ነዊሕ ኮቪድ

እንታይ እዩ ነዊሕ ኮቪድ?

ብ ኮቪድ-19 ዝለኽፉ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ድሕሪ ምልካፎም ማለት ነዊሕ ኮቪድ ዝብሃል ወይ ድሕሪ ኮቪድ ዘሎ ስይንድሮም ዝብሃል ምልክታትን ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤናትን ክህልዎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ነዊሕ ኮቪድ ገና ብዙሕ ኣይተፈልጠን ዘሎ። ንሕና ድማ ብዛዕባ ነዊሕ ኮቪድ ምርምር እናተገበረ ትምህርቲ ምውሳድና ክንቅጽል ኢና።

ናይ ነዊሕ COVID ምልክታት

ብነዊሕ ኮቪድ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ድሕሪ መልከፍቲ ንሰሙናት፡ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዝጸንሕ ዝተፈላለየ ምልክታት ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ምልክታት ድማ ኣብዚኦም ከይተወሰነ ነዚኦም ከጠቓልል ይኽእል፡

  • ስምዒት ድኻም፡ ብፍልላይ ድማ ድሕሪ ኣእምሩኣዊ ወያ ኣካላዊ ስራሕ
  • ረስኒ
  • ፀገም ምስትንፋስ
  • ሰዓል
  • ቃንዛ ኣፍልቢ
  • ለውጢ ኣብ ጨና/ከምኡውን ወይ ጣዕሚ
  • ኣብ ምሕሳብ ወይ ምድሃብ ጸገም ምግባር ወይ ናይ ሓንጎል ግመ ዝብሃል
  • ሕማም ርእሲ
  • ቃንዛ ከብዲ
  • ኣብ ዑደት ጽግያት ለውጥታት ምግባር

መን እዩ ነዊሕ ኮቪድ ከማዕብል ዝኽእል?

ዝኾነ ብ ኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሰብ ነዊሕ ኮቪድ ከማዕብል ይኽእል።  ኣብቶም ከቢድ ናይ ኮቪድ-19 ምልክታት ዝነበሮም ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ኣብ ሕክምና ምድቃስ ዘድለዮም ሰባት ብዝያዳ ይረአ። እቶም ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ናይ ብዙሕ ስርዓተ ኣካል ናይ ነድሪ ሲንድሮም ዘጋጠሞም ሰባት ከኣ ኣብ ዝውስኽ ሪስክ ናይ ነዊሕ ኮቪድ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።  ደቀንስትዮ፡ ዕብይ ዝበሉ እኹላት ሰባት፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ናይ ጥዕና ዘለው ሰባት፡ ከምኡውን እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ከኣ ዝያዳ ነዊሕ ኮቪድ ዘማዕብሉ ይመስሉ። ብዙሕ ግዘ ኮቪድ-19 ዝሓዞም ሰባት ድማ ዝያዳ ናይ ጥዕና ሪስክታት እከላይ ነዊሕ ኮቪድ ክህልዎም ይኽእል እዩ።    

ነዊሕ ኮቪድ ምክልኻል 

ምክልኻል መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከኣ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምክልኻል ናይ ነዊሕ ኮቪድ እዩ። ንነብስኹምን ካልኦትን ድማ ኣእዳውኩም ብምሕጻብን፡ ኣብ እኩብ ሰብ ድማ ማስክ ብምግባርን፡ ምስ ሓመምኩም ድማ ኣብ ገዛ ብምጽናሕን፡ ዝተባህለኩም ክታበታትን መበርትዒ ዶዛትን ብምውሳድን ድማ ካብ ኮቪድ-19 ገዛእ ርእስኹም ሓልው።

ገና ኮቪድ-19 ዘለዎም ዝተኸትቡ ውልቅቀሰባት ድማ ካብቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ነዊሕ ኮቪድ ናይ ምምዕባል ዝወሓደ ዕድል ኣለዎም።

ብዛዕባ ናይ COVID-19 ክታበት ምውሳድ ፍለጡ-19

ነዊሕ ኮቪድ ምርመራ ምግባር

ናይ ነዊሕ ኮቪድ ነጸርታ ምክያድ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።  ንተሓከምቲ ድማ ምልክታት ክገልጹ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነጸርታ ንምግባር ድማ ናይ ላባራቶሪ መርመራ ወይ ናይ ስእሊ መጽናዕቲ የሎን። ሕክምናዊ ምርመራታት ድማ ንቡር ውጺኢት ከርእዩ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ዋላ'ውን እቲ ተሓካሚ ነዊሕ ኮቪድ ይሃልዎ እዩ።

ምልክታት ነዊሕ ኮቪድ ዝሕብሩ ሰባት ድማ ምልክታት ኮቪድ-19 ኣየርኣዩን ከምኡድማ ፈለማ ምስ ሓመሙ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኣይገበሩን። እዚ ድማ ኮቪድ-19 ከምዝነበሮም ንምርግጋጽ ኣሸጋሪ ክገብሮ ይኽእል እዩ ከምኡድማ ነጸርታ ናይ ነዊሕ ኮቪድ ክዓግት ወይ ከዶንጊ ድማ ይኽእል እዩ። ንስኹም ድማ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ክትገብሩ ኣገዳሲ እዩእዚ ድማ መጀመርታ ሕማም ምስ ተሰማዓኩም  ኣብ ናይ ነዊሕ ኮቪድ ነጸርታ ድሓር ንምሕጋዝ እዩ።

Patient Tips: ንናይ ድሕሪ ኮቪድ ኩነታት ናይ ክንክን ጥዕና ኣዳላዊ ቆጸራታት(ብእንግሊዝኛ)

ናይ ሕጅን ናይ ቅድምን ኩነታት ጥዕና

ረኽሲ ኮቪድ-19 ከኣ ብዙሕ ስርዓተ ናውቲ ኣካላት ክትንክፍ ይኽእል እዩ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናይ ባዕሉ ዝዓዪ ኩነታት ስርዓተ ምክልኻል ከበግስ ይኽእል፡ እዚ ድማ ኣብ ናይ ነዊሕ ኮቪድ እጃም ክህልዎ ይኽእል እዩ።   ስርዓተ ምክልኻል  (Autoimmune) ከጋጥም ዝኽእል ከኣ ርእሰ - ምክልኻል ኣብ ዝተተንከፈ ክፋል ናይ ኣካል ነድሪ ወይ ናይ ቲሹ ዕንወት ምስ ገበረ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኮቪድ-19 ዝነበሮም ሰባት ከኣ ከም ሕማም ሽኮር ወይ ናይ ልቢ ኩነታት ዝኣመሰለ ሓድሽ ናይ ጥዕና ስክፍታታት ከማዕብሉ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም።    ናይ ቅድም ናይ ጥዕና ኩነታት ከም ሕማም ሽኮር ወይ ናይ ልቢ ኩነታት ከኣ ድሕሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ክብእሱ ይኽእሉ እዮም።

ነዊሕ ኮቪድን መሰላት ስንክልና

ነዊሕ ኮቪድ ከኣ ኣካላውን ኣእሙራኣውን ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ፡ ብመሰረት Americans with Disabilities Act (ADA፡ ኣዋጅ ስንክልና ዘለዎም ኣመሪካውያን) ድማ ከም ስንክልና ክውሰድ ይክኣል እዩ። ነዊሕ ኮቪድ ዘለዎ ሰባት ከኣ ካብ ናይ ስንክልና ኣድልዎ ብሕጊ መሐለውታ ኣለዎም። ምስ ነዊሕ ኮቪድ ዝተኣሳሰሩ ድሩትነታት ንምክንዋን ድማ ካብ ትካላት፡ ስተይት፡ ዞባውያን ምምሕዳራት ምምቻዋት ክግብኦም ይኽእል እዩ።

መምርሒ ኣብ "ነዊሕ ኮቪድ" ብመሰረት ADA

ነዊሕ ኮቪድን ጥንስን

ጥኑሳትን ናይ ቀረባ እዋን ጥንሲ ዘለወን ሰባትን ድማ ብ ኮቪድ-19 ብከቢድ ናይ ምሕማም ዕድል ኣለወን።  ኮቪድ-19 ከኣ ንጥንስን ነቲ ዝዓቢ ህጻንን ዝትንክፍ ምትሕልላኻት ከምጽእ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ነዊሕ ኮቪድ ብከመይ ጥንሲ ከም ዝትንክፍ ጋና ብዙሕ ኣይተፈልጠን ዘሎ። The National Institutes of Health (NIH፡ ሃገራዊ ትካል ጥዕና) ከኣ ነተን ኮቪድ-19 ዝነበረን ደቀንስትዮ ናይ 4 ዓመት መጽናዕቲ ፡ጠኒሰን ከለዋን ን ውልደንን ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ናይ ኮቪድ-19 መጽናዕቲ ከካይድ እዩ።

ነዊሕ ኮቪድን መንእሰያትን

መንእሰያት ድማ ብ ነዊሕ ኮቪድ ክሓሙ ይኽእሉ እዮም። ምልክታት ነዊሕ ኮቪድ፡ ከም ድኻምን ጸገም ምድሃብን ዝኣመሰሉ ዘጋጠሞም መንእሰያት ኣብ ትምህርትን ካልኦት ንጥፈታትን ክሳተፉ ክጽገሙ ይኽእሉ እዮም። መንእሰያት ድማ ምልክታቶም ክዛረቡ ክጽገሙ ይኽእሉ እዮም።

ነዊሕ ኮቪድ ዘለዎም ቆልዑ ከኣ ንፍሉይ ትምህርቲ፡ ምሕብሓብን ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ብመሰረትናይ ፈደራል ሕግታት ክግብኦም ይኽእል እዩ።

መንእስያት ብ ኮቪድ-19 ክኽተቡ ምግባር ከኣ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምክልኻል ናይ ነዊሕ ኮቪድ ኣብ መንእሰያት እዩ።

ብዛዕባ ምኽታብ መንእሰያት ድማ ዝያዳ ፍለጡ.

ሓበሬታ ንሓካይም