ብተደጋጋሚ ዚሕተቱ ሕቶታት | ናይ COVID-19 መርመራ

ናይ መርመራ መሳርሒታት ምርካብ

ናይ COVID-19 መርመራ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

በጃኻ ነዚኦም ዚስዕቡ ኣማራጺታት ፈትኖም፦

ኣብ ጥቓካ ንዝርከብ መመርመሪ ቦታ ንምርካብ ሓገዝ ምስ ትደሊ፣ ኣብ ናትካ ናይ ከባቢ ክፍሊ ጥዕና (ብቋንቋ እንግሊዝ) አረጋግጽ። ንብ 1-800-525-0127 ብምድዋል ን # ምጽቓጥ እውን ትክእል ኢኻ። ክምልሱልኹም ኸለዉ፣ ኣገልግሎት ትርጉም ምእንቲ ኽትረክቡ ቛንቋኹም ተዛረቡ።

ኢንተርነት የብለይን / እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቛንቋይ ኣይርከብን እዩ። ካብ WA ብናጻ ኣቑሑት ዝእዝዝ ዝኽእል ብኸመይ እየ?

ብጃኹም ናብ 1-800-525-0127 ብምድዋል ብድሕሪኡ ድማ ን # ጠውቑ። ሓገዝ ቋንቋ ኣሎ። እቲ መደወሊ ማእከል ኣብ-መስመር ብናይ ዋሽንግተን ከምኡ'ውን ብፌደራላዊ ፖርታላትን ኣቢሉ ኣብ ክንዳኻ ትእዛዝ ኪህበልካ ይኽእል እዩ።

ናይ ነጻ መፈኣተኒ መዓስ ክቕበል እኽእል?

ብኽልቲኡ ፕሮግራም ዝቐረበ መርመራታት (Say YES! COVID Test (ሕራይ በል! ናይ COVID መርመራ) ወይ Federal Program (ናይ ፌደራል ፕሮግራም)) መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተኣዝዝ ኣብ ውሽጢ 1-2 ሰሙን እዩ ዚለኣኽ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ እቲ መርመራታት ከም ዘይተወድኣ ይገልጽ ኣሎ። መዓስ እዮም ኪረኽቡ ዚክእሉ?

እቲ ዘሕዝን ነገር ግን፣ እቲ ዝደንጐየሉ ምኽንያት ሃገራዊ ናይ ቀረብ ሰንሰለት ጠለብ ስለ ዘሎ መርመራታት መዓስ ከም ዝምለስ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። በጃኻ ኣዘውቲርካ ተመሊስካ ርአይ ኣብ sayyescovidhometest.org (ብቋንቋ እንግሊዝ)። ትዕግስቲ ብምግባርኩም ነመስግነኩም!

ብቕልጡፍ መርመራ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፣ በጃኻ ነቲ ኣብ ትሕቲ እዛ ሕቶ እዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣማራጺታት ተጠቐመሉ፣ 'ናይ COVID-19 መርመራ ኻበይ ክረክብ እኽእል?'።

ንዅሉ እቲ ዝምኸር ኣማራጺታት መርመራ ድሕሪ ምስዓበይ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ መርመራ ኽረክብ ኣይከኣልኩን። COVID-19 ዘሎኒ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ እንታይ እየ ዝገብር?

ናይ COVID-19 መርመራ ንምርካብ ኣጸጋሚ ዅነታት የጋጥመካ ምህላዉ የጕህየካ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ቐረብ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ድሩት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

ምልክታት ሕማም COVID-19 የጋጥመካ እንተ ኣልዩ ወይ ከኣ ን COVID-19 እተቓልዐ እንተ ዄንካ ክትሕዘካ ትኽእል ኢኻ፣ ነዚኦም ዚስዕቡ ንመክር ኢና፦

ሓፈሻዊ መፈተኒ

መን እዩ መርመራ ኪገብር ዘለዎ?

The Department of Health (DOH፣ ናይ ክፍሊ ጥዕና) ንዝዀነ ይኹን ምስ COVID-19 ዝሰማማዕ ምልክታት ዘለዎ ሰብ መርመራ ኽግበረሉ ምኽሪ ይህብ።

ብተወሳኺ'ውን DOH ነቶም ከም ምስ እተተሓዘ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም፣ ወይ ን ለበዳ ተቃሊ ክኾኑ እሉ ሰባት መርመራ ኽግበረሎም ምኽሪ ሂቡ ኣሎ።

እንተድኣ ኣነ ፖዝቲቭ እንተኾይነ እንታይ ይኸውን?

ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተዋህበ መምርሒ Centers for Disease Control & Prevention (CDC፣ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም) ከምኡ'ውን DOH መምርሒታት ብምስዓብ ኣብ ገዛ ጽናሕ፣ ካብ ካልኦት ብምርሓቕ። ኵሎም ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሰባት ንበይኖም ኪዕቈቡ ኣለዎም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤትካ ዚርከብ ውጽኢት ናይ COVID-19 መርመራ ንምምዝጋብን ኣገልግሎት ክንክን ንምርካብ፣ በጃኻ ነቲ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ዚርከብ ናይ COVID ህጹጽ-መስመር ኣብ 1-800-525-0127 ደውል። ሓገዝ ቋንቋ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።

WA Notify (WA ሓባሪ) እንተ ኣልዩካ ወይ ኣብ ስማርትፎንካ ኽትጥቀም ትኽእል እንተ ዄንካ፣ ነዛ ንዋት እዚኣ ተጠቒምካ ፖዘቲቭ ውጽኢት መርመራ ጸብጻብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፦ ናይ ፖዘቲቭ መርመራ ምስ ዝህልወካ እንታይ ከምትገብር ኣሎካ