Stroke and Heart Attack Signs and Symptoms - Tigrinya

English

ትግርኛ (təgərəña)

ወቕዒን መጥቃዕቲ ልብን ኩሉ ግዜ ህጹጻት ኲነት ኢዮም። ግን ትፈልጥዎምዶ እቶም ምልክታት ወቕዒን መጥቃዕቲ ልብን፧

ፍልጠት ሓይሊ ኢዩ። ህይወት ኣድሕኑ ነቶም ኣመታትን ምልክታት ሕማምን ብምፍላጥ፡ እናጋጠሙ ከለዉ ብምልላዮም ከምኡ`ውን ንሓገዝ 911 ብምድዋል።

ወቕዒ

  • ሃንደበታዊ ምድንዛዝ ወይ ምድካም ናይ ገጽ፡ ኢድ ወይ እግሪ፡ ብፍላይ ከኣ ሓደ ወገን ናይ ኣካል
  • ሃንደበታዊ ድብልቕልቅ ወይ ጸገም ኣብ ምርዳእ ዘረባ
  • ሃንደበታዊ ጸገም ኣብ ምርኣይ ብሓደ ወይ ክልተ ኣዒንቲ
  • ሃንደበታዊ ጸገም ኣብ ብእግሪ ምኻድ፡ መንጸሮር ወይ ምስሓት ሚዛን ኣካል ወይ ምውህሃድ
  • ሃንደበታዊ ፍሉጥ ዝኾነ ጠንቂ ዘይብሉ ከቢድ ሕማም ርእሲ

ሕማም ልቢ

  • ቃንዛ ወይ ዘይምችውነት ኣብ ኣፍልቢ
  • ጭርውርው ርእሲ፡ ዕግርግር ወይ ተምላስ
  • ቃንዛ ኣብ መንጋጋ፡ ክሳድ ወይ ሕቖ
  • ዘይምችውነት ወይ ቃንዛ ኣብ ኢድ ወይ መንኩብ
  • ሕጽረት ትንፋስ

እንድሕር ሓደ ሰብ ወቕዒ ወይ መጥቃዕቲ ልቢ የጋጥሞ ኣሎ ኢልኩም ሓሲብኩም፡ ኣይትደንጒዩ። ደውሉ ብቕልጡፍ ናብ 911። ናይ ኣገልግሎታት ሕክምናዊ ህጹጽ ኲነት ሰራሕተኛታት ዝሰልጠኑ ኢዮም ንከለልዩ ወቕዒን ሕማም ልብን ከምኡ`ውን ነቲ ሕሙም ናብ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ከብጽሕዎ። እዚኦም ናይ ሕክምና ህጹጻት ኲነት ክፍወሱ ዝኽእሉ ኢዮም፡ ከምኡ`ውን እቲ ሕሙም ኣብ ዝያዳ ዝቐልጠፈ ግዜ ምስ ዝሕከም ዝለዓለ ዕድል ኣሎ ናብ ገዝኦም፡ ስድራ-ቤቶም ከምኡ ድማ ዕለታዊ መነባብርኦም ንክምለሱ።