩ።

ነብስኽን ስድራኽን ተኸናኸኒ

Washington Listens፡ ብዛዕባ ጭንቐት ናይ COVID-19 ንዝኾነ ሰብ ክትዝረቢ ምስ እትደልዩ፣ ናብ Washington Listens ብ 1-833-681-0211 ደዉሉ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፣ ሰዓት 9 ቅ.ቀ ክሳብ 9 ድ.ቀ፣ ከምኡዉን ኣብ ቐዳመ ሰናብቲ፣ ካብ 9 ቅ.ቀ ክሳብ 6 ድ.ቀ ወትሩ ክትዛረቦ ትኽእል ሰብ ኣሎ TTY (ንጽሙማን) ከምኡዉን ኣገልጉሎታት ቛንቛታት እዉን ኣለዉ። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ገጻት ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ከምኡዉን ስምዒታዊ ጥዕና (እንግሊዘኛ ጥራይ) ኣሎ።

  • ብዛዕባ ኣብዚ ግዜ ዘሎ ኩነታት ለብዒ ከምኡውን ተወሳኺ ርኢቶታት ምስ ሓበሬታ ካብ እሙናት መራኸቢ ብዙሃን፣ ናይ ከባብን ህዝባዉን ናይ ጥዕና ወኪላት፣ ከምኡውን ካብ ወብ ሳይታት ጥዕና ህዝቢ እተረኽበ ሓበሬታ ኣጸቢቕካ ፍለጥ።
  • ከም ተሌፎን ቑጽርታት፣ መርበባት-ሓበሬታ፣ ከምኡዉን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝኣመሰሉ፣ ዝርዝር ናይ ማሕበራዊ ምንጭታት ግበር። ቤት-ትምህርታት፣ ዶካትር፣ ዉዱባት ህዝባዉያን ጥዕና፣ ማሕበራዊ ኣገልጉሎታት፣ ማእከል ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ማሕበረሰብ፣ ከምኡዉን ዉዑያት መስመራት ክትዉስኸሉ ትኽእል ኢኻ።
  • ብተሌፎን ወይ ብናይ ኢንተርነት ኣገልጉሎታት ምስ ስድራቤትን የዕሩኽን ተራኸብ።
  • መሰረታዊ ናይ ጥዕና ቐረባት (ከም ሳምና፣ ኣልኮል ዘለዎ ናይ ኢድ መንጽሂ፣ መንዲል፣ መዐቐኒ መጠን ሙቖት (ቴርሞሜተር)፣ ረስኒ ዘጉድሉ መድሃኒታት፣ ከምዉን ናይ ገዛ ናይ COVID-19 መመርመሪ መሳሪሒታት) ኣብ ኢድካ ይሃሉ።
  • ንስኻ ወይ ኣባላት ስድራቤትካ ቐጻሊ እትወስድዎ መድሃኒታት ቐረብ ክህልወካ ፈትን።

ደገፍ ንነኣሽቱ ኣባላት ስድራቤትካ

  • ኣብ ተሌፎን፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፣ ኢሜል፣ ወይ ብማሕበራዊ ሜድያ ብምዝርራብ ካብ የዕርኹትኻ ከምኡዉን ስድራቤትካ ቐጻሊ ዝኾነ ደገፍን ርክብን ድለ።
  • እቲ ዜና ንደቕኻ የጨንቖም ምስ ዝኸዉን፣ ዕረፍቲ ምዉሳድ ኣይትረስዕ። ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ወይ ካልኦት ምንጭታት ክረኽብዎ ዝኽእሉ ንምንጻር ተዛረቦም።
  • ንቘልዑ ሕቶታት ኪሓትቱን ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ንኺርድእዎ ኺሕግዝዎምን ብምትብባዕ ኣብ ምድጋፍ ኣተኵር።
  • ብዛዕባ ዘለዉኻ ስምዒታት ተዘራረብ ከምኡዉን ኣፍልጦ ሃበሉ።
  • ስምዒቶም ብስእሊ ወይ ብኻልእ ንጥፈታት ገይሮም ንኺገልጹ ሓግዞም።
  • ምቾት ፍጠር ከምኡዉን ካብ ንቡር ንእሽተይ ዕጉስ ኩን።