ብዓይኒ ዝርአ መምርሒ ንወግዓዊ ግዝኣት ዋሽንግተን መረጋገጺ ክታበት ኮቪድ-19

ክታበት ኮቪድ-19 ብብዙሓት ዋኒናት፡ ኣጋጣሚታት ከምኡ'ውን ኣስራሕቲ ኢዩ ዝጥለብ። እዞም ዝስዕቡ ዓይነታት መረጋገጺ ኢዮም ቅቡላት ኣብ ዋሽንግተን። ገለ ገለ ቦታታት ካብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓደ ጥራይ ክቕበሉ ይኽእሉ ኢዮም።

ነቶም ሕግታት ናይቲ ክፍሊ ኣኽብርዎም ከምኡ'ውን እቲ ዝጥለብ መረጋገጺ ከተርእዩ ድሉዋት ኩኑ።

CDC መዝገብ ካርድ ክታበት ኮቪድ-19

  • መበቆላዊ፡ ቅዳሓት ወይ ስእልታት ኣብ ሞባይል ቅቡል እዩ።
  • ምሉእ ብምሉእ ክታበት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ካብታ ናይ መወዳእታ ዝተመዝገበት ዶዝ ኢዩ ቅቡል ዝኾውን፡
    • Johnson & Johnson ሓደ መጠን፣ ዕድሚኦም 18ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ዝተፈቀደ
    • Moderna ዕድሚኦም 6 ኣዋርሕ ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 28 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ
    • Novavax ዕድሚኦም 12 ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 21 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ
    • Pfizer: ሰለስተ ዶዛት ይውሃቡ ንቆልዑ ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም። እቶም ቀዳሞት ክልተ ተኸታተልቲ ኣብ ናይ 21 መዓልታት ፍልልይ ክውሰዱ ኣለዎም ከምኡ’ውን እታ ሳልሰይቲ ዶዝ 8 ሰሙናት ድሕሪ’ታ ካልኣይቲ ዶዝ።
    • Pfizer: ዕድሚኦም 5 ን ካብኡ ንላዕልን ንዝኮኑ ክልተ ዓቐናት 21 መዓልትታት ፍልልይ ብምግባር ዝወሃቡ
COVID-19 Vaccination Record Card Sample
ኣብ ኣተሓሕዛ ካርድ ክታበት ገለ ክዝከሩ ዘለዎም ምኽሪታት ኣብዚ እንሆ፡

ወረቐት ምስክር ክታበት ኮቪድ-19 ወይ QR ኮዳት።

Certificate of COVID-19 Vaccination - Sample

መርኣያ ሀ​
ኮቪድ-19 ወ ክርከቡ ይኽእሉ ካብ MyIRmobile.com
WA verify SMART Health Card QR code - Sample

መርኣያ ለ
WAverify.org QR ኮድ
QR Code Endorsed Partner App. - Sample

መርኣያ ለ
ኣብ ናይ መሻርኽቲ ናይ ሞባይል ኣፕ ዝርአ QR ኮድ ። (ኣፕ ክፈላልዩ ይኽእሉ)

ሓበሬታ ናይ ሕማም መከላኸሊ ሜላ ሕትመት ግዝኣት ዋሽንግተን

  • ናይ Certificate of Immunization Status (ወረቐት ምስክር ናይ ብዩነት ደረጃ፡ CIS) ቅጥዕታት ዝተሓትሙ ካብ Washington State Immunization Information System።
  • ብኢድ ዝተጻሕፈ መረጋገጺታት ብናይ ውሃቢ ሕክምና እንተዘይተፈሪሙ ከም ቅቡል ኣይቑጸርን እዩ።
Certificate of Immunization - Sample

ካልእ እንታይ እዩ ከም ወግዓዊ መዝገብ ክታበት ኮቪድ-19 ዝቑጸር፧

  • ካብ ውሃቢ ሕክምና እተረኽበ እተረጋገጸ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ሕክምና መዝገብ ሕትመት

ንሕቶታት ብዛዕባ መዛግብቲ ክታበት፡ ደውሉ ናብ 1-800-525-0127፡ ብድሕሪኡ # ጽቐጡ