Tigrinya

ብብዝሒ ዝሕተቱ ሕቶታት

ምምርማር ንምንታይ የድሊ

መርመራ ህይወት ሰባት የድሕን እዩ። መርመራ ሰባት ነቲ ቫይረስ ንኸይዝርጋሕ፣ ከም ንበይኖይም ምፍላይ፣ ዝኣመሰለ ጥንቃቐታት ንኺገብሩ የኽእሎም፤ ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ ነቲ ቫይረስ ከስፋሕፍሕዎ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺውን መርመራ ነቶም ናይ ህዝቢ ጥዕና ሰበ-ስልጣናት ነቲ ሕማም ንኸለልይዎን ምላሽ ንኽህቡን፣ ከምኡ'ውን ሓደስቲ እተፈላለየ ዓይነት ናይቲ ቫይረስ ንኽከታተሉ ይሕግዞም ኢዩ። ምመርመራ ንቡር ንጥፈታትካ ንምቕጻል ዚሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

ኣብ University of Washington ን ኣብ Department of Health (DOH፣ ክፍሊ ጥዕና) ዚርከቡ ተመራመርቲ ኸምዚረኸቡዎ ናይ COVID-19 መርመራ ምግባርን ከምኡ'ውን ብ WA Notify (WA ሓባሪ) ምክትታል ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳዕ መጋቢት 2021 ኣስታት 6,000 ጕዳያት ተኸላኪሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መዓስ ኢዩ ምምርማር ዘድሊ

ምልክታት ናይ COVID-19 እንተ ሃልዩካ ወይ ምስ ሓደ ናይ COVID-19 ፖዘቲቭ ውጽኢት ዘለዎ ሰብ ጥብቂ ርክብ እንተ ኻልዩካ ንምምርማር ጽዓር። ምልክታት ሕማም እንተ ኻልዩካ ወይ ከኣ፣ ዋላ እውን ዝዀነ ይኹን ምልክት እንተ ዘየሓልዩካ፣ ካብ ተታሒዘ እከውን እየ ኢልካ ትሰግኣሉ መ ዓልቲ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 3-5 መዓልቲ ጸኒሕካ ብኡንብኡ ኽትምርመር ኣሎካ።

ኣበይ ኢየ ክምርመር ዚክዕል

ናይ ዋሽንግተን Department of Health ወብ ሳይት ኣብ ኩሎም ካውንትታት፣ ናይ መሐበሪ ናይ መርመራ ቦታታት (ብእብግሊዘኛ) ምስ ናይ ስራሕ ሰዓትን፣ ብቕዓታትን ያቐምጥ ኢዩ። ብዛዕባ መርመራ ዚግበረሉ ወብ ሳይታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፣ ኣብ 2-1-1 ደውል። ኣብ መደብራት ዚርከብ ናይ መርመራ መሳርሒታት ኣብ ቤት ንዚግበር ምሹእ መርመራ ዚኸውን ትእዛዝን፣ ፋርማሲታትን ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ኣብ ቀረባ ዘሎ ቦታ ፈተና ርኸብ (ብእንግሊዘኛ)

እተፈላለየ ዓይነት መርመራታት

ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መርመራታት ንቅልጡፍ መርመራ፣ ናይ ኣንቲጀን መርመራታት፣ ሞለክዩላዊ መርመራታት (ኣብ ቤተ-ምርምር ከምኡ'ውን ኣብ ክንክን ዚግበረሉ ነጥብን)፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቤትካ ርእስኻ ምምርማር የጠቓልል። ዝዀነ ይኹን ፍሉይ መርመራ ከም ጠለብን ኣፍረይቲ ትካላትን ይፈላለ ኢዩ።

ዋጋ

ኣብ ካውንቲ ወይ መንግስቲ ዝድግፎ ናይ መርመራ ቦታታት ንዝግበር ፈተናታት ዝኸውን ካብ ጁባ ወጻኢ የለን። መብዛሕትኡ መርመራታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ምልክታት ሕማም ዘለዎም ሰባት፣ ናብ መድሕን ክኽፈል ወይ ካብ Department of Health ደገፍ ክግበረሎም ይኽእል ኢዩ። ንኣገልግሎት ዚኸውን ክፍሊት ዚኸፍል ናይ መርመራ ወብ ሳይታት ኣብቲ መሐበሪ ተሓቢሩ ኣሎ። መብዛሕትኡ ናይ ጕዕዞ መርመራታት ብመድሕን ወይ ብመንግስቲ ብዝድገፍ መደባት ኣይሽፈን ኢዩ።

መርመራ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ

መብዛሕትኡ ፈተና ብዓንኬል ስዋብ እዩ ዚግበር። ገለ ፈተናታት ጥፍጣፍ ብምእካብ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ናይ መርመራ ብብዝሒ ዝሕተቱ ሕቶታት ገጺ ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ስጕምቲ-ስዓብ

ምልክታት ሕማም እንተ ኻልዩካ ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ቤትካ ጸናሕ። ፖዘቲቭ ናይ መርመራ ውጽኢት እንተ ኻልዩካ፣ ንበይንኻ ተፈለይ (ብመሰረት DOH/Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) መምርሒታት) ከምኡ'ውን ብ Care Connect. ሓገዝ ድለ።