ምንጭታት ብሕጽረት ፎርሙላ ናይ ህጻውንቲ ንዝተጠቅዑ ስድራ

ብደረጃ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት ፎርሙላ ህጻናት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስድራ ቤታት ጭንቐት ኣሕዲሩ ኣሎ። እዞም ምንጭታት እዚኦም ንኣመጋግባ ደቆም ዝሕግዝ ምግቢ ዘናድዩ ዘለዉ ስድራቤታት መፍትሒ ዝህብ እዩ። እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ካብ American Academy of Pediatrics (AAP፣ አካዳሚ ፔድያትሪክስ ኣሜሪካ)፣ U.S. Department of Health and Human Services (ዲፓርትመንት ጥዒናን ሰብኣዊ ግልጋሎትን ኣሜሪካ)Washington Women, Infants & Children (WIC፣ ኣንስትን ሕጻናትን ቈልዑን) program (ፕሮግራማ WIC ዋሺንግተን)Centers for Disease Control and Prevention (CDC፣ ማእከል ምቅጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት) ከምኡ እውን U.S. Food and Drug Administration (FDA፣ ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ)።

ንዉላደይ ዝከውን ፎርሙላ ክረክብ ተዘይክኢለ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ናይ ዉላድካ ሓኪሞ፣ ነርስ ወይ ድማ ክኒሊክ ናይ ዉላድኩም ስርዓት ኣመጋግባ ብዝምልከት ዝበለጹ ምንጪ ሓበሬታ እዮም። ብኽብረትኩም ዝኾነ ስግኣት ምስ ዝህልወኩም ምስኦም ተራኸቡ።

ኣብ WIC ምስ ትሳተፉ፡-

  • ኣብ ቐረባኹም ዝርከብ ክሊኒክ WIC (ሊንክ ብእንግሊዘኛ) ናይ ዉላድኩም ፎርሙላ ኣብ ምርካብ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ንምዉሳን ርኸብዎም። ንስድራ ቤታት ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ንምሃብ WIC ኣብዚ እዋን ብዙሕ ዓይነታት ፎርሙላ እናቅረበ ይርከብ።
  • ኣብ ቀረባኹም ዘሎ ክሊኒክ ክትረኽብዎ ተዘይክኢሎም፣ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8:00 am – 5:00 pm ኣብ ዘሎ ናብ WIC ስቴት ኦፊስ ብስልኪ ቁጽሪ 1-800-841-1410 ደውሉ።
  • ዝተረጋገጹ ናይ ህጻውንቲ WIC ፎርሙላታት ዝምልከት ንዝበለጸ ሓበሬታ ኣብ ዋሺንግተን WIC ድረ ገፅ (ብእንግሊዝኛ) ኣረጋግጹ።

ጥቅምታት Basic Food (መሰረታዊ ምግቢ) Supplemental Nutrition Assistance Program (SNAP፣ ተወሳኺ መደብ ረድኤት ኣመጋግባ) ኣብ ዝተፈላላ መክዘናት፣ እንተላይ መሸጢ መድሃኒት፣ ናይ ህጻን ፎርሙላ ንምግዛእ ክጠቅሙ ይክእሉ እዮም። እዞም ጥቅማጥቅምታት ብኣካል ወይ ብመርበብ ሓበሬታ (ኦንላይን) መሸጣ ንምፍጻም ክጥቀሙሎም ትኽእሉ ኢኹም። ናይ SNAP ብቑዕ ምኻንካ ንምፍላጥ፣ ናብ Parenthelp123 ድረ ገፅ (ብኢንግሊዝኛ) ብጻሕ ወይ ናብ 1-800-322-2588 ደውሉ።

ካልኦት ኩሎም ስድራ ቤታት ነዚ ዝስዕብ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፦

  • ንኣሽቱ መክዘናትን መሸጢ መድሃኒታትን ወይ ብኦንላይን ካብ ፍሉጥ ስም ዘለዎም መደብራትን እንዳ መድሃኒትን ዓድጉ።
  • ንኣፍረይቲ ብቐጥታ ንምርካብ፡-
    • ወረቐት ዘለዎ መግቢ ወይ ናይ ጻባ ምጥባው መመኸሪ ብዓልሞያ ብስልኪ፣ ብሓጺር ጽሑፍ፣ ብ ናይ ፌስቡክ መሴንጀር፣ ብ ዌብ ቻት ወይ ብናይ ቪድዮ ኮል ንምርካብ ናይ Gerber MyGerber Baby Expert (MyGerber ቤቢ ኤክስፐርት)  (ብእንግሊዘኛ) ተጠቐሙ። ንሳቶም ተመሳሳሊ ብቐሊሉ ክርክብ ዝኽእል ፎርሙላ ንከለልዩ ክሕግዝዎም ይክእሉ እዮም።
    • ናብ Abbott ናይ ዓማዊል መስመር ቴለፎን ደውሉ፡ 1-800-986-8540
    • ናይ Abbott ህጹጽ ናይ ፍርያት መሕተቲ ፎርም ተጠቐሙ (ብኢንግሊዝኛ)፦ ብ Abbott አቢሎም ህጹጽ ፍርያት ንምርካብ ን OBGYN ወይ ናይ ዉላድኩም ሓኪም፣ ነርስ ወይ ክሊኒክ ሕተቱ።
    • ናብ Mead Johnson/Reckitt ናይ ዓማዊል መስመር ስልኪ ደውሉ፦ 1-800 BABY-123 (222-9123)
  • ናይ ማሕብረሰብ ምንጭታት ተመልከቱ ፥
    •  ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ናይ Community Action Agency (CAA፣ ማሕበረሰብ አክሽን ኤጀንሲ) ርኸብዎም (ብ እንግሊዘኛ) ። ናይ ከባቢኹም CAA ፎርሙላ ክህበኩም ወይ ድማ ናብ ከባቢኹም ምስ ዘለዉ ኣብ መክዘን ፎርሙላ ዝሑዙ ኤጅንስታት ክራኽበኩም ይክእል እዩ።
    • ናብ United Way’s 2-1-1 (ብእንግሊዘኛ)፦ ናብ 2–1-1 ብምድዋል ኣብ ዩናይትድ ወይ ዘሎ ናይ ማሕበረሰብ ምንጪ ፍሉይ ብዓል ሞያ ይርከቡ። ምግቢ ዘለዎም ንኣሽቱ መክዘናት ወይ ካልኦት ብሕሳር ዋጋ ወይ ብዘይ ዝኾነ ወጻኢ ናይ ህጻን ምግቢ ክርከብሎም ዝክእሉ ቦታታት ንክረክቡ ክሕግዝዎም ይክእሉ እዮም።
    • ናብ ናይ ከባቢኦም ባንኪ ምግቢ (ኢንግሊዝኛ) ብምድዋል ኣብ መክዘኖም ናይ ህጻን ፎርሙላ ዘለዎም ምኳኑ የረጋግጹ።
    • ብዛዕባ ዝተወፈየ ጸባ ብዝምልከት ንናይ ዉላድኩም ዶክተር፣ ነርስ፣ ወይ ክሊኒክ ሕተቱ። ብትእዛዝ ሓኪም፣ ዉሑስ ዝኮነ ዝተወፈየ ጸባ ጡብ ኣደ ካብ Northwest Mother’s Milk Bank (ብ እንግሊዘኛ) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ኣብዚ ህጹጽ ኩነታት፣ American Academy of Pediatrics (ኣካዳሚ ፔድያትሪክስ ኣሜሪካ) ከምዝበሎ ህጻዉንቲ ናብ ክርከብ ዝኽእል ዝኾነ ፎርሙላ እንተላይ ናይ ድኳናት ዓይነታት፣ ዉላድካ ፍሉይ ፎርሙላ ይድልዮም ክሳብ ዘይኮነ ክቕይር ይኽእል እዩ። ዉላድኩም ኣብ ፍሉይ ብጥብቂ ሃይድሮላይዝድ (ብ እንግሊዘኛ) ወይ ከኣ ከም Elecare ዝኣመሰለ ኣብ ኣሚኖ ኣሲድ እተመስረተ ቀመማት ንሓኪም ውሉድካ ንኣላዪት ሕሙማትካ ወይ ንክሊኒክካ ብዛዕባ ኻልእ ኣማራጺታት ሕተቶ።
  • ከቅርብዎ ዝክእሉ ናይ ፎርሙላ መርኣዩ ኣብ ኢዶም ምህላዉ ንሓኪም ዉላድኩም፣ ነርስ፣ ወይ ክሊኒክ ወይ ን OBGYN ሕተቱ።
ብዙሕ ንክጸንሕ ንምግባር ናብ ፎርሙላ ማይ ብበዝሒ ምውሳኽ ዉሑስ ድዩ?

ኣይፋሉን። ኩሉ ግዜ ኣብቲ ሽፋን ዘሎ መምርሕታትን ናይ ዉላድኩም ዶክተር፣ ነርስ ወይ ክሊኒክ ዝህብዎም ሓበሬታትን ክትክተሉ ኣለኩም። ዝተቓጠነ ፎርሙላ ሓደገኛ እዩ ከምኡዉን ዉላድኩም እኹል መግቢ ከይረክብ ይገብር። እዚ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም እውን ከስዕብ ይክእል እዩ።

ኣብ ገዛይ እተዳለዉ ፎርሙላ ክገብር እኽእል’ዶ?

American Academy of Pediatrics ብዉልቐ ናይ ህጻን ፎርሙላታት ንኸይስራሕ ኣጥቢቑ ይምዕድ። ኣብ ገዛ ዝስርሑ ፎርሙላታት ዉሕስነት የብሎምን ከምኡዉን ነቲ ህጻን እኹል መግቢ ኣይህቡን እዮም። ገለ ሞት ህጻናት ኣብ ገዛ ምስ ዝስርሑ ፎርሙላታት ርክብ ከም ዘለዎም ተራእዮም እዮም።

ካብ ደገ ዝኣተዉ ናይ ህጻን ፎርሙላታት ክረክብ እኽእልዶ?

. U.SFood and Drug Administration (FDA) ካብ ደገ ዝኣትዉ ቐረብ ናይ ህጻን ፎርሙላ ክብ ንምባል ስጉምትታት ወሲዱ እዩ። ኣብ መይ 16፣ እቲ FDA ዉሕስነትን ናይ መግቢ ደረጃን ዘማልኡ ካብ ደገ ዝኣትዉ ምህርትታት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝቅጽሉ ሰሙናት ክኣትዉ ከምዝክእሉ ገሊጹ እዩ (ብኢንግሊዝኛ)።

ናይ ዝዓቢ ቆልዓ ፎርሙላ ንህጻን ዉላደይ ክምግቦ ይክእል ዶ?

American Academy of Pediatrics (AAP) ናይ ዝዓብዩ ቆልዑት ፎርሙላ ንህጻውንቲ ኣይመርጾን እዩ። AAP ካልእ ኣማራጺ ምስ ዘይህልወኩም ግና ናይ ዝዓቢ ቆልዓ ፎርሙላ ሓደ ዓመት ንኽገብር ዝቕረብ ዘሎ ህጻን ምሃብ ጸገም ከምዘየምጽእ ይገልጽ።

ናይ ግዚኡ ከይኣኸለ ዝተወልደ ቖልዓ ዝወሃብ ፎርሙላ ብእዋኑ ንዝተወለደ ዉላደይ ክጥቀመሉ ይክእል ዶ?

ን American Academy of Pediatrics (AAP) ከምዝበሎ ካልእ ዝኾነ ኣማራጺ ክሳብ ዘይሃለወ ንናይ ግዚኡ ከይኣኸለ ዝተወልደ ቖልዓ ዝወሃብ ፎርሙላ ንኣብ እዋኖም ብዝተወለዱ ህጻውንቲ ንዉሑዳት ሰሙናት ክዉሰዱ ዉሑሳት ምዃኖም ይነግር።

 ንውላደይ ኣብ ክንዲ ናይ ህጻን ፎርሙላ ጸባ ላሕሚ ክህቦ እክእልዶ?

American Academy of Pediatrics ካብ 6 ኣዋርሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ቖልዑ ልሙድ (ፍሉይ ዘይኮነ) ፎርሙላ ዝወስዱ ህጻናት፣ ናይ ላሕሚ ጸባ ንሓጺር እዋን (ካብ ሓደ ሰሙን ዘይበዝሕ) ከም ኣማራጺ ክጥቀሙ ከምዝክእሉ ይሕብር። እቲ ጉጅለ ዝሰማማዕ ከምዘይኮነ ከምኡዉን ልዕሊ ሓደ ሰሙን ክዉሃብ ከም ዘይብሉ ይነግር። ናይ ላሕሚ ጸባ ክትህቡ ከለኹም ፣ ዉላድኩም ካብ ሕማም ዋሕዲ ደም (anemia) (ብ እንግሊዘኛ) ንምክልኻል እኹል መጠን ኣይሮን ይረክብ ከምዘሎ ምርግጋጽ ኣድላይ እዩ። ከም ናይ ታኒካ ስጋ ናይ ቖልዓ መግቢ ወይ  ኣይሮን ዘለዎ እኽልታት ዝኣመሰሉ ፣ ትሕዝቶ ናይ ኣይሮን ዝበዝሖ ደረቕ ምግብታት  ክትህቦ እዉን ኣገዳሲ እዩ።  ኣብ ግዜ ሕጽረት ንሰሙን ጸባ ላሕሚ ንዉላድካ ክትህቦ ምስ ዘድልየካ ፣ ምስ ናይ ዉላድኩም ዶክተር፣ ነርስ ወይ ክሊኒክ ተዛረረቡ።

ንዉላደይ ናይ ጤል ጸባ ክምግቦ እኽእልዶ?

ኣብ ኣሜሪካ ናይ ጤል ጸባ ንህጻናት ንክውዕል ዝተውሃብ ፈቃድ የለን። ይኹን ድኣምበር ሓደ ሓደ ሀገራት ካብ ናይ ጤል ጸባ ዝተስረሐ ናይ ህጻናት ፎርሙላ ፈቒደን እየን። ኣብዚ ሕጽረት ዘጋጥመሉ ዘሎ ግዜ U.S. Food and Drug Administration እዞም ፍርያታት ናብ ደገ ክኣትዉ ፍቃድ ንምሃብ ክሓስበሉ ይክእል እዩ።

ንዉላደይ ካብ ኣታኽልቲ ዝተስርሐ ጸባ ክህቦዶ እኽእል’ዶ?
  • American Academy of Pediatrics (AAP) ትሕቲ ሓደ ዓመት ንዝኾኑ ወይ ፍሉይ ፎርሙላ ዘድልዮም ህጻውንቲ ካልእ ናይ ጸባ ኣማራጺታት ክጥቀሙ ኣይመክርን እዩ። AAP ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት፣ ሓደ ዓመት ንምምላእ እተጸግዐ ህጻን ንዉሑድ መዓልታት ናይ ሶይ ጸባ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ፣ ይኩን እምበር እዚ ናይ ሶይ ጸባ ፕሮቲንን ካልሸየምን ክምልኦ ከም ዘለዎ ይሕብር። ምስ ተረኽበ ናብ ፎርሙላ ምጥቃም ቐልጢፍኩም ከም እትምለሱ ኣረጋግጹ።
  • ንዉላድኩም ናይ ፉል ጸባ ወይ ካልእ ዓይነት ናይ ኣትክልቲ ፀባ ኣይሃብዎ። እዚኦም መብዛሕቲኡ እዋን ንዉላድኩም ዝከውን እኹል ፕሮቲን መዓድንን ዝሓዙ ኣይኮንኑ።
  • ንዉላድኩም ናይ ፉል ጸባ ወይ ካልእ ዓይነት ናይ ኣትክልቲ ፀባ ኣይሃብዎ። እዚኦም መብዛሕቲኡ እዋን ንዉላድኩም ዝከውን እኹል ፕሮቲን መዓድንን ዝሓዙ ኣይኮንኑ።
  • ካብ ኣታኽልቲ ዝተሰርሕ ጸባ ክትጥቐም ትሓስብ ምስ ትህሉ ፣ ንናይ ዉላድካ ሓኪም ፣ ነርስ ፣ ወይ ክሊኒክ ኣዛርራቦም።
ዉላደይ ብ Abbott ካብ ዕዳጋ ክእከብ ዝተገበረ ፍሉይ ፎርሙላ የድልዮ እዩ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

U.S. Food and Drug Administration እቲ ካምፓኒ ኣብ ስቱሪጅስ-ሚቺጋን ካብ ዝርከብ ፋብሪክኡ ኣብ ዉሑዳት ኩነታት Abbott ሓደ ሓደ ፍሉይነት ዘለዎምን ሜታቦሊክ ዝኾኑ ፎርሙላታት ንክለቕቕ ከምዝፈቐደሉ (ሊንክ ብኢንግሊዝኛ) ይገልፅ። ዉላድኩም ካብዞም ፎርሙላታት ሓደ ምስ ዘድልዮ፣ ንናይ ዉላድኩም ዶክተር፣ ነርስ ወይ ክሊኒክ ሕተቱ።

ዉላደይ ናይ ህጻን ፎርሙላ ክምግቦ ድሕሪ ምጽነሐይ ጸባ ጡብ ክምግቦ እኽእልዶ?

ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ምቑራጽካ ጸባ ጡብ ምጅማር ወይ ቅድሚ ሕጂ ከይጥብዉኺ ጸኒሕኪ ምጅማር ይከኣል እዩ፣ ግን ግዜን ጻዕርን ይወስድ እዩ።  La Leche League International ምንጭታት ዘለዎ ኮይኑ ኣቅርቦት ጸባ ብከመይ ምውሳኽ ከምዝከኣል።