ክታበት ኮቪድ-19 ብብዙሓት ዋኒናት፡ ኣጋጣሚታት ከምኡ'ውን ኣስራሕቲ ኢዩ ዝጥለብ። እዞም ዝስዕቡ ዓይነታት መረጋገጺ ኢዮም ቅቡላት ኣብ ዋሽንግተን። ገለ ገለ ቦታታት ካብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓደ ጥራይ ክቕበሉ ይኽእሉ ኢዮም።
ነቶም ሕግታት ናይቲ ክፍሊ ኣኽብርዎም ከምኡ'ውን እቲ ዝጥለብ መረጋገጺ ከተርእዩ ድሉዋት ኩኑ።
CDC መዝገብ ካርድ ክታበት ኮቪድ-19
- መበቆላዊ፡ ቅዳሓት ወይ ስእልታት ኣብ ሞባይል ቅቡል እዩ።
- ምሉእ ብምሉእ ክታበት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ካብታ ናይ መወዳእታ ዝተመዝገበት ዶዝ ኢዩ ቅቡል ዝኾውን፡
- Johnson & Johnson ሓደ መጠን፣ ዕድሚኦም 18ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ዝተፈቀደ
- Moderna ዕድሚኦም 6 ኣዋርሕ ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 28 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ
- Novavax ዕድሚኦም 12 ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 21 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ
- Pfizer: ሰለስተ ዶዛት ይውሃቡ ንቆልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም። እቶም ቀዳሞት ክልተ ተኸታተልቲ ኣብ ናይ 21 መዓልታት ፍልልይ ክውሰዱ ኣለዎም ከምኡ’ውን እታ ሳልሰይቲ ዶዝ 8 ሰሙናት ድሕሪ’ታ ካልኣይቲ ዶዝ።
- Pfizer: ዕድሚኦም 5 ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 21 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ

ኣብ ኣተሓሕዛ ካርድ ክታበት ገለ ክዝከሩ ዘለዎም ምኽሪታት ኣብዚ እንሆ፡
- ሓዝዎ ካርድ ክታበትኩም ኣብ መንጎ ዓቐናት (ዶዛት) ከምኡ`ውን ብድሕሪኡ።
- ውሰዱ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ስእልታት ካርድኹም መታን ዲጂታላዊ ቅዳሕ ኣብ ኢድኩም ብቐሊሉ ክህልወኩም። ኣብ ግምት የእትውዎ ናብ ነብስኹም ብኢሜይል ምስዳድ፡ ኣልቡም ምስራሕ ወይ ድማ ታግ ክትገብሩላ ነታ ስእሊ መታን ብቐሊሉ ክትረኽባዋ።
- ሓዙ ቅዳሕ ናታ እንድሕር ምሳኹም ሒዝኩሞ ክትንቀሳቐሱ ደሊኹም።
- ኣይትደርብይዋ ወይ ኣይተጥፍእዋ!
- ኣይትለጥፉ ናይ ነብስኹም ስእሊ ኣብ ኢንተርነት ዘርኢ ነታ ካርድ ክታበት። ኣብ ክንድኡ ናይ ነብስኹም ስእሊ ወሲድኩም ተጠቀሙ ናትና ዲጂታላውያን ስእሊ ወይ ጽሑፍ (ስቲከር)ብምድላይ ኢልኩም #vaccinateWA ወይ #wadoh! ዘክሩ ኢኹም ታግ ክትገብሩ ን @WADeptHealth።
- ኣይተጠርዝዋ ነታ ቀንዲ ካርድኹም። ነታ ቅዳሕ ከተጠርዝዋ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም ሒዝኩማ ክትንቀሳቐሱ።
ወረቐት ምስክር ክታበት ኮቪድ-19 ወይ QR ኮዳት።

መርኣያ ለ
ኣብ ናይ መሻርኽቲ ናይ ሞባይል ኣፕ ዝርአ QR ኮድ ። (ኣፕ ክፈላልዩ ይኽእሉ)
ሓበሬታ ናይ ሕማም መከላኸሊ ሜላ ሕትመት ግዝኣት ዋሽንግተን
- ናይ Certificate of Immunization Status (ወረቐት ምስክር ናይ ብዩነት ደረጃ፡ CIS) ቅጥዕታት ዝተሓትሙ ካብ Washington State Immunization Information System።
- ብኢድ ዝተጻሕፈ መረጋገጺታት ብናይ ውሃቢ ሕክምና እንተዘይተፈሪሙ ከም ቅቡል ኣይቑጸርን እዩ።

ካልእ እንታይ እዩ ከም ወግዓዊ መዝገብ ክታበት ኮቪድ-19 ዝቑጸር፧
- ካብ ውሃቢ ሕክምና እተረኽበ እተረጋገጸ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ሕክምና መዝገብ ሕትመት